2018.09.26 ብዓለ መስቀል 2018.09.26 ብዓለ መስቀል  

ብዓለ መስቀል መስከረም 16 2011 ዓ.ም. (09/26/2018)

ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ። ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም፥ እቶም ንስኻ እትፈትዎም ሕዝቢ ምእንቲ ኺድኅኑ። መዝ. 60፡4።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

ንባባት፡ 1ጢሞ 5፡916፥ ያዕ 3፡11ፍ፥ ግ.ሓ. 5፡2633፥ ዮሓ 19፡2528። ወይከኣግ ዘኁልቅ 21፡4-9፥ ፍሊጲስዩስ 2፡6-11፥ ግ.ሓ. 2፡22-37፥ ዮሓ 3፡13-17።

ቅዱስ ጳውሎስ አብቲ ጽንኩር እዋን ስብከቱ ብንጹር ዝአምኖ ኽሕብር ምስ ደለ “ንሕና ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና እንሰብኽ” (1ቆሮ 1፡23) ይብል ነበረ። መስቀል ካብ መጀመርያ አብ እምነት ክርስትና እቲ ዝለዓለ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። አብ ስርዓት ሃገርና መስቀል ፍሉይ ክብርን ትርጉምን አልኦ አብ ኩሉ ጸሎታትና ስርዓት ማኅሌታትና መስቀል ንዝክር ንኹሉ ጸሎታትና ብመስቀል ንጅምሮ። አብ ዓመት ክልተ ጊዜ ንዝክሮ፥ ማለት መጋቢት 10 ከምኡ መስከረም 17 ብፍሉይ ጸሎትን ክብርን ዘኪርና ነብዕሎ። መስቀል ንአና ምልክት ተስፋ፥ አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክንአምን ዝሕግዘና ፍሉይ ምልክት መንነት እምነትና እዩ።

አብ ታሪኽ ብፍሉይ ነዚ ናይ ሎሚ ብዓል እንተ ረኤና መሰረቱ እዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. አብ ዝንገር ታሪኽ ብ312 አቢሉ ቍስጢንጢኖስ ምስ ማክሰንጢዩስ ዝብሃል ምቐናቕንቱ ንምሉእ ግዝአት ሮማ ንምግዛእ ተዋጊኡ፥ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ንሰማይ እንተ ጠመተ መስቀል ምስ ሴፍ ርእዩ ከምዚ ዝብል ቃላት ከአ ርእዩ “በዚ ምልክት እዚ ክትስዕር ኢኻ”። ቆስጣንቲኖስ በዚ ምልክት ተበራቲዑ ሴፉ ወሲዱ በቲ ጫፉ ሒዙ ምልክት መስቀል ገሩ ንወተሃድራቱ ንውግእ መሪሑ ስዒሩ ናይ ምዕራባዊ መንግስቲ ሮማ ንጉሥ ኮይኑ። አዲኡ ንግስቲ እለኒ ጽንዕቲ ክርስትያን እያ ነራ ንወዳ ቆስጣንቲኖስ ካብ ንእስነቱ ትምህርቲ ክርስቶስ ጽቡቕ ገራ አምሂራቶ። ንሱ ንጉሥ ምስ ኮነ ስደት ክርስትና ደው አቢልዎ ዕላዊ እምነት መንግስቱ ገርዎ። አዲኡ ከአ ግማድ መስቀል አብ ኢየሩሳሌም ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ።
  2. ብ335 ዓ.ም. አብ መስከረም 14 ርእሰ አድባራት ቤተ ክርስትያን ብንጉሥ ቆስጣንጦኖስ አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ተሰሪሓ ተመሪቓ። እዚ ሎሚ እንብዕሎ ዘሎና ናይ እዛ ቤተ ክርስትያን ምርቓ ዝኽሪ እዩ። ቅድምዚ እቲ ቦታ ሃድርያን ዝተባህለ ሮማዊ ንጉሥ ኩሉ አፍሪሱ አብኡ ንአምላኽ ሮማውያን ቨኑስ ምስቲ ንጁቢተር ዝሰርሖ ምስሊ ገሩ አብ ቀራንዮ ሰሪሕዎ እዚ ኸአ ነቲ አብ ከባቢ ዝነበረ ኩሉ ዝፈርስ አፍሪሱ ዝጸሪ አጽርዩ ከም ብሓዲስ ሰሪሕዎ። አብ ዳሕራይ ዓመተታ ቆስጣንቲኖስ ምስ ነገሰ ንግስቲ እለኒ ንመስቀል ክርስቶስ አብቲ ሃድርያን ቤተ መቕደስ ዝሰራሓሉ ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ። ድሕሪ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ንጉስ ፋርስ ኮስሮይስ ዝተባህለ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ሒዙ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ንፔርስያ ወሲድዎ። ድሕሪ 14 ዓመት ባዝንትንያዊ ንጉሥ ሄራክልዩስ ዝተባህለ ንንጉሥ ፋርስ ስዒሩ ንመስቀል ክርስቶስ አብ ኢየሩሳሌም አምጺእዎ። ብዓቢ ዓጀባን ጽቡቕ አልባሳትን ወርቃዊ ሽልማታትን ተሸሊሙ ንመስቀል አብ መንኩቡ ተሰኪሙ አብታ ቆስጣንቲኖስ ዝሰርሓ ቤተ ክርስትያን አብ ቀራንዮ ክመልሶ እንከሎ አብ አፍደገ ቤተ ክርስትያን ምስ በጽሐ ክንቀሳቐስ አይከአለን። ሓደ ዘይርኤ ሓይሊ ምእታው ከሊእዎ ክንቀሳቐስ አይከአለን። በቲ ጊዜ ናይ ኢየሩሳሌም አቡን ዝነበሩ ዘካርያስ ዝተባህሉ ከምዚ ኢሎም ተዛሪቦሞ “ በዚ ለቢስካዮ ዘሎኻ ዘግይጽ አልባስካ ካብ ኢየሱስ እቲ ድኻ ምእንቲ ድሕነትና መስቀል ዝተሰከመ ብዙሕ ተፈሊኻ አሎኻ” ስለዚ ክዳውንትኻ ቀይር ኢሎሞ። ሽዑ ንጉሥ ክዳውንቱ ቀይሩ ምስ ቀረበ ክአቱ ክኢሉ ንመስቀል ከአ አብታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ ቀራንዮ አብኡ መሊስዎ። ቤተ ክርስትያም ካብዚ ንድሓር ናይ መስቀል ዕብየትን ዓወትን ዘኪራ ተብዕሎ። እዚ እዩ ድሕሪ ባይታ ታሪኽ እዚ ሎሚ እነበዕሎ ዘሎና።

ክርስትያን ንመስቀል ክርስቶስ ነኽብሮ ምኽንያቱ መጋበሪ ድሕነትና እዩ፥ ንሕና ደቂ አዳም ካብ ኃጢአትን ሞትን መታን ምእንቲ ክንድሕን ኢሉ ደሙ አፍሲሱ። ድሕነት ክንብል እንከሎና ንሓደ ጎዲሉ ዝነበረ ምሉእ ወይ ጥዑይ ዝገብር እዩ ዘስምዕ ጎዲልና መትና ዝነበርና ምሉአትን አብቲ ንቡር ተፈጥሮና ከም እንምለስ ገሩና። አብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም ኢየሱስ ነታ ብሰንኪ ኃጢአት ቆሲላን ተበላሽያን ዝነበረት ነፍስና አሕውይዋ። በዚ ኢና እምብአር ንመስቀል መጋበሪ ድሕነትና እንብሎ።

መስቀል ንሥጋውን መንፈሳውን ሕይወትና ከም ዘሕዊ አብቲ ቅ. ሄለና ምስ ረኸበቶ ዝተገብረ ተአምራት ክንርእዮ ይኽእል። ቅ. ሄለና ንመስቀል ኩዒታ ምስ ረኸበቶ ሓደ ጸገም ተፈጢሩ። ንሳ ሰልሰተ መሳቕል እያ ረኺባ ስለዚ እቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ አየናይ ምዃኑ ክተለልዮ አጸጊሙ። አብቲ እዋን ናይ ኢየሩሳሌም አቡን ዝነበሩ ቅዱስ ሰብ መቃርዮስ ዝተባህሉ አብ አምላኽ ጸሎት ገበሩ እሞ ፍሉይ ግልጸት ተዋህቦም። ነቲ ሰለሰተ መሳቕል አብቲ ከተማ አብ አፍደገ ሞት ዝነበረት ሕምምቲ ሰበይቲ አምጽእዎ እሞ አብ ልዕሊአ ብተአምራት ከሕውያ ጸሎት ገበሩ፥ ንቀዳማይ መስቀል አብ ሰውነታ ምስ ገበሩላ ሓንቲ ለውጢ አየምጽአን፥ ከምኡ ነቲ ካልአይ ወላ ሓንቲ ለውጢ አየምጽአን ነቲ ሳልሳይ መስቀል መስ አንበሩላ ግን ብድድ ኢላ ዓይና ከፊታ ካብ ዓራታ ተንሢአ ጥዕንአ ምሉእ ብምሉእ ተመሊሱ በዚ ኸአ ነቲ ሓቀኛ መስቀል አለልዮሞ ከምኡ መስቀል ምንጪ ምሕረት ከም ዝኾነ ተገሊጹ። እዚ ጽውጽዋይ አይኮነን ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ሎሚ እውን መስቀል ካብ ኩሉ ሕማምናን ከሕውየና ይኽእል እዩ ሓንትስ ብእምነት ንቀበሎ እምበር።

አብ ኦሪት ዘኁልቅ 21፡4-9 ዘሎ እንተ አንበብና አቐዲሙ መስቀል እንታይ ከምዘምጽእ ከም እተነግረ ንርኢ። እስራኤላውያን አብ በረኻ አብ አጻምእ እናተጓዕዙ ንአምላኽን ሙሴን ስለ ዘሕዘኑ ብመርዛማት አትማን ተነኺሶም አማእት መይቶም። አምላኽ አብዚ ጊዜ እውን መድኃኒ ዝኸውን ቀሪብሎም፥ ንሙሴ በስራዚ መርዛም ተመን ግበር አብ ባላ ድማ ስቐሎ፥ ዝተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኸአ ኺሓዊ እዩ እናበለ አዘዞ። ሙሴ ከም ትእዛዙ ምስ ፈጸመ አብኡ ዝጠመተ ይሓዊ ነሩ። አብዚ እንርእዮ ትእምርቲ መስቀል ንእስራኤላውያን ካብ ሞት ከም ዘድሓኖም። እዚ ክኸውን ክአምኑ እሞ አብቲ መስቀል ክጥምቱ ሽዑ ካብ ሞት ክድሕኑ ከም ዝኾኑ ተነጊርዎም። እዚ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ኢየሱስ ዘምጽኦ ጸጋን ምሕረትን የመልክት።

እዚ ናይ ተመን ተርእዮ አብ ታሪኽ ሕይወት ደቂ ሰብ ናይ መጀመርያ አይኮነን። አብ ምድረ ገነት ንአዳምን ሔዋንን ሰይጣን ብአምሳል ተመን ተራእይዎም። ክልቲኦም አብ ፈተናን ኃጢአትን ምስ ወቀደቑ ብመርዙ ተበኪሎም ንሕና ደቆም ብዘይ ማርያም ኩልና ተበኪልና። ሳዕቤን ቀዳሞት ወለድና ከስ ኃጢአቶም አብ ዓለም ሞትን ስቓያትን አትዩ በዚ ክንውለድ ከሎና ብኃጢአት ዝተበከልና ኮና ንውለድ። ተመንከስ እቲ ከይሲ እዩ ማለት ናይ ሰይጣን አምሳል እዩ።

በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ (ዮሓ 3፡16)። ዝኾነ ሰብ አብ መስቀል ክርስቶስ ብእምነት ዝጠመተ፥ ኩሉ አብ ክርስቶስ ዝአመነ እሞ ዝተኸተሎ ከምቲ ወንጌል ዮሓንስ ዝብሎ ንሰንኪ መርዚ ኃጢአት አይክጠፍእን እዩ እንታይ ድአ ሕይወት ዘለዓለም ክረክብ እዩ።

ወላ እኳ ዝተጠመቕና ንኹን ጌን ናይ ኃጢአት ሳዕቤናት ኩሉ ጊዜ የዕገንግናና እዩ፥ ስለዚ ብቐጻሊ ምሕዳስን ምንጻሕን የድልየና እዩ። ኩሉ ጸጋታት ካብ መስቀል ክርስቶስ እዩ ዝውሕዝ። በዚ ምኽንያት ኢና አብ ቅድሚ መስቀል ተምበርኪኽና ምእንቲ ኹሉ ዘድልየና እንጽሊ። በዚ ምኽንያት ኢና ቅድሚ ዝኾነ ጸሎት ምልክት ትእምርተ መስቀል እንገብር። ዝኾነ ምንጻሕ፥ ዝኾነ ሓይሊን ሰላምን ካብ መስቀል እዩ ዝመጽእ። መስቀል ናይ ኩሉ ጸጋታት ምንጪ እዩ። ቅ. አንጦንዮስ ብዓል ፓዶቫ ብዛዕባ መስቀል አብ ዝሰበኾ፤ ካብ አብ ቅድሚ መረጸን መቀል ክርስቶስ  ደው ኢልካ ብምጥማት ንላዕሊ ክትገብሮ እትኽእል ክብሪ ዘልኦ ምስጋና ክተቕርብ አይክአልን እዩ። አብኡ ንትዕቢትካ ከመይ ገርካ ከም እትስዕሮ ትምሃር፥ አብኡ ካብ ኹሎም ናይ ሥጋ ድለታት ከመይ ገርካ ከምትነጽሕ ትምሃር፥አብኡ ምእንቲ ኩሎም ዘሳድዱኻ አብ ሰማያዊ አቦኻ ከም እትጽልን ከመይ ገርካ መንፈስካ አብ ትሕቲ ኢድ አምላኽ ከም እተነብርን ትምሃር ይብል። መስቀል ክሳብ ክንደይ አምላኽ ከም ዘፍቀረና የርእየና። አብ መስቀል ክርስቶስ ክንጥምት ከሎና ትሕትና ይስምዓና ምኽንያት አምላኽ ምእንታና ኃጢአተኛታት ኢሉ ከማና ሰብ ኮይኑ ስለ ዝሞተ።

ትውፊት ከምዝብሎ ማርያም መግደላዊ ሓንቲ ካብተን አብ እግሪ መስቀል ክርስቶስ ክስቀል እንከሎ ዝነበራ ዕለት ዕለት አብ ምሉእ ሕይወታ ብዛዕባ መስቀል ተስተንትን ከም ዝነበረት ይንገር። ፍቕሪ መስቀል ሓንሳብ ምስሓዘቶ ክትገድፎ አይከአለትን። ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር እዩ ዝግብአና። ብርግጽ አብ ኩሉ ምልክት መስቀል ክንገብር እንከሎና ማለት ቅድሚ ዝኾነ ጸሎት ክንጅምር ከሎና፥ መግቢ ቅድምን ድሕርን ምብላዕናን፥ ስራሕ ቅድሚ ምጅማርና፥ ቅድሚ ምድቃስና ኩሉ እንገብሮ ትርጉሙ መስቀል ዝለዓለ ቦታ እምነትናን ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ኩሉ ክንሓስብ ክሕግዘና ክዘኻኽረና ንማለት እዩ።

አብ አባይትና መስቀል ክህልወና እንከሎ ፍሉይ ትርጉም አለዎ ብፍላይ አብዚ ናይ ዓለም ነገር ብዝያዳ ዝዕብልለሉ ዘሎ ዘመን። አብ ገዛውትና ዝበጽሑና አዕሩኽና አዝማድና ካብኡ ዝበለጽ ክርእዩ የብሎምን። መስቀል ዝዓበየ ምልክት እምነትና ስለ ዝኾነ አብ ክብ ዝበለን ዝርአን ቦታ ክንገብሮ ይግባእ። ብመስቀል ዝሓፍር ወይ ዘይትርጉሙ ዝህቦ ክርስትንኡ ዝደስከለ ጥራሕ እዩ። ንደቅና ዝበለጸ ህያብ ክንህቦም እንተ ኾና መስቀል ንሃቦም።

ኩሉ ተሓድሶን ምንጻሕን ኃይሊ መስቀል ክወርደና አብ መዓሙቕ ልብና ብጽኑዕ ክስረት አለዎ። አብ መስቀል ምጥማት ጥራሕ እኹል አይኮነን፥ አብኡ ብምጥማት ነቲ አምላኽ ዝገበረልናን ዘርአየና ፍቕሪ ክንረኽቦን ክንርድኦን አዕሚቕና ክነስተንትን አሎና። አብ መስቀል ክነስተንትን እንከሎና አምላኽ ቀጺሉ ፍቕሩ እና ገለጸ ካብ ኩሉ ኃጢአትን ንአይ ይጥዓመኒ ካብ ዝብል ነጻ ከውጽአና እዩ። ሽዑ ከምቲ ንሱ ዝደልየና ህዝቢ ክንከውን አባና ክብሪ አምላኽ እናተገለጸ ንካልኦት አሕዋትና አብ መአዲ ድሕነት ከምዝአትዉ ኽንገብሮም ኢና።

አምላኽ አብዚ ዝኽሪ መስቀል እነብዕለሉ ጥቕምን ትርጉምን መስቀል ተረዲእና አብ ልብና ክነሕድሮ እሞ ንሓውና ከም ነፍስና ክነፍቅሮ። ነቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ እናዘከርኩ አነ ኸአ ካብ ኃጢአት ክስቀል ዝብል መንፈስ አሕዲርና ብዓልና ነብዕል።

ብሩኹ መስቀል በሪቑ አብ ዓድናን ዓለምናን ፍቕርን ሰላምን የውርደልና ብሩኽ ብዓል ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ      

27 September 2018, 11:04