ድለ

2014.03.06 Incontro Primati Chiesa Ortodossa 2014.03.06 Incontro Primati Chiesa Ortodossa 

ቦዘ፡ ዛዕባ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ተዛዚሙ

መበል 26 ዓውደ ጉባኤ’ዚ ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያንን ኣንግሊካውያንን ናይ ሕዳሴ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝወክሉ ብዙሓት ሜጥሮፖሊታን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋን ዘስተንተነን፡ ብመንጽር ቃለ እግዚኣብሔርን በታ ናይ ቀዳሞት ዘመናት ዝነበረት ዘይተኸፋፈለት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ጥበብን ባህል መሰረት ዝተንተነ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ሉቃስ ወንጌል ምዕ.  12 ፍቕዲ 56 “ነዚ ዘመን እዚ” ዝብል ከምኡ እውን ወንጌልማቴዎስ  ምዕ. 16 ፍቕዲ 3 ሎሚ ከምዚ ክኸውን እዩ ቢልኩም ትፈርዱ፡ ግዜን ምልክታ ግዜን - እዋንን ሰዓትን፡ ዝብሉ ቃላት ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዕለት 5 መስከረም 2018 ዓ.ም. ተበጊሱ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ላኡካን ኣሳቲፉ ኣብ ገዳመ ቦዘ ኣብ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ልልያን ሕይወት ክርስትናን ብሰፊሕ ዝመኸረ ዓውደ ጉብኤ ዕለት 8 መስከረም 2018 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ መበል 26 ዓውደ ጉባኤ’ዚ ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያንን ኣንግሊካውያንን ናይ ሕዳሴ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝወክሉ ብዙሓት ሜጥሮፖሊታን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋን ዘስተንተነን፡ ብመንጽር ቃለ እግዚኣብሔርን በታ ናይ ቀዳሞት ዘመናት ዝነበረት ዘይተኸፋፈለት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ጥበብን ባህል መሰረት ዝተንተነ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልልያ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ሕንጸት እዩ

ሓቀይና ልልያ ነቲ ናይ ሰብኣውን ትዕግስትን ግዜን ዘይኰነስ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ንናይ እግዚኣብሔር ግዜን ሕንጸት ከምዝጠልብን፡ ንናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ግዜን ወትሩ እትሕነጽ ምዃን ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፡ እተን መዓልታት ዓውደ ጉባኤ እቲ ግላውን ማሕበረሰብኣውን ናብቲ መንበር ምልኣት ሕይወት ናብ ዝዀነ ፍልጠትን ድልያን ናብ እግዚኣብሔርን ንምብጻሕ ብዙሕ ዝድግፍ ኣገባብ ከቕርብ ዘኽእል ሕውነታዊ ምንጽጻር ዝካየደለን ክኸውን ዝብል ለበዋ ኣመሓላልፊፎምን፡ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝንበር ዘተን ምሕዝነትን ዝምስከረሉ መድረኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ክርስቲያን ነቲ እዋናዊ ብድሆ ብቑዕ መልሲ ንምቕራብ ዘኽእል ኣብ እምነት ተሰሪቱ ነቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕዳሴ ክስዕብን ከስተውዕልን መታን ርድኢትን ልልያን ናይ ግዜ ምልክታን ንናይ ሕይወት ክርስትናን ንናይ ክርስቲያን ሕይወትን መሰረታዊ ዓቐን እዩ ቢሎም ውልቃውን ማሕበራውን ከይዲ ልልያ ኣገዳሲ ኰይኑ ናብ ምፍላጥ እግዚኣብሔርን ፍቓዱ ንምስትውዓል ዝድግፍ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብግሊ ይኹን ብማሕበርን ኣብ ርክባት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ንምኽዋኑ ዘተዓንቕፍ ብዙሕ መሰናኽል ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ግላውን ማሕበራውን ርክባት

ልልያ ኣብ ቀጻሊ ግላውን ማሕበራውን ርክባት ናብቲ ጥሉቕ ውሳጣውነትን ናብቲ ማሕበራዊ ሃዋሁ ንምባል ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ክልተ ማዕቅን’ዚ ኣብ ምንርን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ዝተመስረተ ልልያን ኣርእስቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ዝብል ብምዃኑ ምስ ምብራቕ ስርዓት ሰዓብቲ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ገዳማውያን ኣበውን ኣብ ሰብኣዊያን ስነ ምርምራትን ስነ ታሪኽን ልላይ ዝብል ስነ ቃል ይኹን ስነ ሓሳብ ብዑምቀት ዝዳህሰሰ እዩ፡ ምንባር ኣብ ቅድሚ ምርጫ ዘቕውም እዩ፡ ሕይወት ኣብ ቅድሚ ምርጫ ምዃን እዩ እንክብል ሄርኩሎስ ዝገለጾ ሓሳብ፡ ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ክነጻጸር እንከሎ  እስራኤል ኣብ ቅድሚ ሕይወትን መቶን፡ ኣብ ቅድሚ ቡራኬን መርገምን ምርጫ ምዃናን ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 30 ካብ ፍቕዲ 15-16, ካብ ፍቕዲ 19-20 ዘሎ ኰይኑ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ሰብ ምርጫታት ከምዘንብር እዩ።

ምምራጽ የድሊ

ሓዲኡ ምምራጽ የድሊ፡ ልልያ ብርግጽ ናይ ምምራጽ ጥበብ እዩ፡ ነቲ ክዉን ጊዜ ንኸተለልዮን ማለት Kairòs - ህሞት እግዚኣብሔር ዝዓየሉን ዝዛረበሉን ናይ ውሳኔ/ምርጫ ግዜ ምዃኑ ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉን፡ ኣብ ልልያ ወይ ምርጫዊ ውሳኔ፡ ነዚ ምርጫ እዚ ዝገብር ሰብ ምስ ነጻነቱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ እቲ ምርጫ ብሕብእ ዝፍጸመሉ ስፍራ ልቢ ሰብ ንሱ ኸኣ ሕልና ትፍለጥ፡ ነዚ ምስ ግብረ ሃዋርያት ብምትሕሓዝ እውን ናይ ትጽቢት ግዜን፡ ናይ ጐይታ ዳግመ ምጽኣትን እንክብል ይገልጾ፡ ስለዚህ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ድላይ እግዚኣብሔር ምልላይ ከምዘድልን እዚ ኸኣ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ የመላኽት። መንፈስ ቅዱስ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኰይኑ ይዓዪ፡ ኣብ ልቢ ሰብ እውን፡ ይኹን ደኣ እምበር ንተግባረ ሰብ ኣይትክእን።

ክርስቶስ ናይ ልልያ በዓል ቤት

ናይ ህልዎ ግዜ ህሞት ምልላይ፡ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 12 ካብ ፍቕዲ 56-57 ነዚ ግዜ እዚ እንክብል ዝገልጾ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ, 11 ፍቕዲ 28 እታ ናብ መኣዲ ጐይታ ኣተብዕል ማሕበረሰብ ናይ ጐይታ ኣካል ከተለልይ ቅዱስ ይሓትት፡ እምበኣርከስ ብርግጽ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት’ዚ ኦርትን ሓድሽ ኪዳንን የራኽብ፡ ኢረነ ስትንበርግ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣሃድነት ምልላይ የድሊ፡ ነቲ ዘሎ ብዝህነትን ህብረኣውነትን ብምእንጋድ ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒልካ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዓዕሎ ኣሃድነት ቤተ ክርስቲያን ምልላይ፡ ካብቲ ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድ ሰብኣዊ ፍልጠት ምጥንቃቕ።

ናይ ሓድነት ጉዕዞ

ልልያ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ቅርጺ ዘትሓዘ ካብ ጥንቲ ዝጀነረን ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉባኤታት የዘኻኽር። ብሓባርን ኣብ ቲዮሎጊያዊ ዘተን ነቲ ናይ ኣሃድነት እምነት ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ብኽርስቶስ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጥረ ቋንቋውን ፖለቲካውን ባህላውን ተነባቢ ገይሩ ዝተፈጥረ ፍልልያት ብምስናፍ ሓቂ ምልላይ (ቫሲሊክ ስታቶኮስታ) የድሊ።

ሓደስቲ ስነ ምግባራውያን ሕቶታት

በተመሳሳልነት፡ ኤኮኖሚያዊ ቲዮሎጊያ መትከላት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ብትኽክል ኣየጽድቕን ኣየቕውምን፡ በንጻሩ ግና ኵሉ ናይ ቀኖና ታርኽ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምድሓን ተልእኾ ዘሰንይ መታን ክኸውን ከመይን እንታይን ትንተና ክወሃቦ ከምዘለዎ የመላኽት፡ እዚ መትከል እዚ ኣብ ህልው ኩነት ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ስለምንታይ ነቶም ሓደስቲ ስነ ምግባራውያን ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ በዞም ሓደስቲ ስነ ምግባራውያን ሕቶታት ይሕተት (ፓትሪሲኡ ቭላኢኩ)።

ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ

ክይሪያኪ ፊትዝገርላድ ከምዝብሎ ኣብ መዳይ ሕንጸት ግብረ ልልያ እንተድኣ ዘየለ ኣብ ኣረኣእያን ኣብ ይኸውንን እዩ ዝቕወምን ሕንጸት ኢሓናጽ ወይ ከኣ ኣዕናዊ ይኽውን፡ መንፈሳውያን ኣበው ናይ ልልያ መገዲ ብግሪኽ Loghismoi  ብላቲን ከኣ Cogitationes ሓሳብ እቲ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ ፈተና ኣብ ምድንጋር ምቑሕ ዝገብር ገይሮም ይትንትንዎ፡ ስለዚህ ነዚ ርኢኻ እምበኣር ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥ ካብቲ ሓደ ነገር ኣብ ገዛእ ምዃኑ ንኸይንፈልጦ ካብ ዝገብር ፈተና ምድሓን (ጐርጐርዮስ በዓል ኒጻ) የድሊ።

መንፍሳዊ ስንዮታ

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብተወሳኺ እውን ኣብ ነፍስነትን መንፈሳዊ ስንዮታ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምትሕስሳብ፡ እዚ ስንዮታ’ዚ ብስነ እዕምሮኣውን ብኻልኦት ሰብኣዊ ስነ ምርምራትን ክሕገዝ ምግባራ ዝከኣል እዩ፡

ምልላይ ማለት ትስፍውና እዩ

ሎሚ መገድታት ኣስተውዕሎ ቤተ ክርስትያን ሓቅነታውን ብኹሉ ጽፍሕታቱ ብህዱእ መንፈሳዊ ሱባኤን ናብ ናይ ካልእ ኣመክንዮ ርህው ክትከውን ዘብቅዕ ብሓደ ቅዱው ትሕትና ዝሓልፍ እዩ፡ እዚ ከኣ ፍኖተ ሲኖዶሳውነት ይበሃል (ጆንክርይሳቭጊስ)፡ ንግዜ ምልላይ ከበሃል እንከሎ መጻኢ ምርሃው ማለት እምበር ናይ ዝሓለፈ ጊዜ ኩኑን ምዃን ማለት ኣይኰነን፡ ልልያ ንትስፍውና እማኖ ክህልወካን ኣብ እግዚኣብሔርን ሰብን እማኖ ንኽህልወካ ዘኽእል ጥበብ ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ከምእተመልከተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቦዘ፡ ዛዕባ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ዝዝተየ ዓውደ ጉባኤ ተዛዚሙ
08 September 2018, 17:16