ድለ

ሊቃነ መላእክት ሚካኤል ገብርኤል ወሩፋኤል ሊቃነ መላእክት ሚካኤል ገብርኤል ወሩፋኤል 

ሩፋኤል መልአኽ ጳጉሜ 3 2010 ዓ.ም. (9/8/2018)

ከም ስርዓት ልጡርግያና 3 ጳጕሜን ብዓል ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። በዚ ዕለት ብፍሉይ ምሕረት አምላኽ ዘድልዮም ብፍሉይ አደታት ነቲ አብ መጽሓፍ ጦቢት ዘሎ መሰረት ብምግባር የብዕልኦ። እንተ ኾነ አብኡ ጥራሕ ዝሕዛእ አይኮነን ኩልና ነዚ ብዓል ሩፋኤል መልአኽ ክንዝክር ከሎና ፍሉይ ተዘክሮ ተራ መላእክቲ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንርኢ ጽቡቕ እዩ።
ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

መልኣኽ ዘብል ቃል ከምዘሎ ክንርእዮ ከሎና ልኡኽ ማለት እዩ። መላእኽቲ እንብሎም ረቀቕቲ ፍጥረት ብእግዚአብሔር ዝተፈጥሩ፥ ንድላዩ ዝልአኹ እዮም። አብ ገለ እዋናት እዚ መልአኽ ዝብል ንደቂ ሰብ ተራ ልኡኽ ዝጻወቱ እውን የስምዕዩ አብ (ኢሳ 18፡2፥ 33፡7) እንተ ረኤና ንደቂ ሰብ ከስምዕ ንረኽቦ።

መላእኽቲ ረቀቕቲ ፍጥረት እምበር ግዙፍ ሥጋ ዝሓዙ ከምዘይኮኑ ሓደ ካብቲ እምነትና ዝገልጾ እዩ። (መዝ 9፡11፥ ማቴ 18፡10)። አብ ብሉይ ኪዳን ንመላእኽቲ ዝርኢ ብብዝሒ ተጠቒሱ ንረክብ። አብ ሓዲስ ኪድና አብ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ መላእኽቲ ብሓቂ ህልዋት ከም ዝኾኑን አብ ሕይወትና ብቐጻሊ ከም ዝሕግዙን ይነግር። አብ ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ከም እንረኽቦ ካብ ጥንቲ አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ከምዘሎን ዝነበርን ንርኢ (ሓ.ት.ክ. 328~36)። አብ እምነት አይሁድ ካብ ጥንቲ አብ ህላዌ መላእኽቲ ከም ዝአምኑ ንርኢ (ሰዱቓውያን ዝብሃሉ ጥራሕ አይአምኑን ነሮም ግ.ሓ 23፡8)። አብ ኅላዌ ረቀቕቲ ፍጥረት፥ ግዙፍ ነገራት ዘይ ኮኑ ቅ. መጽሓፍ ብዙሕ ጊዜ “መላእኽቲ” ዝብሎም እምብአር ሓቂ እምነት እዩ።

ቅዱስ አጎስጢኖስ ብዛዕባ ባህርይ መላእኽቲ ክገልጽ እንከሎ መልአኽ ዝብል ስርሖም እዩ ዝገልጽ እምበር ባህሪኦም አይኮነን ዝገልጽ ይብል። ሽም ናይ ባህሪኦም ዝገልጽ እንተ ደለኻ ንሳቶም መንፈስ ረቀቕቲ ፍጥረት እዮም፥ ስርሖም ክትፈልጥ እንተ ደለኻ ኸአ ልኡኻት እዮም ይብል።  

ሓ/ት/ክ ቍ 329-330 ዘሎ እንተ ረአና ነዚ ናይ ቅ. አጎስጢኖስ ትምህርቲ መሰረት ገሩ ከምዚ ይብል “ መልአኽ ዝብል ስም ተልእኮኦም እምበር ባሕሪኦም ዚገልጽ አይ ኮነን። ንባሕሪኦም ዚርኢ ስም እንተ ደሊኻ መንፈስ እዩ፥ ናይ ተልእኮኦም (ስርሖም) መግለጺ እንተ ደሊኻ ከአ መልአኽ። ስለዚ ካብቲ እንታይነቶም (መንነቶም) መንፈስ ካብቲ ተግባራቶም (ተልእኮኦም) ከአ “መልአኽ” ዚብል ትረክብ። መላእኽቲ ብኹሉ ህላዌኦም ናይ እግዚአብሔር አገልገልትን ተለአኽትን እዮም። ኩልሳዕ ገጽ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ይርእዩ ስለ ዝኾኑ ንሳቶም ንቓሉ ዚሰምዑ ንትእዛዙ ዚፍጽሙ ኃያላትን ብርቱዓትን እዮም” (ቍ 329) ይብለና።

መላእኽቲ ፍጹም መንፈሳውያን (ረቀቕቲ) ፍጡራን ኮይኖም ድላይን አእምሮን ዝተዓደሉ እዮም። አካልዊ ህላዌ (personal) ዘለዎም ዘይሞቱ ፍጡራትን፥ እቲ ርኡይ ዝኾነ ናይ ክብሮም ነጽብራቕ ከም ዝምስክሮ ከአ ንኹሉ ዚርአ ዘበለ ፍጡር ብፍጽምንኦም ጸብለል ዚብልዎ እዮም’ (ቍ 330)። 

መላእኽቲ አብ እምነት ክርስትና እምብአር ረቀቕቲ ፍጥረት ብአምላኽ ንአገልግሎቱ ዝተፈጥሩ እዮም። ብመልክዕ ሰብ ይርአዩ ምሳና ከአ ይዋስኡ እንተ ኾነ እቲ ግዙፍ ሰውነት ግዝያዊ ኮይኑ ምስ ሰብ ተዋስእኦም ምስ ወድኡ የብቅዕ። ከም ፍጹም ረቀቕቲ ፍጥረት መላእኽቲ DNA የብሎምን እቲ ዝለብስዎ ሰውነት ዝትሓዝ ይመስል ግን ክፍሊ ናይ እቲ መልአኻዊ ባህሪ አይኮነን በዚ ኸአ ርክብሞም ምስ ፈጸሙ ይጠፍእ ምኽንያቱ ከማና ግዙፋዊ አካል አየድልዮምን እዩ። ግን ከም ፍጡራት መጠን ከማና አብ ጊዜ እዩ ህላዌኦም አምላኽ እንተ ዘይገሊጽሎም መጻኢ ነገራት አይፈልጡን እዮም። 

ቅዱስ መጽሓፍን፥ አብ ታሪኽ ዘየቋረጸ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ክልተ ዓበይቲ መነንት መላእክቲ ዝገልጽ ነገራት ንረክብ። መጀመርያ መላእኽቲ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቖሙ ፍጡራት እዮም (ራእ 8፡2)። ተፈጥርኦም ባህሪኦም ብምልኡ አብ እግዚአብሔር ዝጠመተ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ክልቲኡ ሓዲስን ብሉይን ኪዳን አብ ብዙሕ ክፍልታቱ ብዛዕባ መላእኽቲ ምስ አምላኽ ዝቐረበ ርክብ ከምዘለዎም ይነግረና። ካልአይ መንነት መላእኽቲ ልኡኻት አምላኽ እዮም፥ ንአምላኽ አብ ሰባት የምጽእዎ፥ ንሰብ ከአ ናብ አምላኽ የብጽሕዎ። አብ ወንጌል ዮሓንስ  ከም ዝምስክሮ ንሓቂ አብ ምድሪ የምጽእዋ።

ዓመታዊ ዝኽሪ ብዓል ቅ. ሩፋኤል መልአኽ ፍሉይ መልእኽቲ አልኦ። ሩፋኤል ብዕብራይስጢ “እግዚአብሔር የሕዊ” ማለት እዩ። አብ መጽሓፈ ጦቢት ብዙሕ ብዛዕብኡ ዝንገሮ መልአኽ እዩ። ንሱ ንጦቢያ መሪሑ ዝወሰዶ (ጦቢት 5፡12)። ንመርዓ ጦብያን ሳርን ዝሓገዘ ፥ ንሳራ ብሰንኪ ጋኒን ምስ ካልኦት ከይትምርዖ ጸጊምዋ ዝነበረ ብሓገዝ ሩፋኤል ከም እትሃዊ ዝገበረ። ንጦቢት ካብ ዑሮቱ ከምዝሓዊ ዝገበረ ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። አብ መጽሓፈ ጦቢት 12፡15 ከም እነንብቦ “አነ ኻብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉ አብ ቅድሚ ግርማ እግዚአብሔር ኬገልግሉ ደው ዚብሉን ሾውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልአኽ እየ” እናበለ ንሱ መን ምዃኑን ስርሑን ገሊጹ። አብ ሓዲስ ኪዳን ተጠቒሱ አይንረኽቦን በቲ አብ ባህሊ አይሁድን አብ ብሉይ ኪዳን ብእንረኽቦ ሩፋኤል መልአኽ ዘሕውን ካብ አጋንንቲ ነጻ ዝገብር ምዃኑ ይንገረሉ። ንሱ ሓደ ካብቶም መላእኽቲ ብቤተ ክርስትያን ዝኸብር እዩ ምስ ሚካኤልን ገብርኤልን ይዝከር። ፍሉይ መፍለጢኡ ካብ አምላኽ ምሕረት ዘምጽእ ምዃኑ እዩ። አብ ባህሊ አይሁድ ሓደ ካብቶም ንአብርሃም ቅድሚ ጥፍአት ሰዶምን ገሞራን ዝበጽሑ ሰለስተ መላእኽቲ እዩ ይብሉ (ዘፍጥ 18፡2)።

ሩፋኤል መልአኽ ሎሚ ክንዝክሮ ከሎና እምብአር  ከምቲ ንጦቢትን ጦብያን ሳራን አብ ሕይወቶም ዝሓገዞም ሎሚ እውን ክሕግዘና አብ ሕይወትና ዝገጥመና ፈተና ክንስዕር ከሰንየና እሞ ድለት አምላኽ ክገልጸልና ዝኽእል ዓብይ መልአኽ እዩ። እግዚአብሔር መላእኽቱ ሰዲዱ ሎሚ እውን አብ መንጎናን አብ ዓለምናን ድላይ አምላኽ ክነግስ ክሕግዘና ይክአል እዩ።

ሩፋኤል ከም ኩሎም መላእኽቲ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ክልአኽ ዝተመዘዘ ሓጋዚና መልአኽ እዩ። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን 1፡14 ኵላቶም መላእክቲ ነቶም ኪድኅኑ ዘለዎም ኪኅግዙ ዚልአኹ አብ አገልግሎት እግዚአብሔር ዘለዉ መናፍስቲ እዮም” እናበለ ተራ ቅ. ሩፋኤል ይገልጸልና። ሩፋኤል መልአኽ ልኡኽ ጥራሕ አይኮነን ሓላዊ እውን እዩ። አብ መዝ. 91፡11 ነዚ ሓለዋ መላእኽቲ ክገልጽ እንከሎ “አብ እትኸዶ ኹሉ ኺሕልዉኻ እግዚአብሔር ንመላእኽቱ ኺእልከልካ እዩ” ይብል።

አብዛ እንነብራ ዓለም አብ ቅድስና ክንበጽሕ አብ እንገብሮ ቃልሲ አንጻር ኃጢአትን፥ ክፍአትን ንበይንና አይኮናን ሰራዊት ሰማይ ምሳና ኮይኖም ይዋግኡልና እዮም፥ እቲ ጸገም ንሕና ኢና አብ ገለ እዋን አይንአምንን አብ ገለ እዋን ከአ አብ ርእስና ተአማሚና ንሓገዝ መልእኽቲ ንነጽግ። ሎሚ እምብአር ንመላእክቲ ጽን ክንብል እሞ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ፍቓደኛታት ንኹን። 

አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንአትወሉ እዋን ሓገዝ ልኡኻት አምላኽ ዝኾኑ መላእክቲ የድልየና እዩ፥ አማልድነቶም ሓገዞም ዕለት ዕለት የድልየና እዩ። ገለ ክርስትያን ኢና ብሃልቲ ግን ንእምነትን ትውፊትን ቤተ ክርስትያን ብናቶም ርድኢትን ድለትን ዝለወጡ አማልድነት መላእክቲ ኮነ አማልድነት ማርያምን ቅዱሳንን አየድልየናን ዝብሉ አለዉ እዚ ግን ካብ ሓቅን ካብቲ ብዓሉ ባህርና ዝሕብሮን ዝርሓቐ እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊት ቤተ ክርስትያን እንተ ረአና ካብ ጥንቲ ተራ መላእኽቲ ግሉጽ እዩ። ሎሚ እውን ሓለዋኦም የድልየና እዩ ጸልዩልና ንበሎም።

ከምቲ ሩፋኤል መልአኽ ንጦብያ ዝመርሖን ንሳራ ሰበይቱ ካብ አጋንንቲ ነጻ ዘውጽአ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ካብ ዘሎን ዕውረትን ስቓያት ሕማማትን ክልምነልና ከድሕነና ይኽእል እዩ ሓንትስ እምነት ገርና ንጸሊ። ከምቲ ንጦቢት አጆኻ እግዚአብሔር ክፍውሰካ እዩ ዝበሎ ሎሚ ንአይን ንአኻትኩም ኃጢአትና ብምልኡ ተነሲሕና ዓመትና እንተ ጀመርና አጆኹም እግዚአብሔር ክፍውሰኩም ክምህረኩም እዩ ክብለና እዩ።

ሩፋኤል መልአኽ አታትዩ ዝኽእል ዓቃል መልአኽ እዩ፥ ጸገማት ሰባት ዝርዳእ ንመልእኽቲ አምላኽ ገሊጹ ዝነግር አብ ኩሉ ምሳና ክጉዓዝ ዝኽእል ስለ ዝኾነ ብልቢ መልእኽቱ ክንቅበል ጽን ንበሎ፥ ከምኡ ከሰንየና ጸገማትና ክሰምዓና ንንገሮ። እግዚአብሔር ካብ ነፍሲ ወከፍና ክሰምዕ ይደሊ እዩ ብፍላይ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ኮና ክንጽሊ ከሎና ክሰምዓና ድላዩ እዩ። ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትክደና ናበልና አብኡ ንቕረብ።

ዓመትና አብ እንዛዝመሉ ዘሎና አብ ዋዜማ ሓዲስ ዓመት አብ ዘሎናዮ ህሞት ፍሉይን ዓቢይ ጉዳይ ድሕነትና ክንሓስብ አሎና። ንዝሓልፍ ዘሎ ዓመት ምስ ዕዳ ከይንዓጽዎ ከምኡ ንሓዲስ ዓመት ምስ ዘይተኸፍለ ዕዳ ከይንጅምሮ ሓደራ። አብ መንበረ ንስሓ አቲና ነፍሳትና ንሕጸብ ሓደስቲ ፍጥረት ኾና ብጸሎትን ቅድስናን ፍጹም ቍርጺ ፍቓድን ዓመትና ንጀመር።

ኦ ሩፋኤል መልአኽ አብ ቅድሚ እቲ ልዑል እትቐውም ኢኻ እሞ ጸሎትና ከም መስዋዕቲ አዕርገልና ነቲ መሓርን ፈቃርን አምላኽና ለምነልና ንበሎ። ብሩኽ ብዓል ቅ. ሩፋኤል መልአክ ከምኡ ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት ናይ ሰላምን ፍቕርን ዓመት ይግበረልና።

 

08 September 2018, 12:33