2018-08-06 ምእመናን ኣብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘኖክ ኣየርላንድ  2018-08-06 ምእመናን ኣብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘኖክ ኣየርላንድ  

ማርያማዊ ልቢ ኣየርላንድ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ይጽበ ኣሎ!

ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ጸሎተ ታስዕቲ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘኖክ ሎሚ ይጅመር። መሪሕ ቃል ናይ 2018 ዓም ጸሎተ ታስዕቲ ‘እምነትን ሥድራቤትን’ ዝብል ኮይኑ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ሶሙን ኣብ ከተማ ዳብሊን ዝካየድ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ብምትሕሓዝ እዩ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣየርላንድ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዝመጽእ ዕለት 26 ነሐሰ 2018 ኣብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘኖክ ከምዝበጽሑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዝመጽእ ዕለት 26 ነሐሰ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘኖክ እንክበጽሑ ነቲ ሚልዮናት ደቂ ኣየርላንድ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክገብርዎ ዝጸንሑ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ እዮም። ልቢ እኖና ድንግል ማርያም ናይ ኣየርላንድ ኣብዚ እዩ ዝሃርም እንተበልና ምግናን ዘይኮነስ ነቲ ጠበቃ ሃገረ ኣየርላንድ ዝኾነ ቅዱስ ፓርቲክ እውን እዚ ቦታ እዚ ፍሉይ ነበረ፣ ኖክ እትበሃል ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኮይና ኣብ ደሴት ኣየርላንድ ሰሜን ምዕራብ ማዮ ኣብ ዝበሃል ከበሳዊ ቦታ ትርከብ።

ኣብ ኖክ ማርያም ን15 ምእመናን ተራእያ!
ዓመታት ይገብር ብዕለት 21 ነሓሰ 1879 ዓምፈ ኣብቲ ዓዲ ብርቱዕ ማይ ይሃርም ነበረ። ካብ 6 ዓመት ክሳብ 75 ዓመት ዝነበሮም 15 ዝኾኑ ሰባት ኣብታ ናይቲ ዓዲ ንእሽቶ ቤተክርስትያን ቊምስና ትረኣዮም፣ ኣብ የማነ ጸጋማ ኸኣ ክልተ ሰባት ይረኣዩ። እዚኦም ወትሩ ምስ ድንግል ማርያም ዘኖክ ዝቀርቡ ቅዱሳን እዚኦም ዮሴፍን ዮሓንስ ወንጌላውን እዮም። ከም ትውፊት ሕዝቢ ኣየርላንድ እቶም ነዚ ራእይ ዝተቀበሉ 15 ሰባት ንክልተ ሰዓት ዚኣክል ኣብ ትሕቲ እቲ ብርቱዕ ማይ ይጽልዩ፣ እቲ ማይ ግን ፈጺሙ ኣየጠልቀዮምን። ተደኒቆም ሱቚታ ይውሕጦም ደሓር ብጸጥታ ነንገዞኦም ይኸዱ።

እምነት ኣየርላንድ ኣብ ማርያም ብዘለዎም ኣኽብሮ ይሕይል!
ድሕሪ እዚ ኣደናቂ ፍጻሜ ቊሩብ ሶሙናት ምስ ሓለፈ እዚ ጉዳይ እዚ ናብ መላእ ኣየርላንድ ይዝርጋሕ ምቁጽጻር ክሳብ ዝሰኣኖ ይኸውን ሰብሥልጣን ቤተክርስትያን ነዚ ዘጻሪ ኮሚሽን ተቁውም። ድሕሪ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብ1979 ዓም ዝገበሮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንዝመጽእ ሶሙን ክበጽሕዋ ዘለዎም ደብረ ኖክ ከስ ከምዚ ዝረኣናዮ እዩ።

ድሕሪ እቲ ራእይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሎም ደቂ ኣየርላንድ ኖክ መካነ ንግደት ትኸውን። ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቃን ምእመናን ይነግዱ። ኣብዚ ዘመንና እውን ጽግም ክብል እንከሎ ደብረ ኖክ ማእከል ንግደት እዩ። ንኣብነት ነሐሰ 1940 ዓም 50 ሺሕ ዝኾነ ደቂ ኣየርላንድ ስለሰላም ኣየርላንድን መላእ ዓለምን ብርቱዕ ምህለላ ኣካየዶም ነሮም። ከምኡ እውን ብ1954 ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ዓመተ ማርያም ምስ ኣወጁ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝነገድዋ እንክትከውን ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ እውን እታ ኣብኡ ዘላ ሓውልቲ ኣኽሊል ተገሩላ።

ምስጋና ንብፁዕ ኣቡነ ጀይምስ ሆራን ሓዲስ መካነ ንግደት!
ድሕሪ እቲ ራእይ ንሚእቲ ዓመት ዝኸውን ብድፍኢት ሕዝቢ ምስ ተጓዕዘ ናብታ ንእሽቶ ቤተክርስትያን ሓደ ዓቢ መካነ ንግደት ይሕነጽ። እታ ቀዳመይቲ እብነ መሠረት ከኣ ብ1973 ዓም በቶም ኣብ ዚመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ቅድስናኦም ክእወጅ ንጽበዮም ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ትንበር ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት ተፈጺማ ከኣ ዕለት 18 ሓምለ 1979 ዓም ተጸምቢላ።

እዛ ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ዝተሓንጸት ዓባይ መካነ ንግደት ንኩለን ኣውራጃታት ኣየርላንድ ብዝውክላ 32 ኣዕኑድን 5 ቤተጸሎታትን ማለት እኖና ድንግል ማርያም ዘኖክ ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ቅዱስ ኮሎምባኖን ዝተወፈዩ ኣለውዋ።

ምዕባሌ ደብረ ኖክ ከም ማርያማዊ ልቢ ኣየርላንድ ክምዕብል ዝኸኣል ናይቲ ደብሪ ቆሞስ ኮይኖም ካብ 1967 ክሳብ 1986 ዓም ዘገልገሉ ሞንሲኞር ጀይመስ ሆራይ ጻዕሪ እዩ። ዘ ቡዩልደር ኦፍ ኖክ ወይ ሓንጺ ደብረ ኖክ ዝብል ቅጽል ስም ዝወሃቦም እውን በዚ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ዘመናዊ መካነ ንግደት ብምህናጽ ጥራይ ዘይኮነ ነታ ከተማ እውን ክሳብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፍርቲ ኣህኒጾምላ እዮም።

እኖና ድንግል ማርያም ዘደብረ ኖክ ወትሩ ኣብ ልቢ ስደተኛታት ኣየርላንድ እያ!
ብዕለት 30 መስከረም 1979 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ሓደ መንፈሳዊ ንግደት ዝገብር ኣብዚ ኣብ ኣውራጃ ማዮ እትርከብ ንእስቶ ዘይፍልጥቲ ዓዲ ዝነበረት ክመጽእ እንከሎ ዝኾነ ሰብኣይስ ይኹን ሰበይቲ ከምኡ እውን ቆልዓ ኣብቲ ኣረጊት እግዚእትነ ማርያም ዝተራእየትሉ ቤተክርስትያንስ ይኹን ኣብዚ ሓዲስ ቤተክርስትያን ንግሥተ ኣየርላድ ዝኾነ ማርያም ዝመጽእከስ ነታ ኣብታ ብኢየሱስ ክርስቶስ እትርከብ ንዓና ንኩልና ኣብ ደቂ እግዚብሔር እትልውጠናን ወረስቲ መንግሥተሰማይ እትገብረናን ድሕነቱ ዘላቶ እምነቱ ንምሕዳስ እዩ’ ኢሎም ነሮም። እዛ እምነት እዚኣ ነቶም ኣብ ኩሉ ዓለም ብስደት ተዘሪኦም ዘለው ደቂ ኣየርላንድ ብእምባ ማርያም ብእትፍለት ኖክ ኣቢላ ኣብ ዘለውዎ ይሃልው ከምእትሕልዎም እትመልክት እምነት እያ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 August 2018, 18:51