ድለ

ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ኣባላት ተሓንድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ትብዓት ንዝሓትት ምርጫ ስንድዋት ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ኣባላት ተሓንድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ትብዓት ንዝሓትት ምርጫ ስንድዋት 

ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ኣባላት ተሓንድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ትብዓት ንዝሓትት ምርጫ ስንድዋት

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ኣተኵይሩ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ኣንብሮ ርእየት ዝገበረ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣባላት መንእሰያት ኣብ ፐሩጃ “ንዑ ረኣዩ …” (ዮሓ. 1.39) ዝብል ቃለ ወንጌል ብጥልቂ ንምስትንታን ንምርዳእ ዝድግፍ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ከካይዱ እዮም

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ኣተኵይሩ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ኣንብሮ ርእየት ዝገበረ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣባላት መንእሰያት ኣብ ፐሩጃ “ንዑ ረኣዩ …” (ዮሓ. 1.39) ዝብል ቃለ ወንጌል ብጥልቂ ንምስትንታን ንምርዳእ ዝድግፍ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ከካይዱ እዮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንእሰያት ዘተኵረ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘማዕደወ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 10 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፐሩጃ ናይ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣባላት መንእሰያት ዘካይድዎ ዓውደ ጉባኤ፥

ኣስተንትኖ እምነትካ

ቀንዲ ሸቶ፥ ነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ መንእሰይ ሕይወቱን ምስ እምነትን እግዚኣብሔርን ብዛዕባ ጉዕዞኡን ከስተንትን ዝብል ምዃኑ ናይ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣባላት መንእሰያት ወሃቢ ቃል ኣንጀሎ ብራንካለኦነ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል፡ መምህር ኣበይ ትነብር(ኣበይ እዩ ሰፈርካ)? (ዮሓ. 1,39) ዝብል ሕቶ ክኸውን እንከሎ ዕለት 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 15 ፍልዩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ክካይድ ወሲኖም ንመእሰያት ብዛዕባ እዚ ሲኖዶስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽት እውን ዓሚይቕ ኣስተንትኖ ከምዘካይድ ብራንካለኦነ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መንእሰይ ሓድሽን ብሉጽን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ንዘለዎ ብቕዓት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣይትፍርሑ ነቲ ተባዕ ምርጫ ሕሹኽ ንዝብለኩም መፈስ ቅዱስ ጽን በሉ ዝበልዎ ሓሳብ ብራንካለኦነ ጠቒሶም፡ ኣብቲ ተባዕ ምርጫ፥ መንእሰይ ዘሰንዮን ኣብ ልልያ ዝድግፎን የድልዮ፡ ብዙሓት ነቲ ሕይወትን ታሪኽን ፍሉዩ ትርጉም ዝህብ ኣኽብሮት ዕሴት ሕይወቶም ንኸወፍዩ ስንድዋት እያቶም፡ ኣብዚ ስንድውነት ጥበብ የድሊ እሞ ዘሰንዮም የድልዮም ዝብል ቅዱስ ኣቦና ዘመላኸትዎ ሓሳብ ዘቃልሕ ሰፊሕ ምይይጥ እውን ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ቃል እትወትን

መንእሰይ ንቤተ ክርስቲያን እንታይ እዮ ዝሓታ? ምእመንና ቅርበት (ብጻይነትን) ኣቶም ርሑቕ ዘለዎ መንእሰይት ከኣ ኣሳታፊ ወይ ኣስታፍነት ኵነት ክህሉ ይሓትቱ፡ እዚ ሕቶ ንወለዲ እውን ዝምልከት እዩ፡ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ናብ ሲንዶስ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ከካይዱን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን እዮም፡ ምስቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ፍቕሪ ዝዀነ ወጅሂ እግዚኣብሔር ንምርኻብ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስትያንን ምጉዓዝ፡ እዚ ጉዕዞ ከኣ ናብ ውልቃዊ ሕይወት ውሽጥን ናብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሕይወት ዝምልከት እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ፐሩጃ ዓውደ ጉባኤ መንእሰያት ኣባላት ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ኢጣሊያ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቦ መንበር ስልቫቶረ ማርቲነዝን፡ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅን ደራስን ኣባ ልዊጂ ማኢያ ኤፒኮኮን ኣቦ መንበር ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ጂጂ ደ ፓሎን ተረኺቦም ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ብራንካለኦነ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ኣባላት ተሓንድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ትብዓት ንዝሓትት ምርጫ ስንድዋት
08 August 2018, 17:09