ድለ

ምህለላ ዘመነ ፍልሠታ፡ ምሥራቅን ምዕራብን ብሓንሳብ ኮይኖም ንማርያም ከኽብሩ እዮም!

ካብ ትማሊ ባሕቲ ነሐሰ በቆጻጽራ ፈረንጂ ክሳብ ዕለት 14 ክልተ ሳብዕቲ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓት አምልኾ ብቆጻጽራ ፈረንጂ ዕለት 15 ነሐሰ ንዝዝከር በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ብሓባር ንምኽባር ብምስምማዕ ኣብ ሮማ ዝርከብ ምሥራቃዊ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ኢን ቭያ ላታ ምስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ብሓባር ከብዕልዎ ምዃኖምን ንክልተ ሰሙን ብሓባር ምህለላ ፍልሥታ ንምግባርን ትማሊ ጀሚሮም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከቡ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ምእመና ቢዛንታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምስ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ክሳብ ቅድሚ አርባዓ ዓመት ብጎርጎሳዊ መራሕ ዕለት ዘይኮነ ከምቲ ንሕና ንኽተሎ ናይ ጁልያን መራሕ ዕለት ብምኽታል ጾመ ፍልሰታን ምህለላን ብባህሎም ይገብሩን ሶሙን ድሒሪ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ምእመናን የኽብሩ ነበሩ፣ ናይ ሎሚ አርባዓ ዓመት ግን ኣብ ሮም ጐደና ላታ እትርከብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ንኩሎም ከሕብሩ ብማለት ኲንዲቺና ደል ኣሱንታ ማለት ናይ ፍልሠታ ዓሠርተ ሓሙሽተ መዓልታት ብዝብል ማእከላይ መንገዲ ኩሎም ብሓባር ዕለተ ፍልሠታ ኣብቲ ናይ ላቲን ኮይኑ እቲ ልማድ ጾምን ምህለላን ግን ጸኒዑ ናይ ምሥራቃዊ ክኸውን ብዘቅረብዎ ሓሳብ ሎምዘመን እውን ነቲ ብኣምሳል ጾመአርባዓ ናብ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘብጽሕ ንጾመ ፍልሰታ እውን ንእሽቶይ ጾመአርባዓ ኮይኑ ናብ ትንሣኤ ወይ ፍልሰታ እኖና ድንግል ማርያም ከምዘብጽሕ ይገልጹ፣

ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዝገበረ ቅዱስ ልማድ!

ኣብ ታሪኽ ምልስ እንተበልና ዘመነ ፍልሠታ ዝብል ክልተ ሱባኤ ወይ ክልተ ሸውዓተ ናይ ጾምን ጸሎትን ተጋድሎን ዓሠርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ቅድሚ ሺሕ ዓመተ ምሕረት ኣብ ቑስጥንጥንያ ቢዛንታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ከምዝነበረ ከምኡ እውን ኣብ ሻድሻይ ዘመን ኣብ ኢየሩሳሌም ይዝውተር ከምዝነበረ ስዒቡ ብማውሪዝዮ ዝበሃል ጠቅላሊ ገዛኢ ሮማዊ ግዝኣት ናብ ኩሉ ግዝኣት ሮማ ኣስፋሕፊሕዎ። ቀስ ብቀስ እዚ በዓለ ፍልሠታ ተባሂሉ ተኣዊጁ። እዚ  በዓልዚ ንኩለን ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ከም በዓል ቅብጢ ኢትዮጵያ ሶርያ ማሮናውያን ኬልቀደናውያን ኣርመናውያን ግሪኻውያን ወዘተ ርእሰ በዓል በዓላተ ማርያም ተባሂላ እንክትስመ ብካልእ ወገን እውን ቅድስት በዓል ወይውን መለኮታዊ በዓል ተባሂላ እውን ትጽዋዕ።

ንእሽቶ ጾመ አርባዓ!

ትማሊ ምሸት ባሕቲ ነሐሰ 2018 ዓምፈ በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 9 ምህለላ ዘመነ ፍልሠታ ኣብዛ ላዕሊ ዝሰመናያ ባዚሊካ ከምዝጀረን ክሳብ ዕለት 14 ነሐሰ 2018 ዓምፈ ምሸት ምሸት ከምዝቅጽልን ተገሊጹ። ብጸሎተ ሰዓታት ናይ ቢዛንታንያዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እዚ ምህለላ እዚ ፓራክሊሲስ ተባሂሉ እንክጽዋዕ ቀንዲ ትሕቶኡ ከኣ ነቲ ናይ ሃገርና ሰአሊ ለነ ማርያም ኀበ ወልድኪ ኄር ወመድኀኔ ዓለም ዝብል ዝመሳሰል ኮይኑ ኦ ኣደ ኣምላኽ ዝኾንኪ ቅድስት ማርያም ኣድሕንና እናበለ ዝደጋገም ኣዝማችን ካብ መዝሙራት ዳዊት ዝተዋጸኤ መዝሙራትን ብልማድ ላቲናውያን ንእኖና ድንግል ማርያም ዝቀርብ መዛሙርን እናኣዛነቅካ ይግበር።

ዋዜማ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም 14.08.2018 ዓምፈ ኣብ ሳንታ ማርያ ማጆረ!

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ምህለላ ኣብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ኢን ቭያ ላታ ሮማ ክሳብ ዕለት 13 ነሐሰ እንክግበር ኣብታ ድሮ ግን ኣብ ሕምብርቲ ሮማ ኣብ እትርከብ ብሳንታ ማርያም ማጆረ ዝፍለጥ ባዚሊካ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎተ ዋዜማ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክካየድ ምዃኑ ስዒቡ ከኣ ናይቲ ባዚሊካ ሊቀካህናት ብፁዕ ካርዲናል እስታኒስሎ ሪልኮ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብመዘምራን ደናግል ማሕበር ተሳተፍቲ ሓዘን ድንግል ማርያምን ኣገልገልታን ተዓጂቡ ክዓርግ ምዃኑ እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ፣

ክልተ ሳንቡእ ድንግል ማርያም!

ከምቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1985 ዓምፈ ብዛዕባ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ምናዳ ኸኣ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ከምኡ እውን ምሥራቃውያንን ላቲናውያንን ብዝምልከት እንክምሕጸኑ ‘ቤተክስትያን ብክልቲኡ ሳናቡኣ ተስተንፈስ’ ዝበልዎ እዚ ኣብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ኢን ቭያ ላቲ ሮማ ዝግበር ሥርዓተ ጸሎት ዘመነ ፍልሠታ እውን ምብራቅን ምዕራብን ብሓባር ዝጽልዩሉ ምናዳ ከኣ ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅ ምብራቃዊ ኤውሮጳን ከምኡ ከኣ ንሓድነት ቤተክርስትያን እንምህለሉ ግዜ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። 

ነዚ መደብዚ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!
02 August 2018, 11:23