ምህለላ ዘዘመነ ፍልሠታ ብነፍስኄር አባ ተኽለዝጊ ዑቍባጊዮርጊስ ዘማኅበረ ሲታውያን!

‘ምህለላ ፍልሠታ ሓደ ዝተጨነቐ ሕዝቢ ካብ ኣምላኹ ረድኤትን ኀልዮትን ኪረክብ ናይ ዚምነ ሕዝቢ አውያት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዝንሳሕ እውን እዩ።. . . እቲ ሽዑ ስደትን ሞትን ዜስዕብ ዝነበረ ጸላኢ ሎሚ ብሥውር መንገዲ ዚጻብኣና ኃይሊ ሠይጣን ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነዚ ጸሎት እዚ ብምሉእ ኃይልናን ባህግናን ከነዘውትሮ ይግብኣና’ (መና ጸሎታት ገጽ 160)

እግዚአብሔር ኣምላኽና ጾምና ምህለላናን ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና።

ካብ በረከት ኣዴና ቅድስተቅዱሳን ድንግል ማርያም የካፍለና። ኣሜን!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሳህልን ናይ ኣዴናቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።

11 August 2018, 11:24