ፐሩ፥ መቕተልቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት ፐሩ፥ መቕተልቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት 

ፐሩ፥ መቕተልቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት

ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት ዝተፈጸመ መቕተልቲ ከነውግዝ እንከሎና ዝተሰምዓና ጥልቂ ሓዘን እናገልጽና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ንኹንን

ኣብ ፐሩ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ተወላዲ ስፐይን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት ሞንተስ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዓቢይ ሓዘንን ሰቓይን ኣስዒቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት ዝተፈጸመ መቕተልቲ ከነውግዝ እንከሎና ዝተሰምዓና ጥልቂ ሓዘን እናገልጽና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ንኹንን ዝብል መልእኽቲ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጨንፈር ልኡካን ኣብ ሃገረ ፐሩ ቤት ሓለቓ ከምእተመሓላለፈ ናይ ኢየሱሳውያን መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዝተፈጸመ ቕትለት

ወጋሕታ ዕለት 10 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ባጉዋ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ቫለንቲን ስለጉይ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ቤተ ልኡካነ ወንጌል ኢየሱሳውያን ኣባ ሩይዳቨት ተቐቲሎም ከምእተረኽቡን ኣብ ኣካሎም ምልክታ ማሕሰይቲ ከምዝነበሮም ክንገር እንከሎ እዞም ወዲ 73 ዓመት ተወላዲ ስፐይን ንልዕሊ 38 ዓመት ኣብ ፐሩ ዘገልገሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይቲ ከባቢ ገበን ኣጻራዪ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሩይዳቨት ዝተፈጸመ መቕተሊ ብቕልጡፍ ከጻርይ ኣብ ፐሩ ጨንፈር ቤት ልኡካነ ወንጌል ኢየሱሳውያን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ኣብ ኣገልግሎት ደቀባት (ቀዳሞት ሃገረይናውያን) ፐሩ

ኣባ ሩይዳቨት ኣብ ፐሩ ከባቢ ኣማዞን ንልዕሊ 38 ዓመት ኣብ ምግልግላ ዝነበሩ መላእ ሕይወቶም ንከባቢ ኣማዞን ተቐማጦ ደቀ-ባት ኵለንተናዊ ሕንጸት ብምቕራብ ዘገልገሉን፡ ብተቐማጦ ኣማዞን ፐሩ ፍቱው ከምዝነበሩን እቲ ንሶም ሓዲጐምዎ ዝሓለፉ መደብ ኣገልግሎት ንደቀባት ኣማዞን ንማሕበር ኢየሱሳውን ናይ ተልእዀ ሓላፍነት ከምዝዀነን ናይታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ወሰናስን ከባብን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ከይንካ ናይ ምንባር ኣብነት ምዃኖም መግለጺ ኢየሱሳውያን ኣብ ፐሩ ጠቒሱ የመልክት። 

ፐሩ፥ መቕተልቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካርሎስ ሩይዳቨት
11 August 2018, 16:56