ፖርቱጋል-ዓለም ለኸ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ፖርቱጋል-ዓለም ለኸ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ 

መበል 78 ዓለም ለኸ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ተዛዚሙ!

ናይ ሎም ዘመን ወርሒ ነሐሰ ዓለም ለኸ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ምስታ ንፈላስያንን ስደተኛታትን ዝተወፈየት ንመበል 46 ትካየድ ዘላ ሶሙን ፈላስያንን ስደተኛታትን ትኽፈተሉ ዕለት ስለዝተጋጠመት ንኩሉ ሓሳብ ጸሎት ንግደት ስለ ፈላስያንን ስደተኛታትን ብምቅራብ ትማሊ ተዛዚሙ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ጳጳስ ለይራ ፋጢማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ማርቶ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ‘ሱቚ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና’ እንክብሉ ነቲ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝስደዱ ዘጋጥም ድራማ ብምዝካር ‘ናይ ምዕራብ ልዑላን ሓይላት ነቶም ንመሰል እዞም ስደተኛታት ክከላኸሉ ዘይክእሉን ንሕይወት ብዙሓት ድኻታት ካብ ገዛእ መረበቶም ብምኽንያት ጥሜትን ሕስረትን ውግእን ንክስደዱ ምኽንያት ንዝኾኑን  ኣሻንጒሊት ዝኾኑ ውልቀመለኽቲ ይድግፉ’ ኢሎም።

ነዊሕ ዝጸንሐ ቅዱስ ባህሊ!

ካብ ዕለት 13 ነሐሰ 1940 ዓምፈ ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነጋድያንን ፖርቱጋላውያንን ወጻእተኛታትን ሓረስቶትን  ንምሉእ ዓመት ኣብቲ እኖና ድንግል ማርያም ንሰለስተ ንኣሽቱ ጓሶት ክትግለጸሉ ዝመረጸቶ ቦታ ዝዓርጉ መሥዋዕተ ቅዳሴታት ዘገልግል ኅብስቲ ንምሥራሕ ዝውዕል ሥርናይ የወፍዩ።  ካብቲ መካነ ንግደት ብዝተረኽበ ጸብጻብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዓምፈ ልዕሊ ሰማንያ ኩንታል ስርናይን ልዕሊ ሓሙሽተ ኩንታል ሓሩጭን ከምዝተወፈየ በዚ ኸኣ 37,700 ኅብስቲ ከምዝተሰርሔ ገለ ክፋል እውን ምስቶም ድኻታት ንዝሰርሑ ማሕበራት ከምዝተወፈየ ይገልጹ።

ሽድሽተ ሚልዮን በጻሕቲ!

ናይቲ መካነ ንግደት ሓለቃ ኣባ ካርሎስ ካበሲናስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መካነ ንግደት ደብረ ፋጢማ ዝውሕዙ ነጋድያን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ከምዝመጽእን ነቲ ፍልይ ዝበለ ናይ መበል ሚእቲ ዓመት ኢዮቤል ዝኽሪ ዝተገብረሉ 2016ን 2017ን ኣብ ግምት ከየእቶኻ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከባቢ 6 ሚልዮን ነጋዶ ነእንግድ ኢሎም።

ድንግል ማርያም ዘደብረ ፋጢማ ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት 2019!

ኣብቲ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ወርሒ ጥሪ 2019 ኣብ ፓናማ ክበዓል ተመዲቡ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ሓውልቲ እኖና ድንግል ማርያም ዘደብረ ፋጢማ ምስቶም መንእሰያት መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽም መደብ ከምዘሎ እንክምልከት ኣባ ካርሎስ ካበሲናስ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ ሂቦም። ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ። ምኽንያቱ ከኣ መንእሰያት ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት ነፍሳትስ ይኹን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀንዲ ቦታ ስለዝሕዙ እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ምስንዳው ጒዕዞ ዘሰኒ ኮነ ኢሎም ዝመርጽዎ መሪሕ ቃል ‘እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከም ቃልካ ይኹነለይ’ ዝብል ማርያማዊ ተማ ከምዝመረጹ እውን ኣመልኪቶም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 August 2018, 14:20