ሰማዕትነት ቅ.ማሲሚልያኖ ማርያ ኮልበ

ናይ ላቲን ሥርዓት ኣምልኾ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ ዕለት 14 ነሓሰ ዝኽሪ ሰማዕት ቅዱስ ማሲሚሊያኖ ማሪያ ኮልበ እንክተብዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኃን @Pontifex ብዝብል ይድረስታኦም ኣቢሎም ‘ሎሚ እውን እንተኾነ ስለ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝስደዱ ብዙኃት ሰማዕታት ኣለው። ኃይሊ ቤተክርስትያን ከኣ እዚኦም እዮም’ እንክብሉ ሰማዕትነት ኃይሊ ቤተክርስትያን ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ‘ሓደ ሰብ ንሕይወቱ ቤዛ ኣዕሩኽቱ ኣኅሊፉ ካብ ምውፋይ ዚዓቢ ፍቅሪ የልቦን’ (ዮሓ 15.13) ኪብል ዝገልጾ መላእ ሕይወቱ ብማርያም ኣቢሉ ንእግዚአብሔር ዘወፈየ ፖላንዳዊ ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ንኡሳን ኣኃው ፍራንቸስካውያን ዝኾነ ሰማዕት ቅዱስ ኮልበ ብስርዓት ናዚ ኣብ ኣውሽዊዝ መዳጐኒ ሰፈረ ሕልቂት ምስ ተወስደ ዝለዓለ ሰማዕትነት ዝፈጸመ እዩ። ሓደ መዓልቲ ናይቲ መዳጐኒ ሕልቂት ሓለቃ ነቶም ብጥሜት ንሞት ዝተፈርዱ መስርዕ ኣትሒዙ ከጓዓዕዞም እንከሎ ቅዱስ ኮልበ ሓደ ኣቦ ሥድራ ኣብቲ መስርዕ ይዕዘብ እሞ ብሃንደበት ተንሲኡ ናብቲ ሓለቃ ብምኻድ ነቲ ኣቦ ሥድራ ክምሕርዎ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ንሱ ክመውት ይሓትት። ክልተ ሶሙን ዚኣክል ብሓልጊ ጥሜት ምስ ተገርፉ ኣብ መወዳእታ መርዚ ወጊኦም ብዕለት 14 ነሓሰ 1941 ዓም ቀተልዎም። እዚ ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ካልእ ሰብ ሕይወቱ ምውፋዩ ከኣ ኣብቲ ድነ ሞት ዝዓሰሎ መዳጎኒ ሕልቂት ሓደ ምልክት ዓወት ኮነ።

ዓወት ቅዱስ ኮልበ ኣብ ኣውስዊዝከስ ሕይወትካ ንሓውኻ ምውፍያ እዩ።

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድስና ኮልበ ክእውኑ ከለው ‘ስለ ፍቅሪ ንሞት ተወፈየ በዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩሉ ንወዲ ሰብ ዘቈናጽብን ዝጸልእን ናይ ግዜኡ ምንቅስቃስ ተዓወተ’ እንክብሉ ኣመጒሶምዎ ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ናይ ሎሚ ዓርባዓ ዓመት ይገብር ብዕለት 10 ጥቅምቲ 1982 ዓም ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ሓደ ሰብ ንሕይወቱ ቤዛ ኣዕሩኽቱ ኣኅሊፉ ካብ ምውፋይ ዚዓቢ ፍቅሪ የልቦን’ (ዮሓ 15.13) ንእትብል ቃል ወንጌል መሠረት ብምግባር ነዚ ዚስዕብ ስብከት ነቶም ኣብዚ ዓቢይ ክሳተፉ ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦም ዝነበሩ ኣቅሪቦም ነበሩ።

‘ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 1941 ዓም ብትእዛዝ ሓላፊ ናይቲ መዳጎኒ ሕልቂት ነቶም ብጥሜት ክሞቱ ዝተፈርዱ መስርዕ ኣትሓዙ። ካብ ብሎክ 14 ሓደ እሱር ሓዲሙ ስለዘምለጠ 10 ንሞት ተፈርዱ። ማሲሚልያኖ ኮልበ እውን ምስቶም ካልኦት ዕብራውያን ተኣሲሩ ካህን ብምንባሩ እውን መፈጠርካ ኣብ ዘጽልእ መዓት ውርደት ዘለዎ ጽዑቅ ሥራሕ ተጸሚዱ ምስኦም ነበረ። ብሃንደበት ተንሲኡ ከኣ ንሓደ ካብቶም ንሞት ዝኸዱ ዝነበሩ ተኪኡ ክንዳኡ ክመውት ስንድው ምዃኑ ገለጸ’።

ድሕሪ ናይ 15 መዓልታት ስቃይ ቀታሊ መርዚ ተወጊኡ!

ቅዱስነቶም ትረኻኦም ብምቅጻል ‘እዛ ወፈያ ማሲሚልያኖ ኮልበ በቶም ኣሕሉቅ ተቀባልነት ረኺባ ንክልተ ሶሙን ዚኣክል ብሓለንጊ ጥሜት ምስ ተገርፉ ዕለት 14 ነሐሰ 1941 ዓም መርዚ ወጊኦም ቀተልዎ። እዚ ኩሉ ኣብቲ ፍጻሜ ናይ መጨረሻ ውግእ ዓለም ከባቢ 4 ሚልዮን ከምዝሞቱ ዝተገብረሉ መዳጎኒ ሕልቂት ናይ ኣውስኪዝ ኣብ ፖላንድ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ መንጎ እዚኦም መገልገሊት ኣምላኽ ኤዲት እሽታይን ነበረት።

ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ኣቦ ሥድራ!

ኣባ ማሲሚልያኖ ኮልበ ንሱ እውን ንባዕሉ ሓደ ካብቶም እሱራት መዳጎኒ ሕልቂት ብምንባሩ ንሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ክንዳኡ ክመውት ብምውፋይ ንሓደ ንጹሕ ሰብ ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ኣልቢሱ፣ እቲ ብኣባ ኮልበ ዝደሓነ ሰብ ፍራንሲዠክ ኣብቲ በዓል ቅድስና ተሳቲፉስ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቡ ንሶም እውን ዘኪሮሞ። ከምዚ ክብሉ ከኣ ስብከቶም ቀጺሎም።

ኣባ ኮልቦ ከክንዲ ሓደ ሰብ ክሞቱ ድልው ብምንባሮም ንሓደ ንጹሕ ሰብ ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ኣልቢሶም እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ከኣ ኣቦ ሥድራ ስለዝነበረን እታ ሕይወት እቲኣ ከኣ ነቶም ንሱ ዝመርሖም ሥድራቤት ኣድላዪት ብምንባራን እዩ ኢሎም።

ንክርስቶስን ንፍቅርን ዝወሃብ ምስክርነት!

ኣባ ኮልበ ነዚ ምርጫ እዚ ብምውሳድ ነቲ ፈጣሪ ንንጹሕ ሰብ ዝዓደሎ ዘይገሓስ ብሕይወት ናይ ምንባር መሰል ዳግም ብምጽጋው ንክርስቶስን ንፍቅርን ምስክርነቱ ሂቡ። ነዚ ወሳኒ መስዋዕትነት እዚ ንክሰናዶ ዝሓገዞ ካብ ንእስነቱ ካብ ፖላንድ ጀሚሩ ንክርስቶስ እናተኸተለ ይሰናዶ ነሩ ስለዝኾነ ከኣ ዓቢ ፍቅሪ ኣብ ክርስቶስ ከሕድርን ክሳብ ሰማዕትነት ክበጽሕን ክኢሉ፣

ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም!

እዚ ፍቅሪ እዝን እዚ ሃረርታ እዝን ከኣ ኣብቲ ዝመረጾ ፍራቸስካውን ክህነታውን ጸዋዕታኡ  ኣብ ፖላንድን ኣብ ሮማን ዝሰናደወሉ ዝነበረ ሕይወት ኣሰንይዎ። እዚ ፍቅሪ እዝን እዚ ሃረርታ እዝን ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝገበሮ ፍራንቸስካውን ክህነታውን ኣገልግሎት ኩሉ ኣሰንይዎ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝገበሮ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ሓጊዝዎ፣ ናይ ኣባ ኮልበ ኩለንትናዊ መሪሕ ዝነበረት ንጽሕት ድንግል ማርያም ነበረት። ኣባ ኮልበ እኖና ድንግል ማርያም ብምልክት ብዘይ ሓጢኣት ምጽናሳ ብመለኮታዊ ጸጋ ከም ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም ትትሓባበር ከምዝነበረት ይርድኦ ነሩ።

ማሲሚልያኖ ኣይሞተን እንታይ ደኣ ንሓደ ሓው ሕይወት ሂቡ!

ቅዱስነቶም ‘ዕለት 14 ነሐሰ 1941 ዓም ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ መዳጎኒ ሕልቀትን ጥሜትን እንታይ ተረኽበ’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ‘ማሲሚልያኖ ኣይሞተን እንታይ ደኣ ሕይወት ሃበ! ንሃደ ሓው ሕይወት ሃበ። ንሱ ባዕሉ ስለፍቅሪ ክመውት ተወፈየ፣ ስለዚኸስ ሞት ማሲሚልያኖ ኮልበ ሓደ ምልክት ዓወት ኮነ። እዚ ዓወት እዚ ከኣ ኣብ ልዕል’ቲ ሽዑ ዝነበረ ተጻይ ወዲ ሰብ ዝግበር ምቊንጻብን ጽልእን ማለት ተጻይ ዝኾነ መለኮታዊ ነገር ኣብ ሰብ ዝርከብ ዝግበር ዝነበረ ጽልኢ ዓወት እዩ፣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ዝረኸቦ ዓወት ዝመሳሰል ዓወት እዩ። ከምቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 1971 ዓም ኣብ ዕለተ ብፅዕና ኮልበ ዝበልዎኸስ ‘ሰማዕትነት ከስ ብጽልኢ ሃይማኖት ጥራይ ዝወርድ ዘይኮነስ ሰማዕትነት ፍቅሪ እውን ኣሎ፣’

ኮልበ ዕለት 7 ትሪ 1894 ራይሞንድ ብዝብል ሽም ይውለድ!

ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ ኮልበ ኣብ ዝዱንስካዎላ እትበሃል ከተማ ፖላንድ ካብ ሰብ ጽኑዕ እምነት ክርስትያን ወለዲ ዕለት 7 ጥሪ 1894 ተወሊዱ ራይሞንድ ብዝብል ስም እውን ተጠሚቁ። ጥዑይ ኣእምሮኣውን ክርስትናውን ኲስኰሳ ንክረኽቡ ከኣ ወለዱ ምስ ዓቢ ሓው ፍራንቸስኮስ ኣብ ገዳም ፍራንቸስካውያን ክመሃሩ ለኣኽዎም። ሓው ድሕሪ ቊሩብ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ነገር ንክነጥፍ ካብቲ ገዳም ይወጽእ፣ ንሱ ግን ጸኒዑ ብምቅጻል ማሲሚልያኖ ብዝብል ስም ኖቪስያቶ ኣትዩ ንሮማ ተላእከ! ሽድሽተ ዓመት ብምጽናዕ ካብ መካነ ጥበብ ግረጎርያን ብፍልስፍና ካብ ሱራፌላዊ ኮለጅ ከኣ ብትምህርተ ንባበ መለኮት ተመሪቑ ብዕለት 28 ሚያዝያ 1918 ዓም መዓርገ ክህነት ለበሰ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሮማን ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያምን!

ሓደ መዓልቲ ኣብ ሮማ ኲዕዞ እግሪ ክጻወት እንከሎ ብኣፉ ደም ክተፍእ ጀመረ በዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ሕይወቱ እናለዓለን እናተሓተን ዘሰንዮ ሕማም ጀመሮ። እናተቃለሰ ከኣ ብፍቃድ ኣሕሉቅ ‘ማሕበር ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም’ መሥሪቱ። ብዙሓት መማህራንን ተማህሮን ዪኒቨርሲታትን ደቂ ማሕበሩን ዝተፈላለዩ ሰብ ጥበብን ሓረስቶትን ሓንጐፋይ ኢሎም ስለዝተቀበልዎ ቀልጢፉ ዓምበበ።

ዓወት መጽሔት ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም!

ኣባ ኮልበ ከባቢ በዓለ ልደት ናይ 1921 ኣቢሉ ኣብ ክራኩቭ ሃገረ ፖላንድ ቊሩብ ገጻት ዝሓዘ ‘ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም’ ዝብል መጽሔት ብምስንዳእ ንመንፈስን ዝርጋሔን ናይቲ ሠራዊት ከነቃቅሕ ጀሚሩ፣ ካብ ክራኩቭ 600 ኪሜ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ግሮድኖ ምስ ተቀይረ ንሕትመት እታ መጽሔት እተገልግል ብአረገውቲ ናይ ጽሕፈት መጋበሪታት እትንቀሳቀስ ንእሽቶ ቤት ማሕተም ገሩ ብዙሓት መንኣሰያት ከኣ ብፍራንቸስካዊ ሕይወት ስለዝተሳሕቡን ነታ መጽሔት ስለዘዋዓውዕዋን ብብዝሒ ክትሕተም ጀመረት።

ኣብ ከተማ ቫርሳቭያ ከኣ ሉበኪ ዝበሃል ካብ ዓበይቲ ሰባት መሬት ብነጻ ምስ ሃብዎም ኒየፖካላኖው ማለት ከተማ ማርያም ዝብል መሥረተ። ካብ ኣጓዱ ኣብ ድልዱል ገዛውቲ ምህናጽ ተሰጋገረ እቲ ኣረጊት ናይ ጽሕፈት መጋበሪ ብሓዲስ ክትካእ ጀመረ ዘመናዊ ሕትመትን ድርሰትን ኣታኣታተወ ካብ ቁሩብ ሠራሕተኛታ ናብ 762 ገዳማውያን በጽሐ እቲ ብቁሩብ ቅዳሓት ዝጀመረ መጽሔት ሠራዊት ንጽሕት ድንግል ማርያም ናብ ሚልዮን በጽሔ ካልእ ሰሙናዊ መጽሔታት እውን ተወሰኸ።   

ከተማ ማርያም ኣብ ፖላንድን ጃፓንን!

ነቲ ዝጀመሮ ማርያማዊ ምንቅስቃስ ክንዮ ዶባት ፖላንድ ንምዝርጋሕ ኣባ ኮልበ ናብ ጃፓን ገጹ ብምኻድ ኣብ ከተማ ናጋሳኪ ከተማ ማርያም ክምሥርት ከኣለ። ኣብዚ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ብዙሓት ዘኽታማት ናጋሳኪ ተዓቊቡ። ምስ ዕብራውያንን ከንሻን እምነት ብዱሂዝም ዝኽተሉን ብምትሕብባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ንዝርከብ ሓቂ ሃሰስ ይብል ነበረ። ኣብ ሃገረ ህንዲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ኤርናኩላም ሓደ ገዛ ከፈተ። ዓባይ ሰዓል ስለዘጥቀዓቶ ግን ንክሕከም ንፖላንድ ተጸወዔ ኣብታ ከተማ ማርያም ኢሉ ዝመሥረታን ብሕትመት ዓቢ ሥራሕ ትዓምም ዝነበረትን ከኣ ተቀመጠ።

ንየፖካላኖ/ከተማ ማርያም መዕቆቢ ስደተኛታትን ዕብራውያንን!

ብዕለት 1 መስከረም 1939 ዓም ናዚ ጀርመን ንፖላንድ ምስ ወረሩ ሽዑ ንሽዑ ንየፖካላኖ ክዕጾ ኣዘዙ። ንኩሎም እቶም ካብኡ ዝስጐጉ ዝነበሩ ገዳማውያን ኣባ ኮልበ ‘ንፍቅሪ ኣይትረስዑ’ እንክብሉ ይላበው ነበሩ። ኣብ መጨረሽታ እዛ ዕምርቲ ከተማ ማርያም ጽልምትምት ክትብል ጀሚራ ሓደ ኣርብዓ ዝኾኑ ኣሕዋት ተረፉ። ነታ ከተማ ከኣ ውጉኣትን ሕሙማትን ስደተኛታትን ከምእተዕቊብ ገበርዋ። ዕለት 19 መስከረም ናዚ ጀርመናውያን ንኣባ ኮልበን ካልኦት ኣሕዋትን ኣብ ሓደ መዳጎኒ ኣእተውዎም ብዘይተሓስበ ከኣ ዕለት 8 ታሕሳስ ተለቂቆም፣ እንደገና ናብታ ከተማ ማርያም ዝብልዋ ንየፖካላኖ ተመሊሶም ከኣ ንልዕሊ 3500 ዝኾኑ ስደተኛታት ክሕግዙ ጀመሩ። ካብዚኦም 1500 ዕብራውያን ነበሩ። ድሕሪ ቊሩብ ኣዋርሕ ግን ፋሕፋሕ ኮነ ተኣስሩ ክትድሕኑ እንተደለኹም ዜግነት ጀርመን ተቀበሉ ምስ በልዎም ኣበዩ ብዕለት 17 የካቲት 1941 ከኣ ኣባ ኮልበ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኣሕዋት ተኣስሩ። ድሕሪ ብዙሕ መግረፍትን ስቃይን ከኣ ነቲ ፍራንቸስካዊ ቀሚሹ ቀንጢጦም ናይ ዓለም ኣልበስዎም። ዕለት 28 ግንቦት ናብቲ መዳጎኒ ሕልቂት ዝኾነ ኣውስኪዝ ወሰድዎ፣ ካህን ብምዃኑ ከኣ ምስቶም ዕብራውያን ኣሰርዎ። መለለዪ ቊጽሪ ከኣ 16670 ሃብዎ ውርደት ኣብ ዘለዎ ሥራሕ ማለት ንሬሳታት ኣብቲ ዝቃጸሉሉ ቦታ ምጒዓዝ እውን ጸመድዎ።

ሕይወት ምስክርነት ኣብ ኣውስኪዝን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ መዳጐንን!

ሕይወት ኣባ ኮልበ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክብሪ ክህነቱን ሰብኣውነቱን ዘንጸባርቅ ከምዝነበረ ሓደ ምስክር ‘ኮልበ ኣብ መንጎ ሓደ መስፍን እዩ ነሩ’ እንክብል ዕብየቱ ይገልጾ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምሊ ናብ ብሎክ 14 ሰግሩ። ናይዚ ብሎክ እሱራት ኣብ ዓጺድ ይጽመዱ ነሮም። ሓደ ካብኦም ምስ ሃደመ ከኣ ዓሠርተ ዝኾኑ እሱራት ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ መዳጐኒ ብጥሜት ክሞቱ ተወሲኑ። ኣባ ኮልበ ከኣ ክንዲ ሓደ ኣቦ ሥድራ ሕይወቱ ወፍዩ።

እቶም ካልእቶ ትሽዓተ ምሳኡ ብሓባር ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ድማ ክጽልዩን ምህለላ ንማርያም ከቕርቡን እናተባብዐ ተስፋን እምነትን ፍቕርን እናስነቆም ዕለት 14 ነሐሰ 1941 ዓ.ም. ተቐትለ። ቅድሚ ምማቱ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝሕልውዎ ንዝነበሩ ወትሃደራት ናዚ ጽልእ ጥቕሚ የብሉን ዝፈጥር ግና ፍቕሪ እዩ ቢሉ ሰላም ለኪ ኦ ማርያም ጸሎት ከምዝደገመ ይንገር።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 August 2018, 14:18