ድለ

ምዕባለ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ‘ዕንቅፋት’ ምዕባለ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ‘ዕንቅፋት’ 

ምዕባለ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ‘ዕንቅፋት’

ቤት ክርቲያን ኣብ ዝሓለፉ 2000 ዓመታት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ባህልን ትውፊትን ኣብ ህያው ስልጣናዊ ትምህርታታ ኣጽኒዓ እተማዕብሎ ምዃኑ ይረጋገጽ፡ እዚ ኸኣ እናዓበየን እናማዕበለን ዝኸይድ ናይ እምነት ፍህመት (intellectus et fidei)የረጋግጸልና።

ቤት ክርቲያን ኣብ ዝሓለፉ 2000 ዓመታት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ባህልን ትውፊትን ኣብ ህያው ስልጣናዊ ትምህርታታ ኣጽኒዓ እተማዕብሎ ምዃኑ ይረጋገጽ፡ እዚ ኸኣ እናዓበየን እናማዕበለን ዝኸይድ ናይ እምነት ፍህመት (intellectus et fidei) የረጋግጸልና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

መዝገበሃ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ ጽሑፍ 2267 ናይ ሞት ፍርዲ ፍጹም ዘይቅቡል እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝሕድስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዝደረሶ ሰነድ ተሰንዩ ናብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ኣብ መላእ ዓለም ህያው ዘተን ኣምራዊ ስነ ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ብዛዕባ ምዕባለን ግስጋሰን ጠመቕ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተቐባልነቱ የእውን፡ ሓናጺ ነቐፊታን ካብኡ ሓሊፉ እውን ክሳብ ዘይቕቡል ዝብል ርእዮቶ ክወሃቦ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ንኣብነት እቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድዩ፡ ከምኡ ኣውን እቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ብዝብል ሓሳብ ኣብ መዝገበ ሃይማኖ ትምህርቲ ካቶኪካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ንድሕሪት ምስሊ ቢልካ ናይ 2000 ዓመት ታሪኽ ክርስትና ምስ እትርእይ፡ ብዙሕ ነገር ክምእተመሓየሸን እቲ ምምሕያሽ ከም ቅቡል ኰይኑእኣውን ይቕጸል ኣሎ፡ ኰይኑ ግና ምምሕያሽ ዕንቅፋት ወይ ከኣ ዘይምቻወን ዝህውኽን ስንባደን ከስዕብ ዝኽእል ምዃኑ ርጉጽ እዩ።

ፍርዲ ሞት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ

ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን ንምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እኹል እዩ፡ ሎሚ እቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕ. 20 ተመልኪቱ ዘሎ፥ ጣዖታትካን ግብረ ሶዶማዊ ሩካቤ ስጋን፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ስድራ ቤት ሩካቤ ስጋን ንመቐተልቲ ዘብጽሕ፡ ወለዲ እውን ዘየኽብርን ብሕሰም ዝሕዝ ይቀተል ይብል። ብርግጽ ሙሴ ቅድሚ 3000 ዓመት ዝነበረን ኣብቲ እዋን ዝተውሃቢ ትእዛዝ እዩ፡ እዚ ሕጊ’ዚ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኩነት ዘመላኽት እዩ፡ እዚ ቃል እዚ ምስ እነንብብ ኣብ መወዳእታ ቃል እግዚኣብሔር እዩ ኢና ንብል።

ምዕባለ ጠመቕ ትምህርቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ካብ እምነት ኣይሁድ ናብ እምነት ክርስትና ዝተለወጡ ክርስቲያን ንሕሰብ፡ ክንደይ ትብዓትን ጽንዓትን ናይቲ ናይ ሕዝቦም ዝነበረ ስርዓትን ሕግን ንኣብነት ግርዛት ዝኣመሰሉን እቶም ኢኣማንያን እምነት ዝተቐበሉ ኩሉ ነጺጐም ልክዕ ከምቶም ኣረመን፡ ናይ መንፈስ ኣእምሮን ክፉትነት ገይሮም እምነት ዝተቐበሉ ኩሎም ልምድታቶም ክሒዶም ክርስትና ዝተቐበሉን፡ ከምቲ ጴጥሮስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዘዘንትዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበለ ኣብ ቅድሚ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስ ንሱን መላእ ስድራ ቤቱን  ብርሃን ረኸቡ ከም ዝብሎ እዩ፥ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ንኣምላኽ ዚፈርህን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እምበር፡ ኣብኡ ኣድልዎ ከም ዘየሎ ብሓቂ ረኣኹ፡ ኣምላኽ በቲ ጐይታ ኩሉ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ኣስራኤል ሰላም እናበሰረ ዝለኣዀ ቃል እዚ እዩ፡ … (ግብረ ሓዋ. 10 ረኣ.) ክብል ዝተዛረቦ ቃል ሰመዔ፡ ኣብዚ ቃል’ዚ እቲ ኣብ ግስጋሴ ናይ እግዚኣብሔር ሓቅነት ዘሎና ርድኢት ይንጸር። ዕብየትን ምዕባለን ናይ እምነት ፍህመት።

ቀዳሞት ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን

ስነ ቅድስቲ ስላሴስን ስነ ክርስቶሳዊ ሃምነናዊ ትምህትን ንምንባር ክርስቲያናዊ ሓቂ መሰረት ንምትሓዝ ዝተኻየዱ ቀዳሞት ጉባኤ ቤተ ክርስቲያ ንሕሰብ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ግዳም ምድሓን የሎን ዝብል ውሳኔ ዘስዓቦ ክትዕን ውጥረትን ምስሕሓብን ክሳብ ኢየሱስ ጐይታ ዝብል ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር (ቅዱስነቶ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16) ክታሞም ዘንበሩሉ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን እንኰን ኵላዊ መድሕናውነትን ዝብል ውሳኔ ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን ጸጋ ብኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ዝተዓደለን ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ምስጢራዊ ምትእስሳርን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ ክሳብ ክርስቲያን ዘይኰነ ሰባት ዝበጽሕ እዩ፡ እግዚብሔር ንዅሉ ንምድሓን ናቱ መገድታት ኣለዎ። እዚ ግና እቲ ቤተ ክርስቲያን እተስተምህሮ ጠመቓዊ ትምህርቲ ድሕነት ዘማልእ እምበር ኣማራጺ እዩ ዘብሎ ኣይኰነን። 

ሃራጥቃውነትን (መናፍቕነት) ዓመጽን

ቃልሲ ጸረ ሃራጥቃውያንን ምውጋእን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዝሓስብ ምውጋእን፡ ኣብ ታሪኽ ብሓቂ ዘሕዝን ተካል ኵነት ኣብ ፈጢሩ እዩ፡ ናይ ሃይማኖታት ውግኣትን፡ ቅትለትን ውግዘትን ኵሉ፡ ቤተ ክርስትያን ጓል እዋና ብምዃና ብሱቕታ ዝረኣየቶ ድዩ ከም ይኹን ዝተቐበለቶ ከምዘሎ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ሓቅነት ዘይነበሮ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝብሃል ብዙሕ ኣሉታዊ ነገር ዘይገበረቶ ፈጺማቶ ዝበሃል ዝነበረ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንቲ ብጥልቂ ኣነጺሮምዎ እዮም፡ ኣብ 1252 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኢኖቸንዚዩስ ራብዓይ፥ Ad Extirpanda - ንምምሓው  ብዝብል ኣርእስቲ ብክታሞም ዝተመሓላለፈ ጸረ ሓራጥቀ ውሳኔን ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ኣለክሳንደር ራብዓይ ኣብ 1259 ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ራብዓይ ኣብ 1265 ዓ.ም. ዝሰዓብዎን ኣብ ልዕሊ መናፍቓውያን ማለት ሓራጥቃውያን ዝብየን ዝነበረ መግረፍትን ስቓይን ምዝካር ዝከኣል እዩ፡ እዚ ታሪኽ ንብዙሕ ለውጢ ደሪኹ እዩ።

ደረጃዊ ምስትውዓል ናይ ሕልና ናጽነት

ካብታ Mirari vos – ተገረምኩ ዘርእስታ ር.ሊ.ጳ. ጐርጐሪዮስ መበል 16 ዕለት 15 ነሓሰ 1832 ዓ.ም. ዝደረስዎ ዛዕባ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ናጻውነት ዘይቅኑዕ ጐድኑ ብምትንታን እንታይነት ናይ ሕልና ናጻነት ዘረድእ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅድሚ 200 ዓመት ዝነበረ ኩነት ዘስተውዕልን ኣመክኒዮ ምዕባለታት ብግሩም ዝገልጽ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን የቕርብ፡ ብዙሕ ናይ ተቓውሞ ኰነ ናይ ደገፍ ርእይቶታት ዘእንገደ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ፡ ትርጉም ናጽነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ መንግስቲ እንታይ ማለት ምዃኑ የመላኽት።

ብዝምዕብልን ብዝግስግስን ጠመቕ ትርምህቲ ከጓንፍ ዝኽእል ዕንቅፋት

ምዕባለ ጠመቕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከስዕቦ ዝኽእል ዕንቅፋት ዘሎ ናይ እምነት ማእከላዊ ጸገም ብሕቡእ ዘመላኽት እዩ፡ ዘይልወጥ ዘይቅየር ሕጊ ብሓደ ሸነኽ ንሰብኣዊ ፍጥረት ውሕስነት ይህብ፡ ንኽትቆጻጸር ስልጣን ይህብ፡ ካብኡ ሓሊፉ መለኰታውያን ሕግታት እውን ከም ድላይካ ንኽትጠማዝዞ ይገብር፡ ዝመሓየሽን ዝስጉምን ሕጊ ግና እቲ ኣባኻ ዝነበረ ስልጣን ካባኻ ኣሕዲጉ ንኻልእ ዝህብ ይኸውን፡ ዝለመድካዩ ምቕያር ከቢድ እዩ፡ ከም ኣብነት እቲ ኣብ መንጐ ፈሪሳውያንን ኢየሱስን ዝተኸስተ ዘይምርድዳእ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ኢየሱስ ሕያውነት ሕጊ እንክዛረብ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝቐትል ሕጊ ይዛረቡ፡ ናይ ፍቕሪ ሕጊ ካብ ኣነነት ናብ ንስኻነት ዘሰጋግር እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ናብ ዝብል ዝመርሕ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ትማልን ሎምን ጽባሕን ዘሎ እግዚኣብሔር የረጋግጽ፡ ፈሪሳያን ኣብ ዝነበረ እግዚኣብሔር ይነብሩ።

ዓርኪ ሓቂ ምዃን

ቅዱስ ጴጥሮ ምስ ኣረማውያን ዝገብሮ ዝርርብ ምልስ ቢልና ንዘክር፡ ንሱ ወናኒ ወይ ጐይታ ሓቂ ዘይኰነስ ዓርኪ ሓቂ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ፡ ንሱ ክዛረብ እንከሎ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኵሎም መንፈስ ቅዱስ ይዓርፍ፡ እቶም ዝተኸንሸቡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ነዚ ምስ ዝርእዩ ይድነቑ ነበሩ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ በቢ ቋንቋኦም ናይ ምስማዕ ጸጋ ይዕደሉ፡ ነቶም ልክዕ ከማና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠምቑ ብማይ ከይጥመቑ ዝብል መን እዩ? እግዚኣብሔር በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሉ ቀስ እናበለ ገዛእ ርእሱ ይገልጸልና፡ ክርስትና ፍቕሪ ማለት ምዃኑ ናብ ምርዳኡ የሰንየና።

ማንም ይዅን ዝሕረይ ጴጥሮስ ተጻይ ቤተ ክርስቲያን ዘይከውን እዩ፥ ሕዳሴ ኣብ ቀዳልነትን ቀጻልነት ኣብ ሕዳሴን

ኣብ መወዳእታ እምበኣር ከስ እቶም በነዲክቶስ መበል 16ን ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣንጻር ወይ ንሓድ ሕዶም ዝጻረሩ ገይሮም ንዘቕርቡ ብቐሊሉ ዕለት 27 ግንቦ 2006 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ክራኰቪያ ኣብ ቅድሚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ነቶም ብትምህርቲ እምነት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝዓበዩ መንእሰያት፡ ሕይወትኩም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲኣንን ንኽትሓንጹ ኣይትፍርሑ፡ ንጴጥሮስን ነታ ኢየሱስ ኣብ ሓላፍነት ጉስነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘረከባ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ሓበን ይሰማዓኩም! ( … ) ናይ እዋናን ጴጥሮስ ብቐረባ ዝፈለጥኩም ኢኹም፡ ኣብ ዝመጽእን ዝሕረይን ጲጥሮስ ኣብ ዝነበረን ዝሓለፈን ዘሎን ጴጥሮስ … ቀጻልነት ጴጥሮስ ኣሎ፡ ማንም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተጻይኵም ክኸውን ኣይክእል፡ … ልቡን ኣእዳዉን ሕይወትኩም ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ንኽትሓንጹ ይድግፍኹም እንክብል ብዝገለጽዎ ሓሳብ ማንም ይዅን ዝሕረይ ጴጥሮስ ተጻይ ቤተ ክርስቲያን ዘይከውን ምዃኑ ዘረጋገጽዎ ጠመቕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝምዕብል እምበር እቲ ዘሎ ንዝነበረ ዝጻረር ከምዘይኰነ ዘመላኸትዎ ቃል ምዝካር ይኣክል ።

11 August 2018, 09:58