ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ዘበአሥመራ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ዘበአሥመራ 

ብተስፋ በርትዑ: ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ብተስፋ በርትዑ – ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ደቂ-ሃገርን፤ ንዅሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ዝተጻሕፈ ነሓሰ 2004

መባእታ

1.      1. ብፍቓድ እግዚኣብሔርን፣ ብሥምረት መንበረ-ጴጥሮስን፥ ናይ’ታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጓሶት ካብ ዝኾኑ ጳጳሳት ካብ’ዛ ሃገር ተበጊሶም ኣብ ኵለን ሃገራት ናብ ዘለዉ ካቶሊካውያን ምእመናን፥  ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፥ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታናን ጸጋን ሰላምን፡ ነኣኻትኩም ይኹን (1ቆሮ.1፣ 1-2)፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ ብዝተፈላለየ ሰብ-ሰርሖ ግድላትን ማዕበላትን እናተጸፍዐ ኣብ ዚህወኸሉ እዋን፣ “ብክርስቶስ ምእማንኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለዝተሰምዐት፣ ቅድሚ ኵሉ ብዛዕባ ኵላትኩምንኣምላኽና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና፣ ከየቋረጽና ኵሉ ጊዜ ኣብ ጸሎትና ንዝክረኩም” (ሮሜ.1፣ 8-9)።

እግዚአብሔር ብዘሕደረሎም ርድኢትን ብዝሃቦም ምድራዊ በረኸትን ተሓጊዞም ናይ ዑቕባ ዕድል ዝሃቡኹም፣ ኣብ መንጎኦም እትነብሩ ሃገራትን ሕዝብታትን፣ ብፍላይ ከኣ እተን ብኃልዮት ኣምላኽን ብናይ እንተላዕለ ኲሉ ቤተክርስትያን ኃልዮትን ተደሪኸን ዚስዕባኹምን ዚጓስያኹምን ሰበኻታትውን፣ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ብመንፈስ ምስጋና ንዝክረን ኣሎና።

ንእምነት-ክርስትናን መንፈሱን ኣብ ዚፈታተን፣ ፈጺሙ’ውን ኣብ ዚነጽግ ዓለም ኮይንኩም እምነትኩም ንምሕላውን፣ በዛ እምነት ተመሪሕኩም ንምንባርን እትገብርዎ ጻዕርን ትግሃትን ተገንዚብና፥ “በታዘላትና እምነት ንሓድሕድና ምእንቲ ክንጸናናዕ” (ሮሜ.1፣ 12) ንጽሕፈልኩም ኣሎና። ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን (11፣ 1) ከምዚንገረና ድማ፥ እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከምንረኽቦ ዜረጋግጽ ብምዃኑ፣ ከምኡ’ውን “ብተስፋ ከምዝደሓንና” (ሮሜ፣ 8፣ 24) ስለእንፈልጥ፥ እስኪ ብተስፋ ንበርትዕ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኬንያን ንዚነብሩ ምእመናንና ኣብ ዝገበርናዮ ሓዋርያዊ ዑደት (ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፤ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ) ብዘዋህለልናዮ ተመክሮን ትዕዝብትን ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ (ብ3 ግንቦት 2004) ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ሮማ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ምእመናን-ስደተይናታት ዚርኢ ዝሃበቶ መምርሕን ማዕዳን ዝሓዘ ሰነድ (ኤርጋ ሚግራንተስ ካሪታስ ክርስቲ = ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ-ሰደተይናታት) ምኽንያት ብምግባር፣ በዛ ሓዋርያዊት መልእኽትና ምሳኻትኩም ክንዋሳእ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ። ናይ ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕገቀኖና ከኣ ነዚ እንገብሮ ዘሎና ብሥርዓት ዚእዝዞ እዩ።

“ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዚመጽእ፤ ኃይሊ-ኣምላኽ ኪሕልወኩም እዩ። ሽሕ’ኳ ሕጂ ንቝሩብ ግዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተኾነ፤ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም”። እዚ ከኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ ግዜ ብሓዊ ይኰላዕ እምበር በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ዋጋ ኣለዋ። ከመይ ኢየሱስ ኪግለጽ ከሎ፤ ምስጋናን ስብሓትን ከተምጽኣልኩም እያ። (1ጴጥ.1፣5-7)

1 ክፍሊ ካብ ኀልዮት-ቤተክርስትያን  ውጹኣት ኣይኮንኩምን

2.“ብምኽንያት ሃለዋቶም ኣብቲ ልሙድ ናይ ቤተክርስትያን ጕስነታዊ ኣገልግሎት ኪጥቀሙ ዘይከኣሉ፥ ካብ ኣገልግሎት ርሒቖም ዚርከቡ ኵሎም ፍሉይ ዝኾነ ተገዳስነትን ኀልዮትን ኪግበረሎምይግባእ። ከም’ዚኦም ካብ ዝበሉ ጕጅለታት፣ ብዙኃት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተንቀሳቐስቲ፣ ስደተይናታት…ይርከቡዎም” (ጉ.ቫ. 2፥ ብዛዕባ ተልእኮ፣ ኣቡናት 18)። ምእንት’ዚ ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ” ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ናይ መነባብሮን ስራሕን ዕድል ኪረኽቡ…” (ስራሕ-ወድሰብ Laborem Exercens.23) ዚንቀሳቐሱ ሰባት ሃለዋትን ኵነታትን ንቤተክርስትያን ኣዝዩ ኪግድሳ ከም ዚርከብ፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለምን ምስ ዓለምን ብዘለዋ ርክብ ዚዛረብ ናይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነድ፣ ፈላሚ ቃላቱ ንርድኦ፥”  ኣብዚ እዋን ናይ ዘለዉ ደቅሰባትብፍላይ ድማ፣ ናይ’ቶም መሳኺን ድኻታትን ብዝተፈላለየ ዓይነት ዝተወጽዑን ኵሎም ታሕጓስን ተስፋን፣ ጸበባን መከራን ኵሉ፣ ናይ’ቶም ተኸተልቲ ክርስቶስ (ናይ ቤተክርስትያን) ታሕጓስንተስፋን፣ መከራን ጸበባን’ውን እዩ። እቲ ብሓቂ ሰብኣዊ ዝኾነ ሃለዋቶም ድማ ካብ ናይ ሰዓብቲ-ክርስቶስ ኣቓልቦ ዝረሓቐ ኣይኮነን” ። (ጉባ.ቫቲ.2 ፍሥሓን ተስፋን፣ 1 Gaud. et Spes 1)።

ስለ’ዚ ከኣ ሰብኣዊ ዓቕማን መደባታን ድሩት ብምዃኑ ዝጐደለን ዚጐድልን ኣገልግሎት ኪህሉ ይኽእል’ምበር፣ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ኀልዮትን ተገዳስነትንሲ ንጹር እዩ፣ ወትሩ ከኣ ብዝተፈላለየ ደረጃ፣ እታ ዝዓበየትን ዝሰፍሐትን ቤተክርስትያን ኣብ ጉባኤ፣ ብዝበለቶን፥ ር.ሊ.ጳጳሳት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት ዜርእዩዎ ኀልዮትን ወትሩ ዚቕጽል እዩ።

ንሕና ጓሶትኩም’ውን እዚ መዝነትን ተልእኮን ከምዘሎና ብምግንዛብ፥ ነዚ ሃለዋትኩምን ኲሉ ግድላትኩምን ክንሓስብ “እቲ ብኽርስቶስ ኣባኹም ዘሎና ፍቕሪ የገድደና” (2ቆሮ.5፣ 14)። በዚ ፍቕር’ዚ ተደሪኽና፣ መዝነትና ንምፍጻም “ብተስፋ በርትዑ” ብዚብል ዘጸናንዕን ዘተባብዕን ቃላትና ንደሃየኩም ኣሎና።

ምስጋና

3.      እቲ መንፈሳዊ ናይ ጕስነትን፣ ተገዳስነትን መደብ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ውሱን ቦታታት (ሮማ፣ ሚላኖ፣ ሽቱትጋርት፣ ፍራንክፈርት፣ ዋሺንግተን፤ ቺካጎ፤ ሎሳንጀለስ፤ ሳንፍራንሲስኮ፤ ሎንደን፤ ከሰላ፤ ገዳርፍ) ብወግዒ ብቤተክርስትያንና፣ ተጀሚሩን ነዊሕ ተኻዪዱን እዩ። ብኣቡናት ኮነ ብማኅበራቶም ተላኢኾም ኣብ’ዚ ቦታታት’ዚ ንመእመናን ብሉጽ ተወፋይነቶምን ኣገልግሎቶምን ንዘወፈዩን ብሕጂ’ውን የወፍዩ ንዘለዉ ካህናትን ደናግልን ንዅሎም ማኅበራት፣ ልባዊ ምስጋናና ነቕርበሎም። ብዝበለጸን ብዝተወሃሃደን ኣገባብ ኪቕጽልዎ ከኣ ነተባብዖም ኣሎና።

      ኣብ ዚበዝሕ ቦታታትን ኲነታትን ግን ቅንአት-እምነቶም ብዝሓደሮም ተገደስቲ ኣኅዋትን ኣኃትን ተጐሳጕስኩም ኣድማዕን ዜሓጕስን ተግባራትን ዕማማትን ብምፍጻምኩም ብልቢ ነመስግን፥ ነቲ ኪርሳዕ ዘይግበኦ ጕዳይ ድሕነትን እምነትን ከይረሳዕኩም፥ ንርእስኹም ተነቓቒሕኩም ንውሉድኩም ኮነ፣ ንካልኦት ኣኅዋትኩም ኣኃትኩም ምንቅስቓስኩም፥ ነዚ ንዘኽኣለኩም ልዑል ኣምላኽና ምስጋና ይብጸሓዮ። እተን ኣብ ዓዓዱን ሃሃገሩን ዘለዋ ቊምስናታት፣ ሰበኻታት፣ ካህናት ኲሎም’ውን ብወግዓዊ ደረጃ ኮነ በብውልቂ ኪሕግዙኹምን ኪግደሱልኩምን ዝተረኽቡ’ውን ነመስግኖም።

እዚ ዅሉ ዝሓለፈ በረኸትን፣ ናይ ኣምላኽ ረድኤትን ክንሓስብ ከሎና “ጐይታ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ” (ሉቃ.1፣ 49) ዚብል ቃል፣ ኣብ ኣፍና የድምጽ። ምእንት’ዚ በረኸት’ዚ ከኣ ንጐይታ ነመስግኖ ንዝምረሉውን። ብዝሓለፈ ጸጋን በረኸትን ክንእመን ከሎና ንሕጅን ንዚመጽእን ኣበርቲዕና ከም ንሰርሕ ቃል ነኣቱ ኣሎና ማለት እዩ።

ኣብ’ቲ ብስደት እትነብሩሉ ሃገር፥ መንነትኩምን መንፈስ-እምነትኩምን ንምሕላው፥  ብድሕሪት ንዝሓደግኩምዎ ኣብ ጸገማት ንዚርከብ ኅብረተሰብኩምን፣ ስድራቤትኩምን ንምርዳእን ንምሕጋዝን ብእተርእይዎ ንጥፈትን ተገዳስነትን፣ እቲ ንመላእ ሰብኣዊ ሕንጸትን ብስለትን ዚርኢ ናይ ኣቦታትን ኣዴታትኩምን፣ ናይ’ቲ መሠረታዊ መዕበያኹምን መሥመር ንምሕላውን ናብ ውሉድኩም ንምምሕልላፍን …ብእትገብሩዎ ትግሃትን ጻዕርን፣ ተደኒቕና ልባዊ ምስጋና ነቕርበልኩም ኣሎና።

4.      ቅድሚ ኃያሎይ ዓመታት፣ ኣብ’ዛ ዓባይ ከተማና (ኣሥመራ) ኣብ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶይ ቍምስና ብዝተገብረ መጽናዕታዊ ግምት (ብ1978) ክልተ-ሢሶ ካብ ኣባላታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዘለዉ ውሉዶምን ኣባላት ቤተሰቦምን ዚናበሩን፣ ዚጥወሩን ምዃኖም ዜርኢ ነበረ፥ ናይ መላእ ሃገር ነጸብራቕ ኪበሃል ዚከኣል እዩ። እዚ ናይ ኀልዮትን ሓድሕዳዊ ረድኤትን ዝንባሌ፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ፥ ፍቕሪ ብጻይ ዚገልጽ፥ መንፈስ-ክርስትና ዜረጋግጽ፣ ቀንዲ ማኅበረ-ሰባዊ መልክዕና ኮይኑ ምርካቡ፣ እቲ ባህልናን ኣተሓሳስባናን መጠን ክንደይ ብክርስትያናዊ መንፈስ ከምዝተሓንጸን ዝተዀስኰሰን ዜርኢ እዩ።

ብዙኃት ካባኻትኩም ኪብሉና ከም ዝሰማዕናዮ፥ ካብ’ቲ ፍረ ረሃጽኩምን፣ ኣዝዩ ድሩት ዝኾነ ዓቕምኹምን መቒልኩም፣ ንሃገርኩምን ኅብረተሰብኩምን ስድራቤትኩምን ብምሕጋዝኩምን ነዚ ንምግባር ድልየትን ተገዳስነትን ብምርኣይኩም፣ እቶም ኣብ ናይ ዕለታዊ ናብራ ጸገማት ኣብ ጐድንኹም ዚቃለሱን ዚጐዩን ምዕራባውያን ኣዝዮም ከምዚግረሙን፣ እዚ ኣተናኹም’ውን ንኺርድእዎ ከምዚጽግሞምን ዘመልክት እዩ። እዚ እንታይ የርእየና? እቲ ናተይ ንርእሰይ ጥራይ፣ “ካብ ወደይ ከብደይ” ነኣይ፣ ጥራሕ ይጥዓመኒ…ዚብል መንፈስ-ክርስትና ዝረሓቖ ምዕራባዊ መንፈስን ዝንባሌን ብግብራዊ ኣገባብ ከምዝነጸግኩምዎ፤ እዚ መንፈስ’ዚ ንዚኽተሉ ወገናት ከኣ፤ ናይ ኅሊና ስክፍታን ወቐሳን ከምዘሕደርኩምሎም ግልጺ እዩ። “ኣቱም ፍቑራተይ፣ ኣጋይሽን ስደተይናታትን …ንሠናይ ግብርኹም ርእዮም በታመዓልቲ ፍርዲ፣ ንኣምላኽ ምእንቲ ከመስግንዎ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” (1ጴጥ.2፣ 11-12) ንዚብል ለበዋ-ኣቦኹም ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ ኢኹም ዝፈጸምኩም። ”ኣምላኽና ከኣድሌትኩም ዘበለ ኵሉ ከም መጠን ሃብቱ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገቢሩ ብኽብሪ ኪመልኣኩም እዩ” (ፊልጵ.4፣ 19)። ”ብዛዕባታ ኣብ ልብኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓተኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲክትክእሉስ ኲሉሳዕ ድሉዋት ኩኑ። ግናኸ ብለውሃት ግበሩዎ” (1ጴጥ.3፣ 15)፥ ብተስፋ ከኣ በርትዑ።

መበቈልኩም ምስ ዝኾነት ሃገርኩም ንዘሎኩም ምትእስሳር፥ ብዚከኣል ብዝተፈላለየ መደብ ክትቅጽልዎን፣ ናይ መን ምዃንኩም ክትገልጹን ምጽዓርኩም ዚድነቕ እዩ። ክንየ’ውቲ እተበርክትዎ ግዙፍ ሓገዝን ረድኤትን፣ እቲ ጕዳይ “መንነትን” ዓሚቝ ስምዒትን፣ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን፣ ኣብ ጸበባን ጸገምን፣ …ኵሉ እትገብሩዎ ሱታፌ፣ ብኣካልን ብዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽታት ዚፍጸም ሓድሕዳዊ ርክብ ዓይነተይና ኣብነት እዩ።

ማኅበራዊ መልክዕ ዝዓዘዞ ናይ ሥነ-ምግባር ሕይወትን መደባትን ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ዝድላየይ እፈጽም፣ ሰብ ዝበለ ይበል፣ …ወዘተ ካብ ዚብል ውልቀ-ስምዒት ወጺእና፣ ዝኸማይ ሰብ እንታይ ይብለኒ፣ ኃወይ ኃውተይ…እንታይ ኪብሉኒ እዮም? ዚብል መንፈስ ስክፍታን ጥንቃቐን፣ ኃባራዊ ጕዕዞን ዘመልክቶ፥ ንሕይወትን ንብረትን ትርጕም ዚህቦ እዩ። እዚ ኵሉ ብቐሊሉ ዚፍጸም ከምዘይኮነ፣ ሓያል ጻዕርን ትብዓትን ዚሓትት ምዃኑ ግልጺ እዩ። ምስ’ቲ ከቢቡካ ዘሎ “ከይብሉኒ” ካብ ዚብል ስኽፍታ ወጺኡ፣ ደስ ንዝበሎ ዚፍጽምን ዚኽተልን ባህልን ኣተሓሳስባን ብርቱዕ ቃልሲ ከም’ተካይዱ ከኣ መንም ዘስተውዕሎ እዩ።

ሃለዋት ስደት             

5.      ስደተይና ዚበሃል፣ እቲ ዓዱን ዓውዱን ሓዲጉ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዓድ-ጓና ኪሰፍር ዝመረጸ ወይ ኪመርጽ ዝተገደደ እዩ፥ ገሊኡ ብፖሊቲካዊ ኲነታት፣ ገለ ብስራሕ ብትምህርቲ ብምርምር…ወዘተ..። ናይ ውልቀሰባት፣ ስድራቤታት፣ ሕዝብታት ምንቅስቓስን፣ ናብ ዓድኻ ምምላስን፣ ካብ ጥንቲ ብጥቅምቲ ኣብ ኅብረተሰብ ብዝጸንሐ፣ ኣብ ናይ ድኅነትና ቅዱስ ታሪኽ’ውን፥ ኣብቲ ናይ ደቂ-ያዕቆብ ናብ ግብፂ ምኻድን፣ ካብኡ ምምላስን ናይ ስደት-ባቢሎን ኵነታትን፥ ክሳብ ናይ’ታ ቅድስቲ ስድራ ሃለዋት…ኵሉ ከይተረፈ ዚግለጽ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ናብራ-ስደት ብናይ ምእመናን ምድራዊ ጕዕዞ ዚምሰል ኮይኑ ተረኺቡ።

ናይ ውድብ ኅቡራት ሃገራት ጸብጻባት ከምዜመልክቶ፣ ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ኣኀዝ ስደተይናታት ዓለም ካብ 75 ሚልዮን ናብ 125 ሚልዮን ኪድይብ ተረኺቡ። ስለዚ ከኣ ሓዲሽ ተርእዮ ኮይኑ ዳርጋ ንዅለን ሃገራት ዓለም ዚትንክፍ ጕዳይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዘጋጥም ምምዝባል፣ ዶብ ሰጊርካ ምግዓዝ፣ ብሕግን ብዘይሕግን ምንቅስቓስ ብዝተፈላለየ ጸገማትን ምኽንያታትን ዝተደረኸ ኵነት እዩ።

ናብ ርእስና ማለት፣ ናብ ሃገርናን ሕዝብናን ክንጥምት ከሎና ድማ፣ እዚ ተርእዮ’ዚ ብፍላይ እዚ ናይ ስግር-ባሕሪ ስደት፥ ኣብ ዛንታ ኣቦታትን ኣቦሓጐታትን ዘይጸንሓና፣ ዘይሰማዕናዮ፣ ኣብ’ዘን ናይ መወዳእታ 40 ዓመታት ዝተኸሥተ ነቲ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ጸገማትን ስዒቡዎ ዝመጸ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን ሃለዋት ተኸቲሉ ዝተበጋገሰን፤ ቀጺሉ ዝተንቀሳቐሰን ምዃኑ እዩ።

ካብ’ቲ ገሊኡ ናይ ስደት ኣወንታዊ ውጽኢታቱ ንምዝካር-ሕዝብታት ኪፋለጡ ዕድል ይህብ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን፣ ንብረትን ከኣ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ናይ ተዋስኦ (ዲያሎግ) መንፈስ ይምዕብል። ናብ ሥምረትን ኅብረትን ከኣ ይመርሕ። ስደት ብመንፅር ዝተፈላለየ ሥልጣኔታት ኪረአ ከሎ መምጽኢ ሃብትን በርከትን እውን እዩ። ብኻልእ ወገናት ድማ ስደተይናታትን ተቐበልትን (ደቀባት) ተኸባቢሮም ተፋቒሮም ተጸዋዊሮም ኺነብሩ ከምዚኽእሉ ዘረጋግጹሉ ዕድል ወይ ቤት ትምህርቲ’ውን እዩ።

ጸገማት ስደትን ሳዕቤናቱን

6.      ናብራ-ስደት ከይፈቶኻ ዚምረጽ ምዃኑ፤ ካብ ቤትካን ስድራቤትካን ወጺእካ ብዘይትፈልጦ መንገድን ኣገባብን፣ ናብ ዘይትፈልጦ ዓድን መደብን ምብጋስ ዘምጽኦ ጥርጥርን ስግኣትን ፈተናታትን፣ ክንየው’ቲ ግዙፍ ጸገማትን ድኻማትን ዘስዕቦ ናይ ኅሊና ነውጽን ተርባጽን…ስነልቦናዊ ሃለዋቱ መሪር እዩ። ነፍስወከፍ ካባኹም በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ስለዝኾነ ብዛዕባ’ዚ ነናቱ ዚብሎን ዜዘንትዎን ጽዋ ከምዘለዎ ግልጺ እዩ። ኣብ ዓዲጓና ሰሪሕካ ርሂጽካ፣ ካብ ባዶ ተበጊስካ ሕይወትካ፣ ሕይወት ስድራቤትካ ክትሓንጽ ላዕልን ታሕትን ምባል፤ መጠን ክንደይ ዚኣክል፣ መንፈሳውን ሥነልቦናውን ድኻም፣ ጽምዋ… ከምዘለዎ ኣይከሓድን፣

ኣብ ገሊኡ’ውን ብሰንኪ’ቲ ጽንኩርን ዘይንጹርን ዝኾነ ጕዕዞ-ስደት፣ ብቑዕ ዝኾነ ሰነዳትን፣ ናይ መንበሪ ፍቓዳትን ብዘይምርካብ ዚመጽእ ሰንፈላል ዝዓብለሎ ኣካይዳ፤ ብምኽንያት ሰነዳትካን ናይ መንበሪ ፍቓዳትካን፤ ብሰንኪ ዋሕዲ-ትምህርትኻን ተመክሮኻን፣ ኣብ ዝተሓተን ዝጸገመን ሃለዋት-ስራሕ ተዋፊርካ ምስራሕ ብኅሊና ዘይተዓግበሉ፤ ብጥዕና እትጕደኣሉ ሃለዋት ዜጓንፍ እዩ።

ሞራልን፥ ሰብኣዊ ሕይወትን

7.      ድልዱል ስድራቤት ዝዓንድማእከሉ፣ ኣብ ፍርሃት-እግዚኣብሔር ዝተመርኰሰ፣ ኣብ ፍቕርን ክብርን ወድሰብ ዝተሓንጸ ኅብረተሰብ ዓቢኻን ተዀስኵስካን፤ ካብ’ዚ ድልዱል መዕበያ ዝተቐበልካሉ ወጺእካ፥ ኣብ ዓድ-ጓና ዓዲ-ስደት ምንባር ማለት፥ ካብ ባሕሪ ወጺኡ ናይ ዚነብር ዓሣ ሕይወት ኪመስል፤ ምእንት’ዚ ከኣ ናይ ሞት፣ ናይ ሕየት ቃልሲ ከካይድ ንቡር ይኸውን። ልዕሊ ኵሉ ድማ እዚ ቃልስ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ሃለዋትን ኣብ ናይ ኅሊና ኵነታትን ዜጋጥም እዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ግዙፍ ናይ ዕለታዊ ሕይወት መነባብሮ ይንጸባረቕ። ነቲ ዝዓበኻሉ መምርሒ ሕይወትን መደብ ሰብኣውነትን ተኸቲልካዶ ምኻድ የሓይሽ? ወይስ ንከባቢኻ ምምሳል? ከም’ታ እናናሳዕ መልክዓ እትለዋውጥ ነፋሒቶ ምስ ከባቢኻ ምልውዋጥዶ ወይስ ነታ ዝነበረትካ ከይለወጥካ ምዕቃብ? ኣብ ዓደይ ኣብ መንጎ ስድራቤተይ ዘይምገበርክዎ፣ ኣብ’ዚኸ ክገብሮ ኅሊናይ የፍቅዶዶ? እዝን ካልእ ዚመስሎ ውሽጣውን ግዳማውን ክትዓት ጸዊርካ ዚኽየደሉ እዩ።

8.      ብመንፈሳውን ባህላውን ማኅበራውን መዳያት፣ እቲ ስደተይና ንዝነበሮን ሒዝዎ ንዝመጽአን፣ ነቲ ኣብ ዓዲ-ስደቱ ዘጓንፎ መነባብሮን ብደረጃ ስነሓሳብ ይኹን ብተግባር ብኸመይ የላፍኖ? ክሳብ መጠን ክንደይ የወሃህዶ? ጨሪሽካ ናትካ ገዲፍካ ኣብ ናይ’ቲ ዘኣንግደካ ሕዝብን ዓድን ኵነታት ምስጣም ዘምጽኦ ጸገማትን ናይ መንነት ቅልውላዋትን ፈጺምካ ማዕጾኻ ብምዕጻው ኣይርኢ ኣይሰምዕ ኢልካ፤ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከብ ዝኾነ ናይ “ዲያሎግ” (ተዋስኦ)፤ ናይ ምሃብ ምቕባል መደብ ዘይተካይደሉ ዕሙት ኣገባብከ ኣበይ ከብጽሕ እዩ?… ስለ’ዚ እቲ ሕይወት ብቐሊል ዘይግመት፣ ዚርአን ዘይርአን ጸገማት ተጻዊሩ ሰጊሩ ዚካየድ ብርቱዕ ሕይወት እዩ።

      ምስዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት፣ ዘጋጥም ናይ ዕድመን ኣተሓሳስባን ፍልልይ፥ ነቲ ምዕራባዊ ሥልጣኔን ቅዲ-ሕይወትን ምስቲ ዝጸንሓካ ልምድን መንገድን ኣወሃሂድካ ካብ ዘይምኽኣልን ዚመጽእ፥ ቀሊል ዘይኮነ ግርጭታት ከይዘከርናዮ ኣይንሓልፍን። ብሰንክ’ዚ ክንደይ ሓዳር ዘይተበተነ! ኣብ ክንደይ ወለድን ውሉድን ዘይምርድዳእ ዘይተፈጥረ!!

ኣብ እዋን ስደት ዚህሰዩ ወገናት፥

ሥድራቤት

9.      ኣብ ሃለዋት-ስደት እቲ ብዝለዓለ ደረጃ፤ ውሽጣውን ግዳማውን፤ ግዙፍን መንፈሳውን ጸገማት ዚቕበል ስድራቤት እዩ። በዓልኪዳን ካብ በዓልቲ-ኪዳኑ፣ በዓልቲኪዳን ካብ በዓልኪዳና፣ ወላዲ ካብ ውሉዱ፥ ወለድን ውሉድን ዚፈላለዩሉ ኵነታት ዜስዕብ እዩ፥ እዚ ጽምዋን ተነጽሎን ንርእሱ ዜምጽኦ ጠንቂ ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ሓድነት ስድራቤት፣ ሓድነት ኪዳናዊ ሕይወት ዚህሰየሉን ዚቘስለሉን ሃለዋት ይኸውን። እዚ ጸገም’ዚ ከኣ ኣብ’ቲ ናብ ሕይወት-ስደት ገጽካ እትገብሮ ጕዕዞ ስድራቤት ክሳብ እትተኣኻኸብ ዚርአ እንኪኸውን፥ ድሕሪ ምትእኽኻብ’ውን ሰሪሕካ ንኽትነብር ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፣ ናይ ሰዓታት ስራሕን ዕረፍትን ዘይምግጥጣም ብዘምጽኦ ጸገማት ከይተራኸብካን፣ ፍቕርን ሓድነትን ከየስተማቐርካን ከይጸገብካን ዚንበረሉ ሕይወት ይኸውን። ተነጽሎን ጽምዋን፣ ካልእ ናይ ማኅበራዊ ሃለዋት ጽልዋን፣ ብዘምጸኦ ተጽዕኖውን ሓድነት-ኪዳንን ስድራቤትን ኣብ ጠንቂ ኣብ ዚወድቀሉ ኵነታት፣ -ኣብ መንጎ ሰበኺዳን ፍትሕ፣ ኣብ ወለድን ውሉድን ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ዘይምውህሃድን፥ ከም ሳዕቤኑ ሓሺሽ፣ ቈጽለመጽሊ ኣልኮሆል ካልእ ዚመስሎ ነገራትን የስዕብ።  ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዕጫ-ስደት ዝጠዓሙ ደጊም ናብ ሽምግልና ገጾም ዚገማገሙ ወገናትና ከምዘለዉ’ውን ፍሉጥ እዩ። ድኻምን እርጋንን ዜንጸላልዎም፥ ዚጽበዮም ዘሎ ጽምዋን ተነጽሎን’ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ይርደኣና። ናብ’ቲ መበቈሎምን መዘናታቶም ዚረኽቡሉን ዓዶም ከመዓድዉ ከኣ ንቡር እዩ። ኣብ’ዚ ኲነት’ዚ ዚርከብ ናብ’ቲ ልቡ ኪዓልበሉን፣ ረሓት ኪረኽበሉን ዚኽእል ንዓዱ፣ ንምምላስ ትብዓት ኬሕድር ጽቡቕ ምኾነ።

ደቀንስትዮ

10.  ናይ’ዚ ዅሉ ጸገማት ኣውራ ተሸከምትን፣ ሥነልቦናውን ግዙፍን ድኻምን ጸገምን ጸወርትን ግና ደቀንስትዮ እየን። ኣርዑት-ስደት ኣውራ ዚኸብደሉ ከኣ ኣብ ዝባን ጓለንስተይቲ እዩ። እዚኣተን ከኣ እተን ኣብ ሥሩዕ ኪዳናዊ ሕይወት ዝተጸምዳ ብመጠኑ፤ ኣውራ ግን እተን ኣብ ሥሩዕ ናብራ-ሓዳር ዘይተጸምዳ፤ ብውልቀን ኮይነን ሰሪሔን ኪነብራ ዚጽዕራ፤ ሓዳር ፈቲነን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ኪዳናዊ ጕዕዞ ዘይሠመረ ኮይኑ ብውልቀን ሕይወተንን ሕይወት ደቀንን ኪመርሓ ዚቃለሳ፤ እተን ካብ ኪዳን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ውላድ በጺሐን፤ ሕጂ ውሉደን በይነን ዜዕብያ ..እዚኣተን ኵለን ሰሪሔን መነባበሪኤን ኪሕዛን ከመሓይሻን ዚቃለሳ፤ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዕማም ዚፍጽማ እየን። እተን ኣብ ሓዳርን ንቡርን ከይበጸሓ፤ ንውልቀን ዚነብራ ዘለዋ፥ እዚኣተን’ውን ኣብ ከመይ ዝበለ ጽምዋ ከምዚነብራ፥ ኣውራ ድማ ንዚመጽእ ዝኸበደ ከምዜጓንፈን ብሕጂኡ ዚፍለጥ እዩ። ነዚ ዅሉ ኪፍውሶ ዚኽእል፥ ሓድሕዳዊ መንፈስ ምርድዳእን፣ ምትሕግጋዝን (solidarity) ዜማዕብል፥ ነቲ ናይ ኣዴታትና ልምዲ ዝተኸተለ ናይ ናእሽቱ ማኅበራት ምጥርናፍ ኪዝውተር ጽቡቕ ምኾነ፥ ልዕሊ ዅሉ ግን፥ ኣብ’ቲ ሓደ ኣምላኽን ኣብ’ቲ ንሱ ዝለኣኾ መድኃኒና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽጋዕ እዩ። ኣብኡ ዘሎና እምነት ኣደልዲልና፣ ብፍቕሪ-ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን በሲልና፣ ብተስፋ ንበርትዕ።    ንዅሉ ብዓይኒ ወርቅን ጨርቅን፤ ብዓይኒ ገንዘብን ርካብን ጥራሕ ዚመዝን፤ ብግዳማዊ ናጽነትን ግዙፍ ምንቅስቓሳትን ጥራሕ ዚጥምት’ምበር፤ ንውሽጣዊ ናይ መንፈስ ምልኣትን ናይ ጓለንስተይቲ ግርማ-ሞገስን ኣብ ግምት ዘየእቱ፤ ብሕይወታን ክብረታን ዚንግድ ምዕራባዊ ዓለም፥ ንኣዋልድናን ኣኀትናን ኣብ’ዚ ሃለዋት’ዚ ምንባር፣ መጠን ክንደይ ጽንኩርን ንመደብ ኅሊና ዚትንክፍን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለውን ወትሩ ኅልናና ከይሸጥና መንነትና ከይለወጥና፣ በታ መስመር እምነትን፥ ናይ ኣቦታትን ኣደታትን መዕበያን ተኸቲልና ምኻድ እዩ ዜዋጽኣና። ንግዜያዊ ባህታን ደስታን ክንብል ነቲ ክብረትና መንነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነውርዶ የብልናን።

መንእሰያት

11.  ከምኡ’ውን እቶም ብሕፃናቶም ካብ ዓደቦኦም ወጺኦም፣ ወይ ከኣ ኣብኡ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት፤ ብደምን ትውልድን ናይ መበቈል ዓዶም፣ ብመዕበያን ልምድን ከኣ ናይ’ቲ ከባቢኦም ኮይኑ ዚስምዖም፤ ሓዲግ ኮይኖም ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉ፣ ርኡይ እዩ፥ እቲ ኣዝዩ ዜሰክፍ ድማ ዚበዝሕ ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ኣኀዙ ወገን መንእሰይ ዚዛይደሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ዓበይቲ ሕቶታትን ግድላትን የስዕብ። መንእሰያትና ናብ’ቲ ግልጽን ርጉጽን ዘይኮነ መጻኢ ኲነታቶም ገጾም ኪሰጋገሩ ከለዉስ ዚኣክል መበገስን መቃለስን፤ ትምህርትን ተመክሮን ደኾን ኣጥርዮም ይኾኑ? ርእሶም ክኢሎም ኪጐዓዙ ዘኽእሎም ተስፋ ኣሎዶ? ዚብል ስክፍታታት ዚሕድረልካ እዩ።   በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት ዚኣክል ኣብ ቅብጸትን ምዕራብ-ንያትን በጺሖም፤ ናብ ሓሺሽን ቈጽለመጽልን፤ ዝገደደ ከኣ ናብ ቅትለት-ርእሲ ዚዝንብሉ ከምዘለዉ’ውን ምልክታቱ ዘርኣየ እዩ። በዚ ጸገማት’ዚ ዚህወኹ ስድራቤታት ከምዘለዉ ርዱእ እዩ። ነዚ ፈውሱ እንታይ እዩ?፣ ኣብ መንፈስ ክርስትናን እምነትን ዝተመርኰሰ መደባት ኣብ ዚካየደሉ ማእከላት ምዝንባል፥ ከምኡ’ውን ምስ መበቈል ዓዶም ብዚግበር ርክብ ገለ ፈዋሲ ዝኾነ መድረኽ ኪፍጠር ይከኣል ይኸውን ንብል።

2 ክፍሊ ብተስፋ በርትዑ፣

ውርሻኹም ዓቅቡ

12.  ኣብ ሕገቀኖና ምሥራቓውያን (ቀኖና፣ ቍ. 27/28/148) ከምዜመልክቶ እቲ ናይ ምሥራቃውያን ሥርዐተ ኣምልኾ ናይ ኲላ ቤተክርስትያን ክቡር ሃብትን ርስትን ስለዝኾነ ብዚግባእ ኪሕሎ የማሕጽን። ንምሕላው’ውን ዜድሊ መምርሕታት ኣለዎ (ቀኖና፣ ቍ.  39/40/41/150) ከምኡ’ውን ኲሎም ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን (ጳጳሳት ካህናት….ናይ’ታ ዘለዉዋ ቤተክርስትያን) ኣብ ሰበኻኦም ንዚርከቡ ካልእ ሥርዓት ዝመበቈሎም ምእመናን ዜድሊ ምትሕብባርን ሓልዮትን ኪግበረሎም የማሕጽን፥ ዳርጋውን ይእዝዝ (192/1)። ክርስትያናዊ ሥርዓታቶም ንኪሕልዉ ዜኽእሎም ኲሉ ኪሕለየሎም (193/1)፥ ብዚከኣል ከኣ ካህናት መዲብካ ኪግበር ከምዚግባእ የማሕጽን። (193/2) እዚ ብወገን ቤተክርስትያን ካብ ተአመመ፥ ብወገን ምእመናን ድማ ከምኡ ነቲ ዘሎካ ሃብቲ ኣብ ምዕቃብን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኣብ ምምሕልላፍን ዝተመርኰሰ ጻዕሪ ኪካየድ ይግባእ። ምእመናን ኣብ ዘለዉ ኣልዮም ኪጥርነፉ ከለዉ፥ ነዚ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን መምርሒ ዚፈልጡ ወገናት ቤተክርስትያን ድማ ኣብ ኲሉ ግቡእኩምን ሥርዓትኩምን ንክትሕልዉን ንኽትስዕቡን ዜድሊ ምትሕብባር ከም ዚገብሩልኩም ጥርጥር የለን።

ትምህርተ ክርስትና

13.  ኣብ ዘሎኹም ሃሊኹም፥ ኣብ ኲሉ ነቲ ናይ ትምህርተ-ክርስትና መደብ ንርእስኹምን ንደቅኹምን በብዜድሊ ክትግደሱሉ ሓደራ ንብል። እዚ ነኣና ናይ ሕይወትና ክፍሊ እዩ። ናይ መንነትና መግለጺ እዩ። ኪዳንና ንከነጽንዕ፥ ፍርሃት-እግዚኣብሔርን ኣኽብሮ-ሰብን ኪሰርጸና፥ ምሳና’ውን ከሰንየና እንተኾይኑ ኣብ ድልዱል መሠረት ትምህርተ-ክርስትና ክንሕነጽ ይግባእ። ኣብ ሕይወትና’ውን ብተግባር ዚንበር ናይ መንፈስ ክርስትና መንገድን ጠባይን ክንክተል የድሊ። ”ክርስትና ናይ ዚመጽእ ዓለም እምበር፤ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ መጋበሪ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፥ ስለ’ዚ ኣብ ጕዕዞ’ዚ ዓለም’ዚክትዕወት ንመደብ ክርስትናን ትምህርቱን እንተዘይተገደስካሉ የሓይሽ”፣ ዚብል ዝንባሌ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብግልጺ ከይሓፈሩ ዚብልዎ እዩ። ክርስትና ግን ተፃይ ቅኑዕ ኣእምሮኣዊ መምርሒ ኣይኮነን፥ ምእንት’ዚ ከኣ እቲ ቅኑዕ ኣረኣእያኡ ንቅኑዕ መደብ ሥልጣኔ የሰጕም እምበር ኣየዓግትን እዩ። ርግጽ እዩ፥ መንፈስ ክርስትና ሒዝካ ምክያድ ፃዕርን ትብዓትን ቈራጽነትን የሓትት እዩ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ ከኣ ዓበይቲ ተግባራት ዚፍጸም፣ ትግሃት ቈራጽነት ምስ ሓዝካ ጥራሕ እዩ።  ስለ’ዚ ነቲ ግቡእን ብቑዕን ናይ ክርስትናዊ ሕይወት ሥነምግባርን መደብ ሕይወትን ብዚግባእ ክትስዕብዎ ሓደራ። ኣብ ብሉይኪዳን ናይ ዚርከብ፣ ናይ ጦቢት ታሪኽ ዘክሩ። ኣብ ዓዲጓና ኣብ መንጎ ኣረማዊ ሕዝቢ ኮይኑ፣ ነቲ ናይ ኣቦታቱ ቅኑዕ መሥመርን (ጦቢ.1፣ 17-21) ነቲ ናይ ሕጊ-እግዚኣብሔር መሠረታትን ከይሓደገ፣ እኳ ደኣ በኣኡ ክሳብ ዚልለ ዝሰዓቦን፤ ብዚግባእ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎን እዩ። ንጥሙያት ኪዕንግል (ጦቢ.2፣ 1-14) ሕሙማት ኪበጽሕ ንምዉታን ኪቐብር፣ ንዝሓዘኑ ከጸናንዕ… ነቲ ግዙፍን መንፈሳውን ናይ ምሕረት ስራሓት ኪፍጽም ተረኽበ። ጦቢት፣ ዝተኸተሎ ሕይወት፥ ካብ ዓዱን፣ ዓውዱን ናይ ዝተፈልየ ሰብ ኣተና ዜንጸባርቕ እዩ። ንሱ ኣብ’ቲ ዝተሰደደሉ ሃገር ኮይኑ’ውን ሕጊ-ሃይማኖቱን መምርሒ እምነቱን ፈጸመ። በዚ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ሰባት ኣብነትን ኣርኣያን ኮነ። ምእንት’ዚ ድማ ወለዲ ኣብ መደብ ትምህርተ ክርስትና ንደቅኹም ኣብነት ኩንዎም። ገሌኹም’ኳ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እሞ ብሕፃናትኩም ብዝተመሃርኩምዎ ጥራሕ ኢኹም እትናበሩ ዘሎኹምሞ፥ ዳግም ክትምለስዎን፣ ከተሓድሱዎ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነዚ ዚሕግዘኩም መደባት ሃሰስ ክትብሉ ነዘኻኽረኩም። ንዚደሊ ድማ ኲሉ ይከኣል እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ኲልና ሕፃናት ብምዃንና፥ ንደቅና መሪሕና እንተተመሃርና’ውን የመልክዕ’ምበር ኣየኽፍእን እዩ። ንመንግሥቲ ኣምላኽ’ውን “ከም ሕፃናት ኮይንና” (ማቴ.19፣ 13–15፥ ማር.10፣ 14–16፥ ሉቃ.18፣ 15–1) ና ክንወርሳ እንኽእል።

ቃል ኣምላኽ ብርሃን-ሕይወትና

14.  ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ካብ ዘሎ ዝበለጸን ዝተመርጸን ጽሑፋት እቲ ቃል-ኣምላኽ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። ኣብኡ ጥበብን ልቦናን፤ ምሕረትን ናይ ፍቕሪ መቐረትን፤ ናይ ሕይወት ዕላማን እንታይነትን፣ ዜደንቕ ትምህርትን ኣብነትን ይርከብ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንናይ ወድሰብ ጕዕዞ ዚኸውን መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣብኡ ይርከብ። ስለዚ ኣብ መንጎቲ ሰፊሕ ምንቅስቓስኩምን እፎይታ ዘይህብ ጻዕርኹምን ንቃል-ኣምላኽ ጽን እትብልሉ ግዜን ኣጋጣምን ምድላይ ግቡእ እዩ። ነዚ ዚሕግዝ መደባትን መጋበርታትን ኣብ’ቲ ዘሎኹምዎ ዓድን ብናይ’ቲ ቦታ ቋንቋታት ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፥ ኣብዚ’ውን እንተኾነ በብዓይነቱ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ስለዘይሰኣን፥ ንዕረፍትን ቤተሰብ ንምብጻሕን ክትመጽኡ ከሎኹም ንመንፈሳዊ ጕዕዞኹም ብዚሕግዝ ነገራትን፥ እምነትኩምን፣ መንፈሳውነትኩምን ብዚሕደሰሉ መደባትን ክትግደሱ ይግባእ። ብርሃንኩም ኣይተጥፍኡ፥ ብተስፋ ከኣ በርትዑ። “ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኮይንኩም ኣብርሁ” (ፊልጵ.2፣15)፤ “ሓቂ ዘበለ፤ ርዝነት ዘለዎ ኵሉ፤ ቅኑዕ ዘበለ፤ ንጹሕ ዘበለ፤ ተፈታዊ ዘበለ፤ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኵሉ….ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ሕሰቡ” (ፊልጵ.4፣8)

ሥርዓተ ኣምልኾ (መግቢ ሕይወት) እዩ

15.  ኣብ ዝኸድካ ከይድካ ነቲ ዘይርሳዕ ከይትርስዕ ፃዕሪ የድሊ፥ ምስ ኣምላኽካ ዘሎካ ርክብ። ሰብ ብግዜያዊ ሃብትን ምቾትን ኪተዓሻሾ ኣይክእልን ልቢ ወድሰብ ከኣ ኣብቲ ዕላማኡ ዝኾነ ኣምላኽ እንተዘይኣዕሪፉ ቅሳነት ዚበሃል፣ ህድአት ዚበሃል ኣይምረኸበን። ከመይ መዕለቢኡ ንሱ እዩ። ስለዚ መዕለቢና ከይጠፍኣና ምጥንቃቕ። ነዚ ምስ ኣምላኽና እንገብሮ ቀጻሊ ርክብ እንፍጽሞ ኣብ ሥርዓተኣምልኾ እዩ። ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ-ዓለም ብዛዕባ ኑዛዜን መደብ ንስሓን ወይ ቊሩብ፥ ወይ ከኣ ፈጺሙ ዘይዝረበሉ ኲነታት እዩ ተኸሢቱ ዘሎ። እንተኾነ ግን ብጽምዋ ዝተበልዑ ደቅኣዳም፥ ነቶም ብብዙሕን ከቢድን ናይ ሕይወት ፈተናታት ዝተኸበቡ ሰባት፣ ቍሩብ ተስፋ እንተልያቶም ንሳ “ኑዛዜ” እያ። ነዚ እቶም ናይ ዘመናዊ ሥነፍልጠት-ሥነልቦና “ሳይኮሎጂ” መምህራን እውን ዘረጋግጽዎ እዩ። ብንስሓ ዝተወልደትን ኣብ መደብ ንስሓ ዝዓበየትን ሕይወትኩም በሓቂ ደልዲላ፣ ኣብ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ጐደናታት ሃዲኣ ክትጐዓዝ እንተኾይኑ  “ዝደኸምኩምን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ፥ ኣነከዕርፈኩም” (ማቴ.11፣ 28) ናብ ዝበለ ኢየሱስ ናብኡ ንምጻእ። መንገድና ርሑቕን ጽንኩርን ምዃኑ ፈሊጥና ከኣ፥ “ነዊሕ መንገዲ ኣሎካ’ሞ ተንሢእካ ብላዕ” (1ነገሥ.19፣ 7) ንዚብለና መልኣኽ-እግዚኣብሔር ሰሚዕና፥ ካብ’ቲ ኃይሊ ዚህበና፣ ንያት ዝኾነና ናይ ሥጋኡን ደሙን መግቢ-ሕይወት ንምርካብ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሳተፍ። ነዚ ንምግባር ከኣ ግድን ዓበይቲ በዓላት ኣማዕዲና፥ ኣብ’ቲ ብሥርዓትናን ኣገባብናን ዚቕደሰሉ ጥራሕ ክንጽበ ኣይግባእን፥ ኣብ ጐድንና ኣብ ዘሎ ሥሩዕ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ግቡእና ክንፍጽምን፥ ምስ ኣምላኽና ክንራኸብን ይግባእ። ነዚ ዚሕግዘና ድማ፥ እቲ ናይ ሰናብትን ናይ ማርያም ኮነ፤ ናይ ቅዱሳን በዓላትን መሥርዕ ክንርስዖ የብልናን። ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ናብ ኣምላኽና ከነድህብን፤ ነፍስና ክንፈቅድን የድሊ።

ምጽዋት (ኣብ ሃገርኩም ንዘላ ቤተክርስትያን)

16.  ኣብ ታሪኽ ቀዳሞት ክርስትያንን ቀዳመይቲ ቤተክርስትያንን ከምእንረኽቦ፥ እቶም ኣብ ሥልጡንን፣ ሃብታምን ወገን ዝነበሩ ክርስትያን (ኣብነት፣ ናይ ቆሮንቶስ፣ 1ቆሮ.16፣ 3) ኣብ ጽጉም ሃለዋት ንዝነበሩ ክርስትያን፥ ብፍላይ ከም ኢየሩሳሌም ኣብ ዝበለ ቦታ ስደትን፣ ውርደትን ንዝነበሩ ክርስትያን ገንዘብን ረድኤትን ይዋጻእ ከምዝነበረ ይንገር። ርግጽዩ መብዛሕትኹም ኣብ’ተን ዘእንግዳኹም ኣብያተ-ክርስትያንን ሃገራትን ናይ ቤተክርስትያን ግቡእ (ኣብነት፣ -ጀርመን ንቤተክርስትያን ብመልክዕ-ግብሪ ዚወሃብ ገንዘብ) ብምክፋል በኣኡ ኣቢልኩም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ፣ ናይ ኲላዊት ቤተክርስትያን መደብ ግብረሠናይ ትሳተፉ ኢኹም። ምስጋና ዚግበኦ እዩ። ብፍሉይ ኣገባብ ከኣ፤ ነዛ ኣብ ሃገርኩም ዘላ ቤተክርስትያን ማለት ንድሕነት-ሰብን ንረብሓ-ኅብረተሰብን፣ ኣብ እተካይዶ ስራሓት ኣብ ጐድና ኮይንኩም ክትድግፉዋ እንከነዘኻኽረኩም፥ ድሮ ቅድሚ ሕጂ ዝጀመርኩምዎ ጕዳይ’ምበር ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ስለ’ዚ ከኣ ብናይ፣ ዝሓለፈ እናመስገንና፥ ንዚመጽእ ብዝተወደበን፥ ምናልባት’ውን በቲ ማእከላይ ኣወሃሃዲ ቤትጽሕፈትና ኣቢሉ ብዚካየድን ውጽኢቱን ምዕባሌኡን ብዚግምገመሉ ንጹር ኣገባብ ንጥፈታትኩምን ሓገዝኩምን ኪቕጽል ጽቡቕ ምኾነ። ምእንት’ዚ ብዝተወሃሃደ መልክዕ በብግዜኡ ብዚግበር ተበግሶታት ለጋስ ኢድኩም ብምዝርጋሕ፥ ነዛ ኣብ ዓዲ ዘላ ንእሽቶይ መጓሰ-ኣምላኽ” ኣብ መደብ ኀልዮትኩም ክትጽንብሩዋ ከሎኹም “እቲ ተረፍኩም ንጐደሎኦም፤ እቲ ተረፎም ከኣ ንጐደሎኹም፤ ኪምልእ’ሞ ማዕርነት ምእንቲ ኪኸውን ንጽሕፈልኩም ኣሎና” (2ቆሮ.8፣14)። እዚ እንብለኩም ዘሎና “ዜድልየኩም ኵሉ ረኺብኩም ብሠናይ ተግባር ኵሉ ዕዙዛት ኮይንኩም ምእንቲ ክትርከቡ፤ ጸጋ ኬብዝሓልኩም” (2ቆሮ.9፣8) ብዚብል ሓሳብ እዩ። “እቲ ንዘራኢ ዘርኢ ዚህብ ኣምላኽ፤ ዘርኢ ኪህበኩምን ኬበርክተልኩምን እዩ። ኵሉ ግዜ ለጋሳት ምእንቲ ክትኮኑ ብዅሉ ወገን ኬሃብትመኩም እዩ” (2ቆሮ.9፣9)

ክርስትያናዊ ሰብኣዊ ሕንጸትን መዕበያን

17.  ሎሚ ብዘሎ ኣተሓሳስባን ኣከያይዳን፤ ፍትሕን ርትዕን ሚዛናዊ ፍርድን ኣብ ኢድ-ኃያላትን ሰብ-ጕልበትን ሃብትን እዩ ዚረአ። ሎሚውን እንተኾነ ተሰማዕነት ዚረክብን፤ ንግዜኡ ዕዉት መሲሉ ዚረአን፤ እቲ ብስም ሞራልን ክርስትያናዊ ሥነምግባርን ዚምእዘዝ ዘይኮነስ ብብዝሒ-ሃብትን ብዓቕሚ ጕልበትን (ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ጽልዋ ዘለዎ)። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዓለም ምንባር፥“ስለምንታይ ክፉኣት ዚዕወቱ? ስለምንታይከ እቶም ቅኑዓትን ውጹዓትን ዚጥቅዑ….? ዚብል ሕቶታት ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፥ እዚ ሕቶታት’ዚ እዚ ተርእዮ’ዚ “መዘናኡ ንወድሰብ” ኪበሃል ክሳብ ዚከኣል፥ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ፥ ጋና’ውን ዚጸንሕን እዩ። ንወድሰብ ዜናውጽ ሕቶ እዩ። ግና ኣሰር-ክርስቶስ ዝሰዓበን፤ ኣብ’ዚ ጕዕዞ’ዚ እምነቱ ብምሕላው ዝተዓገሰን እዩ ኣብ መወዳእታ ዚዕወት’ሞ፤ ብተስፋ ደኣ በርትዑ።

ስድራቤት

18.  ሎሚ ከም ሎሚ፣ ዚዓኑ ካብ ዘሎ ሓንቲ፣ እታ ዕርዲ-ኅብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት እያ። ኣብ መብዝሕትአን እዘን ስደተይናታትና ዘለዉወን ሃገራት (ምዕራብ) ዘሎ ማኅበራውን ናይ ሥልጣኔ መደባትን ንስድራቤት ዜዕኑ ብዛዕባ ምዃኑ ባዕላቶም ዚእመኑሉ እዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ነዚ ዕንወት’ዚ ደው ከተብል፥ ንስድራቤት ክትሓንጽ፥ ብዘሎ ኃይላ ምርብራብ እትገብረሉ ዘላ ግዜ እዩ። እቲ ንስድራቤት ዚሽከም ዓበይቲ ኣዕኑድ፣ -ኪዳን-ስድራቤት-እናትነት-ኣባትነት፣ ወዘተ ዝነበሮ ክቡር ትርጕምን፣ ስምን ኣጥፊኡ ይርከብ። ብባህልና ብእምነት ክርስትናና፣ በዓል-ኪዳን/በዓልቲኪዳን ማለት”ኣሚን/ናይ ወጋሕታ/በዓልቤት/ በዓልዕጫ…” ብምዃኑ ነኣኡ ብዜንጸባርቕ ክቡር ቃላት ከኣ ንገልጾ። ሎሚ ዚኣቱ ዘሎ ኣተሓሳስባ ግን “ናይ ዓርከ-መሓዛ፤ ናይ መጓዕዝቲ” ሓሳብ ብዘለዎ ንግዜያውነትን፣ ንተመናውነትን ብዚዕድም ቃላት ኪስመ ከሎ መልእኽቱ’ውን ንሱ እዩ። ነቲ ዘለዎ ክብረት መዝነትን ዜፋዅስ ዜነኣእስ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ስድራቤት’ውን በታኒ ዝኾነ፥ መስርዑ ዝተበለሸወ ሕቶ መሰልን ናጽነትን፤ ክንዲ ብለዓቱ ብብልሑ ዝተታሕዘ ጕዳይ ማዕርነትን፥ እዚ ዅሉ ንስድራቤት መሠረታታ ምሕዩ ዜናውጻን ዚብጽብጻን ካብ ዘሎ ሓደ እዩ። ስለ’ዚ ናይ ስድራቤት ኣርዑት ኃላፍነትን መዝነትን ዝደርበዩ፤ ብሓዲስ ናይ ገንዘብን ጣዕምን ምቾትን ኣምልኾ ተቐዪዶም፤ ምእንቲ ከብዶምን ዕለታዊ መንገዶምን ኪብሉ፥ ንኪዳንን ንኲሉ ዝሓዘሎ ቊምነገራቱን ይድርብዩ። ስለዚ ጥልመትን ፍትሕን፤ ብዘይገለ ኪዳናዊ መደብ ተጐዛጕዝካ ምንባር ነጊሡ፥ ክብረትን ኪዳንን ረኺሱ፣ ስድራቤት ከኣ መዓቝቦ ኣብ ዝሰአነሉ ደረጃ ትርከብ። ንሕፃናት ዘይደናገጽ፣ እኳ ደኣ ንርኹስ ዕላማ ዚጥቀመሎም ንዝዓበዩን ብሕማም ንዝተመግደሩን ከየናሕሰየ ኪሞቱ ዚሕግዝ (ዩታናዝያ) በዚ ዅሉ ናይ ሞት ሃለዋት ዝተንጸላለወት ስድራቤት፣ ኣብ ሓደጋ ምህላዋ ዘካሕድ ኣይኮነን። ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ (ሮሜ.12፣ 2) ንዚብል ቃል ጳውሎስ ንደግመልኩም። እንተኾነ፣ “ስድራቤት ኣብቂዑላ እዩ፣ ደጊም ኣይክትንሥእን እያ፥ ወዲቓ ሓቒቓ እያ” ንዚብል ባህሊ ኣይንቕበልን። ምስ’ዚ ዅሉ ጸገምን፣ ጸበባን፥ ሕጂ’ውን ስድራቤት ህያብ-ኣምላኽ ምዃና ከምዘየጥፈአት፤ ሕጂ’ውን ብቘራጽነትን ተወፋይነትን እትንበር፤ ሕጂ’ውን እታ ናይ ደቅኣዳም ኡንኮ ተስፋ፣ ንሳ ምዃና ብእምነት እነረጋግጾ እዩ። ጥራሕ ብተስፋ በርትዑ!!

19.  ስድራቤት ህያብ-ኣምላኽ እያ

·         ስድራ-ቤት ንዓሌትሰብ ዝሃባ ቀዳመይትን ባህርያዊትን፤ ናይ ኅብረተሰብ ዓይኒማይ ዝኾነት ህያብ እያ። 

·         ስድራቤት ብናይ ሰበኺዳን ሰብኣይን ሰበይትን ሓድሕዳዊ ፍቕርን ተወፋይነትን እትትከልን እትቕጽልን ህያብ እያ።

·         ስድራቤት ሕይወት ክትቅበልን ክትህብን ከተመሓላልፍን፤ ናይ እናትነት ኣባትነት ህያብ ዝተቐበለት እያ።

·         ውሉድ ህያብ-ኣምላኽ እዩ፥ ካብ ጽንሰቱ ኣትሒዙ ምስ መሰሉን፣ ክብረቱን ዘሎ እዩ። ዘርኢ ኪራኸብን ሰብ ኪሕነጽን ካብ ዝጀመረሉ ሰዓት፤ ደረጃ ዕብየቱ በብግዜኡ ዚምዘን’ኳ እንተኾነ፤ ህላዌኡ ግን ኵሉ ምልኣትን ክብርን ዘለዎ ምሉእ ሰብ፤ ፍጡር እዩ። ነዚ ድኹም ፍጡር ብዘይ ንሕስያ ዚብድል፤ ገበን ይፍጽም።

·         ሕይወት ስድራቤት በብዕለቱ ኣምላኽ ዚልግሶ ህያብ እዩ። ነዚ ህያብ’ዚ ንኽትበቅዕ ፍቕሪ-ትዕግሥቲ-መሥዋዕትነት ተወፋይነት…የሓትት። ንዓበይትን ንናእሽቱን ዚሓቍፍ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዚረኣዮ እዩ።

·         ስድራቤት ንኅብረተሰብ ዝተዋህበት ዝበለጸት ህያብ እያ፥ ቤትትምህርቲ እያ። ንካልኦት ምኽባር ምክብባር ምትሕግጋዝ ምድንጋጽ ርእስኻ ምግታእ፤ ኀልዮት- ሓድሕድ እትመሃረላ ቤት ትምህርቲ እያ።

·         ብዝበለጸ ድማ ስድራቤት ናይ ክርስትናን ሓዲስ ስብከተወብጌልን ፍሉይ ህያብ እያ።

·         ስድራቤት በቲ ብሥምረት እተዕርጎ ጸሎት፤ በቲ ናይ እምነት-ሓድሕድ 
ምስክርነት በቲ ርኅራኄን ኀልዮ-ሓድሕድን ተቐባልነትን፥ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ከምዚሰፍሕ ትገብር።

20.  ህያብ-ኣምላኽ ወትሩ ተወፋይነትን ቈራጽነትን የሓትት

*   ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ሓድሕዳዊ ተገዳስነትን፣ ኀልዮትን ኪረአ ይግባእ ስለ’ዚ ብሓንሳብ ዚህልዉሉ፤ ብሓንሳብ ዚጽልዩሉ፤ ሓሳብ ሓድሕድ ዚለዋወጡሉ፤ እምነት ሓድሕድ ዚገልጹሉ ዕድል ኪህሉ ይግባእ።

*   ኪዳን ልዕሊ ኲሉ፣ እዩ። ሰብኣይን፣ ሰበይትን ሓድሕዳዊ ፍጹም ተወፋይነት ዚፍጽሙሉ እዩ።

*   ሥድራቤት ሕይወት ዚፍጠረሉን ዚዕቈረሉን ቅዱስ ቦታ (sanctuary of life) እዩ። እዚ ተግባር’ዚ ከኣ ብናይ’ቶም ወለዲ ኃላፍነትን መንፈስ እምነትን ዝመልኦ ኣገባብን መደብን (responsible parenthood) ዚፍጸም እዩ።

*   ኣብ ገለ ሃገራት ብመንፅር፣ ስደተይናታት፣ ደቀንስትዮ ንምምካነን ዚግበር  (ብኣስ ገዳድ) ሓደገይና ስጕምቲ’ውን ከምዘሎ፥ ክንግንዘቦ ይግባእ፥ ኣኃትናን  ደቅናን፣ ናይ’ዚ ግፍዕ’ዚ ግዳይ ከይኮና ምጥንቓቕ የድሊ።

*   ካብ ኣባላቶም ናይ ሓሺሽን ቈጽለመጽልን ጸገማት ዘለዎም ስድራቤታት ናይ ምትሕግጋዝን ሓድነትን መንፈስ ኪልገሰሎም ይግባእ።

*   ወለዲ ንደቆም ዝበለጸ ዝሓሸን ዝበልዎ ትምህርትን ቤትትምህርትን ኪመርጹሎም መሰሎም እዩ። ነኣኣቶም ኣወጊኑ ካልእ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዘሕድረሎም ኣካል ኪህሉ ኣይግባእን። ብዝኾነ ወገን ብመንግሥቲ ይኹን ብመራኸብ-ብዙኃን (ሚድያ) ኣብ ልዕሊ ውሉዶም ንዚግበር ዝኾነ ዓይነት ጽልዋ ብሃንሳሰለባም ኪሓልፉዎ ኣይግባእን።

*  ንስድራቤት ኣብ’ዚ ዅሉ ቃልሳ ዓወትን ንያትን ዝኾና፣ ኣብ ሓድነት ዚጠምራ ኣብ ክርስቶስ ዘለዋ እምነት እዩ።

21.  ስድራቤት ተስፋ ደቅሰብ እያ

      ኣብ 1994 ርእሰሊቃነጳጳሳት ዮሓንስጳውሎስ 2፤ ኣብ ሮማ ምስ ስድራቤታት፣ ኣብ ዝተራኸቡሉ “ስድራቤታት! ንስኻትኩም ናይ ወድሰብ ተስፋን፣ ታሕጓስን ኢኹም” ኢሎም ነበሩ። እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ምስ’ዚፍጸም ስድራቤት በሓቂ ናይ ኅብረተስብ መብራህትን መባዅዕትን ምዃና ዘይተርፍ እዩ።

      ሃገራትን መላእ ኅብረተሰብ-ዓለምን ሰላም ኪረኽቡ እንተተደልዩ ናብ ስድራቤት ከተኲሩ ይግባእ። ጥዑያትን ቅኑዓትን ንካልእ ዚሓስቡ ምእንቲ ካልእ ዚውፈዩ፥ ኣገልገልቲ ሕዝቦምን፣ ሃገሮምን ዝኾኑ ብሱላት ዜጋታት ንኺህልዉኻ ስድራቤት ኪህልወካ የድሊ። ማይ ኣብ ዘይብሉ ዓሣ ዜንብር እንተ’ልዩ እንድዒ። ስለዚ ከኣ ድልዱልን ብሱልን ዝኾነ ስድራቤት፣ ንሓደ ድልዱልን ብሱልን ኅብረተሰብ መሠረቱ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ስድራቤት” ናይ ደቅሰብ ተስፋ ዝተባህለት።  

መንፈስ ውልቃውነትን፣ ጣዕምን  (Consumism ;Pragmatism ; Individualism ;materialism)

22.  ሎሚ ኣብ ኲሉ ዚረአ ዘሎ ሕማቕ ዝንባሌ እንተ’ልዩ፥ እቲ ንግዜኡ ጥራሕ ዚሓስብ፥ ንሕጂ ደኣ ይጥዓመኒ’ምበር ካልእስ ባዕሉ ይፈልጥ ዚብል፣ ንመደብ ሓቅን፣ ሓሶትን እናደባለቐ ከከም ዚጥዕሞ ዚካየድ ተድላን ምቾትን ጥራሕ ሃሰስ ዚብል (Pragmatism) ነዊሕ ዘየማዕዱን ዘየስተውዕልን ብዚመጽእ ናይ ሞራል ጸገማትን፣ ውጽኢቱን፤ ናይ ኅሊና ምጕትን ዘይግደስ እዩ። ኣብ ዘይሞራላዊ ሕጊ-ዕዳጋን መኽሰብን ዝተመርኰሰ ኣገባብ፤ ናብ ኲሉ መዳያት ሕይወትካ ምውዓሉ ማለት እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንሰባትን ግድሎምን ኣወጊንካ ናብ ረብሓኻ ጥራሕ ተማዕዱ ማለት እዩ።

      እዚ ንርእሱ ምስ ውልቃውነት (Individualism) ዝተኣሳሰረ ወይ፣ ፍላይ-ማንታኡ እዩ ኪበሃል ይከኣል። ስለ’ዚ ንምዕባሌን፣ ንመኽሰብን ከም ልዕሊ ዅሉን፣ ቀዳማይን ነገር ካብ ምርኣይ ምጥንቃቕ፥ ቅድምና ንሰብን ንግድላቱን ጸገማቱን ምሃብ፣ የድሊ። ሰብሓዳር ነንሕድሕዶም፤ ንደቆም ንቤተሰቦም (ወለዲ፤ ኣኅዋት፤ ኣዕሩኽ፤ መሓዙት…) ተገዳስነት ምግባር ግቡእ እዩ።

      ሕይወት ወድሰብ ክትከብር ይግበኣ። ስለ’ዚ ኣብ ናይ ደቅና ልደትን፣ ጥምቀትን፤ ኣብ ናይ ሕማምን ሞትን እዋን፥ እንገብሮ ተገዳስነትን ምፍቕቓድን፣ ኣብ ልዕሊ ሕይወት-ደቅሰብን ፍጥረት-ኣምላኽን ንዘሎና ክብርን ፍቕርን መግለጺኡ እዩ። በዚ ዝመጽአ ነቶም ካልኦት ሕዝብታት ብዙሕ እንምህሮም ከምዘሎና ፍሉጥ እዩ። ”ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲከመስግኑዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ.5፣ 16)።

ካብ ዝተጋነነ ብሔርነትን (ethnocentrism) ጸቢብ ስምዒትን ምጥንቃቕ።

“ኵልኻትኩም ብክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፤ በዚ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ የልቦን፤ በዚ ባርያ ወይ ጭዋ የልቦን፤ በዚ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ የልቦን” (ገላ.3፣28)።

23.  ሎሚ ንዓለም ዘስገኦ ካብ ዘሎ ሓደ፤ እቲ ካብ መሥመር ዝወጽአ ሕማቕ ዝንፋሱ ጸቢብ ስምዒት-ብሔርነት እዩ። ብመሠረቱ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ሰብ ከኣ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ ኣብ ማኅበረሰብ ዓለም ዚጽንበረሉ ዝተፈላለየ ደረጃ ብምዃኑ፥ መሥመሩ ሓልዩ ኪካየድ ከሎ መሠረት ዕቤትን ሕንፀትን እዩ። መሥመር ምስዚስሕት ግን ከም ዘይወጽእ “ወልፊ” ወይ “ቈለ” (fanaticism) ይኸውን። ስለ’ዚ ከኣ መንነትካን መሠረትካን ንምግላጽን፣ ንምርግጋጽን እትገብሮ ጻዕሪ፥ ንኻልእ ቊሊሕ ኢልካ ንኸይትርኢ ዚዓግት፥ ወይ ምስ ካልእ ንኸይትዋሳእ ዚገብር፥ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጸብለል ንኽትብልን ተፈሊኻ ንኽትረአን ዚፈታተነካ እዩ። ናብ ዘይተጸበኻዮ ህልኽን ሕልኽልኽን ዜምርሕ ስለዝኾነ በኣጋኡ ጥንቃቐ ምግባር ዚመስሉዎ የልቦን። ምእንት’ዚ ከኣ ብዝሒ-ዓይነት ናብ ሱታፌን ምትእኽካብን ደኣ ኪመርሕ ኣለዎ’ምበር፤ ናብ ህልኽን ምጥምማትን ኪኸይድ የብሉን። ነቲ ካልእ ከም “ካልእነቱ” ምቕባል፣ እቲ ካልእ ዝሓሳቡ ዝምሳሉ…ከምዘለዎ ምቕባሉን፣ ምኽባሩን ማለት እዩ። መንፈስ ምጽውዋር ምክብባር ብሰፊሑ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሕዝብና ከማዕብሎን፥ ካብ’ቶም ዜኣንግድዎ ሕዝብታት ኪመሃሮን ዘለዎ እዩ። እቲ ብሓንሳብ ዝበቘለ ብሓንሳብ እንተማዕበለ እዩ ዜምዕረሉ።

ንዅሉ ዚሓቍፍ መንፈስ ካቶሊካውነት ኣብ መንጎኹም ኪዓዝዝ፥ ንዅሉ ከኣ ሚዛናውነት ብዘለዎ ኣገባብ በቦታኡ፣ ከተትሕዝዎ፥ ከም ሰብ መጠን ምስ ኲሉ ጣዕምን ጽቡቕ ርክብን፥ ከም ደቅሃገር መጠን ርእይቶኡን እምንቶኡን ብዘየገድስ ምስ ዝኾነ ብኅውነት፥ ከም ደቅ-ሃይማኖት መጠን ከኣ ብኣብነትን ስኒትን ኅውነትን ምክያድ የድሊ።

ምስ ካልኦት ክርስትያን ኣመንቲ እቲ ናይ ደቅክርስቶስ ኅውነት ስምዒት ከነኅድር፣ ምስ ኣስላም ኣኅዋትና’ውን፣ ምስ ኵሉ በብደረጃኡ ብምክብባርን ብምፍቓርን ክትካየዱ ሓደራ ንብለኩም።

       ከም ናይ’ዚ መቐጸልታ ድማ፣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን፣ ሰበይትን ኣባላት-ስድራቤትን፣ ቤተሰብን ከምኡ ዝበለ ናይ ምርድዳእን ምውስሳእን ምጽውዋርን መደብ ደኣምበር፤ ሓደ ኣብ ልዕልቲ ካልእ ጸብለልትነት ዜርእየሉ ኪኸውን የብሉን።

  ኣብ’ቲ ብዝሒ ኣተሓሳስባን፤ ርእይቶን (Pluralism) ንዜንቀሳቕሰሉ ክፍሊ ዓለም ኮይንካ፥ ኣእምሮኻ ዓጺኻ ምክያድ ዘይከኣል እዩ። ምእንት’ዚ ከኣ መንፈስ “ተዋስኦ” ማለት “ዲያሎግ” ግቡእን ኣድላዪን እዩ። ከይተዋሳእካ ሓሳብ ሓድሕድ ክትፈልጥ ዘይከኣል እዩ። ክትፍለጥ’ውን ኣይትኽእልን። ስለ’ዚ ከምቲ ኣምላኽ በብናትና ባህርይን ተፈጥሮን ገቢሩ ኪፈጥረና ዝደለየ፤ ንሕና’ውን ከምኡ ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ከነኽብሮ ክንሠምሮ፤ ምእንት’ዚ ከኣ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምጽውዋርን ከነጥሪ ይግባእ።

መዛዘሚ

24.  ኣብ’ቲ ሰብኣዊ ባህልናን፤ ክርስትያናዊ መበቈልናን ተተኺልና፣ ብሞራላዊ ምልኣት (moral integrity) ክንዕንብብ ከሎና፣ እቲ ፍረና ጥዑም መኣዛ ኪኸውን፤ እቲ ብርሃንና ከኣ ጩራኡ ኪዝርግሕን ንኻልእ ኬብርህን ግዲ እዩ። ከመይ ንሕና “ናይ ክርስቶስ ጥዑም መኣዛ ኢና” (2ቆሮ.2፣ 15) ይብል ቅ.ጳውሎስ። ቀጺሉ’ውን እዚ ሓዋርያ’ዚ፣ እንኪምዕደና ከም’ዚ ይብል። “….ምእንቲናይ ገዛእ ርእስኹም ድኅነት ስርሑ…ከም’ቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከእ ኣብ ማእከል’ዛ ቄናንን ጠዋይን ወለዶዚ’ኣ ኢንታ ዘይብሎም ንጹሓትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ-ኣምላኽን ኮይንኩም ኣብርሁ”(ፊልጵ.2፣ 12–15)።

ነዚ መዝነትን፣ ተልእኮን ንምፍጻም ድማ፣ ኣብቲ ዘሎኹምዎ ቦታ ኣብ ትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሰዅዕኩም ክትጫልዱ ሓደራ ንብል። ቤተክርስትያን ካቶሊካዊት እያ ማለት፤ ኣብ ኵሉ፣ ንዅሉ እትሓቍፍ እያ። ስለዚ ኣብ ዘሎኹም ኣሊኹም፣ ናይ’ታ ከምዚ ዝበለ ፈራዪትን ጸጋይትን ሓላይትን ዝኾነት ኣደ ውሉዳ ምዃንኩም ይሰማዕኩም።

ነቲ ባህላውን ሕንፀተሰባውን (ካልቸራል) ውርሻኹም ምሕላው ማለት፣ ካብ ካልኦት ንምርሓቕን ንኻልእ ንምስትንዓቕን ዘይኮነስ፣ ዘሎኩም ሃብተ-ርስቲ ሒዝኩም ናብቲ ናይ ኣኅዋት ርክብ ክትኣትዉ ከሎኹም ኣበርክቶኹም የዓዝዝ፤ ነቶም ካልኦት ኣብቲ ጐደሎኦም ትምልኡሎም፤ ንስኻትኩም’ውን ካብኣቶም ገለ ተቐቢልኩም ጐደሎኹም መሊእኩም ዝሃብተምኩም ትኾኑ (2ቆሮ.8፣ 14)። ምእንት’ዚ መንፈሳውን ሰብኣውን ሃብትኹም ክትዕቅቡ እትገብርዎ ጻዕርን ትግሃትን፣ ኣብ ማዕጾኹም ንኽትዕጸዉ ዘይኮነስ፤ መንነትኩምን ትሕዞኹምን ኣደልዲልኩም ኣብ ናይ ቤተክርስትያንን፣ ናይ ሕዝብታትን ሃብቲ ንኸተፍስሱ፣ ንስኻትኩም’ውን ካብኡ ገለ ንኽትሓፍሱ ብዚብል ኅልና እዩ።

25.  ኣብ’ቲ ዘሎኹምዎ ሃገራትውን ሰላምን ህድኣትን ንኪኸውን ብዘሎኩም ዓቕሚ ከተበርክቱ፥ ህላዌኹም ከኣ ወትሩ ናይ ሰላምን፣ ናይ ሠናይ ድልየትን መርኣያ ኮይኑ ኪርከብ ይግባእ። ኣብ’ቲ እግዚኣብሔር ክትናበሩሉ ዝመደበልኩም ዓድን መንገድን ወትሩ ነቲ ንሱ ዚደልዮ ሃሰስ ክትብሉ ንምዕደኩም። ቅድሚ 2587 ዓመታት ነቢይ ኤርምያስ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ደቂ እሥራኤል ዝጸሓፈሎም ቃል እነሆ፦

  “…እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣምላኽ እሥራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ፣ ከምዚ ይብሎም ኣሎ፥ ቤት ስርሑ’ሞ ተቐመጡ። ኣታኽልቲ ትኸሉ’ሞ ፍሬኡብልዑ። ኣንስቲ ኣእትዉ፥ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ከኣ ኣመራዕዉዎም። ንሳቶም ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ይውለዱ። ኣብ’ቲ ዘሎኹምዎ ብዝሑ ደኣምበር ኣይትውሓዱ።ነተን ተማሪኽኩም ናባኣተን ከምትኸዱ ዝገበርኩኹም ከተማታት ንሠናየንን ደሓነንን ስርሑ። ንሳቶም እንተሃብተሙ ክትህብትሙ ኢኹም’ሞ ምእንታኣቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሔር ጸልዩ፥ (ኤርም.29፣4-7)።  

26.  ንሥድራቤታት

ብሓዋርያዊ ኀልዮትን ፍቕርን ተደሪኽና ንሕና ካቶሊካውያን ጳጳሳት-ኤርትራ፣ እዚ ቃል-ተስፋን ምጽንናዕን ናብ ኵለን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዋ ካቶሊካውያት ስድራቤታትን ውልቀሰባትን ንሰድድ ኣሎና። ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ሓሳብ-መልእኽትና ድማ፣ ተስፋናን ቈላሕታናን ኣብ’ታ ብመንፈስ-ክርስትና ተመሪሓ፤ ብወንጌል በሪሃ እትንቀሳቐስ ስድራቤት ምዃኑ ምግላጽ እዩ። እዛ ስድራቤት’ዚኣ ንኣባላታ እትሕብሕብን እተዕቍብን፣ ተስፋን ፍቕርን እምነትን እትምግብ ክትከውን ከላ፤ ንመላእ ሃገርን ኅብረተ-ሰብን ከኣ ምኽንያት በረኸት ክትከውን ግዲ እዩ። ናይ ስድራቤት ሕይወትን ሃለዋትን ኪምዕብልን ኪድልድልን ዚከኣል ዘበለ ኪግበር የድሊ።

ስለ’ዚ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ስድራቤትን ኣብ ናይ ቃልኪዳን ዕቤትን ክብረትን ዘሎኩም እምነትን ግምትን ካብ’ቲ ግቡኡ ከይወርድ ምጥንቃቕ የድሊ። እኳደኣ ነቲ ኣብኡ ተደጕሉ ዘሎ ሙቐትን ብርሃንን ንምርካብ ቀጻሊ ጻዕሪ ክትገብሩ ይግባእ። ኣብ’ቲ ዝጸንከረን ዝመረረን እዋን’ውን እንተኾነ፤ ንሕይወት ስድራቤትና ከም ሓደ ክቡር ዕንቍ ብምርኣይ፣ ንምዕቃቡን ንምዕንባቡን ከኣ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ኪኽፈለሉ ይግባእ። ንደቅኹም’ውን ናይ ውፉይ ሕይወት (ድንግልና፤ ምንኵስና) ክህነትን መደባት ናይ ሕይወቶም ትርጕም ኪህቦም ከምዚኽእል፣ ተመሊሶም’ውን ከገልግሉኹም ከምዚኽእሉ ሓሲብኩም፤ በዚ ከኣ ኣብ ሥድራቤትኩም ገለ ናይ ጸዋዕታ ተበግሶ ኪግበር ነማሕፅን።

ነቲ ብስድራቤት ኣቢሉ ዝመጽኣና ሰብኣዊ ክቡር ውርሻ ናብ ዳሕረዎት ወለዶ ከነመሓላልፎ ከምዘሎና’ኳ ዘካሕድ እንተዘይኮነ፣ ነዚ ዕማም’ዚ ኣብ ምፍጻም ግን ከመይ ዝበለ ሓያል ጻዕርን ትግሃትን ከምዚሓተና ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝተመሃርኩምዎ ትምህርተ-ክርስትና ከኣ፣ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ጽንኩርን ፈታንን እዋናትን ቦታታትን፤ መግለጺ መንነትኩምን መምርሒ ሕይወትኩምን እዩ።

ንደቅኹም ብትዕግሥቲ እናመራሕኩም፥ ርኡይ ዝኾነ ኣብነትን ትምህርትን ኣብ ምሃብ ደኣምበር፥ ግዙፍ ጣዕምን ምቾትን ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ኣይትደረቱ። ነቲ መሠረታዊ ዝኾነ ሰብኣውነትን፣ ክብረትን ናይ ሞራል ምልኣትን ደኣ’ምበር፥ ነቲ “ብዝጨበጥካዮ ወይስ ብዝበጻሕካዮ ትግመት” (you are what you achieve) ዚብል ዝንባሌ ግጉይ ምዃኑ ኣስተውዕልሉ። 

27.  ንመንእሰያት

“ኣቱም ኣጕባዝ፤ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩም ቃል-ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለዘሎን፤ ነቲ እኩይ’ውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፤ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ” (1ዮሓ.2፣14)

      “መንእሰይ ኢሉ ሓደ’ኳ ከይንዕቀኩም” (1ጢሞ.4፣ 11) እቲ ግዜኹምን ሃለዋትኩም ዚሓቶ ሠናይ ዘበለ ኲሉ መሊእኩም፣ ብክርስትናኹም ተመሪሕኩም ክትካየዱ ይግባእ። ነቲ ካብ ወለዲ ክትወርሱዎ ዚግበኣኩም፣ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን መደብ ተኸቲልኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ንስኻትኩም’ውን ንኻልኦት ኣረከብቲ ኮይንኩም ክትርከቡ ሓደራ ንብል። ሎሚ ንዘሎ ዓለም ሒዙዎ መጺኡ ዘሎ ጸገማትን ተስፋ ዜቝርጽ ሃለዋቱን ክትሰግሩዎን ክትስዕርዎን እትኽእሉ ከኣ ኣብ መደብ-እምነት እንተተተኸልኩም እዩ። ንዓለም ዝሰዓራ መድኃኒኹም ክርስቶስ እዩ ዚጽወዓኩም ዘሎ።

      ኣምላኽ ንዝሃበኩም ጸጋ-ሕይወት፣ ብምልኣት ክትነብርዎ ነተባብዓኩም። ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ማኅበረሰብን ከኣ፤ ሕይወት ዘለዎም ንቑሓትን ንጡፋትን ኃላፍነት ዚስመዖም ኣባላትን ኮይንኩም እጃምኩም ኣበርክቱ። ካብ ሕይወት-ወድሰብ ንእግዚኣብሔር ከወግድ ንዚደልን ዚህቅንን ኣተሓሳስባን መደብን ብተግባር ክትነጽጉዎን፣ ነቲ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ክትምስክሩሉ ይግባእ።

28.  ጋና መዕለቢ ዘይረኸቡን ዘይተመሓደሩን፥

  ኣብ ሓደ ርጉእ መነባብሮ ዘይበጽሑ፥ ሰንፈላል ዘለዉን ላዕልን፣ ታሕትን ዚብሉን ኲሎም’ውን ኣብ’ቲ ሥቓያቶምን ጽንኩር ሃለዋቶምን ምስኦም ከምዘሎና፣ ነሓስቦም ከምዘሎና ክንገልጸሎም ንፈቱ። ኣብ’ቲ ውዑይ ናፍቖት ዓዶምን ወለዶምን፣ ውሉዶምን ከምዘለዉ ምስዚ’ውን፣ እንታይ ከምዘጋጥሞም ከይፈለጡ፥ ከቢድን መሪርን ጕዕዞ-ስደት የሕልፉ ከምዘለዉ ይርደኣና። ዕድሎም ኣብ ኢድ-ኣምላኽ ከንብርዎ፥ ኣብኡ ተስፋኦምን እምንቶኦም ንኪገብሩ ከኣ ንምዕዶም። ኣምላኽ ብምሕረቱ ሓዲሽ መንገድን ኣገባብን ክሳብ ዚፈጥር ብትዕግሥቲ እናተጻወርኩም “እስኪ ብተስፋ በርትዑ” ንብሎም።

29.  ነቶም ርኹባትን ምሁራትን

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚርከቡ ብትምህርትን ብምርምርን ዝበሰሉ፥ ብምድራዊ ሃብቲ ዝደልደሉ ካቶሊካውያን ደቅሃገር ንሕዝቦም ዚህብዎ ኣገልግሎት ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ናይ ስደት ሃለዋት እናተንተኑ፣ ምስ ሃገሮምን ኲነታቶምን እናገናዘቡ፥ ንዘለዉዎ ሃለዋት ዚርኢ መጽናዕትን ምሁራዊ ክትዓትን ከካይዱ ጽቡቕ ምኾነ። እቲ ዝኾነን ኪኸውን ዚኽእልን እናወሃሃድካ ብምቕራብ ሕይወት-ስደት ጽንኩር’ኳ እንተኾነ ግና ከኣ ቊምነገር ኪግበረሉ ከም ዚከኣል እውን ኪፍለጥ እዩ። ናእሽቱ ናይ ዓዶምን ናይ እምነቶምን መሠረታት ከም ዚፈልጡን ፈሊጦምውን ብናቶም ከምዚተኣማመኑ ክትገብሩ ሓደራ፣ ንብል። ዓበይቲ’ውን ነቲ ከይተቐረቡ ብገርህን ብሃንሳሰልባምን ዝኣተዉዎ ምዕራባዊ ባህልን ሕይወትን ብምዕሩግ መንገዲ ከምዚነብሩዎ ክትገብሩ ምዝኽኻር ዘየድልዮ ተልእኮኹም እዩ። ሃይማኖት ኣብ ውልቃውን ማኅበራውን ሕይወት ንዘለዎ እጃምን ኣበርክቶን ከም ዚዓዝዝ ክትገብሩ ይግባእ። ሎሚ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ድኻምነት፤ መበቈሉ መደብ እምነትን ሃይማኖትን ሸለል ስለዝተባህለ እዩ።

ብሓፈሻ እቶም ሳላ ጻዕሮምን ትግሃቶምን፥ ከምኡ ድማ ሠሚሩሎም ሰብ-ሃብትን በርከትን ሰብ-ትምህርትን ዝኾኑ፥ ካብ’ቲ ዝተረፈ ኅብረተሰብ ከይተገለሉ፥ ካብ መንፈስ-ንፍገትን ተነጽሎን ብምጥንቃቕ፥ ንዝረኸብዎ በርከትን ክእለትን፥ ኣብ ኣገልግሎት ኅብረተ-ሰቦም ከውዕሉዎ፥ በዚ ኸኣ ናይ “ሲቪል ሶሳይቲ” ሰብኣዊ ግቡኦምን፤ መሪሕ ግደኦምን፤ ክርስትያናዊ ተልኮኦምን ኪፍጽሙ ነማሕፅን።

30.  ኣኀት ንዝኾና ሰበኻታት (ኣብያተ-ክርስትያናት)

ነኣኻትኩም ደቅናን ኣኅዋትናን ንዚሕብሕባ፥ ናይ ሥርዓት ላቲን ሰበኻታትን፣ ቍምስናታት በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምኦ ኲሉ ነቲ ኣብ ምጅማር መልእኽትና ዝገለጽናዮ ምስጋናና ሕጂ’ውን ብስም ቤተክርስትያናን ብስምኩምን ዳግም ነሓድሰለን ኣሎና። ነቶም ካብ’ዛ ሃገር’ዚኣ ዝመጹወን ደቅና ኣብ’ታ ሓንቲ ተስፋን ፍቕርን እምነትን ከጽንዓኦም ዝተረኽባ፣ ንድሕር ሕጂውን ብዝበለጸ ኣገባብ ኪዅስኲሳኦምን ኪስዕባኦምን ሓደራ ንብለን። ምእንት’ዞም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ምእንቲ ዘኻትምን መበለታትን ምእንቲ ሕቡሳትን ምእንትቶም ኲሎም ኣብ ጸገም ዚርከቡን ብሓባር ክንጽሊ፥ ክንዝቲ ንብሩህ መጻኢ ዕድሎምን፣ ኣውራ ከኣ ዘለዓለማዊ ድኅነት ንምጭባጥ ኣብ ዚገብሩዎ ጕዕዞ ከነሰንዮምን ከም ዘሎና ይርደኣና።

ኣሥመራ ብበዓለ ፍልሰታ (16 ነሓሰ 1996)  22 ነሓሰ 2004

 

ካብ ሰቆቃወ ድንግል

ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለነዳያን፣
ኢየሱስ ግፉዕ ምስካሙ ለግፉዓን፣
እግዚኣብሔር ማኅደር ዘኣልቦ ከመ ነዳያን፣
ኢየሱስ ነግድ ወፈላሲ እንዘ ውእቱ ሕፃን፣
ወልደ ኣብ ፍቁር ዘበኀበ ሰብእ ምኑን፣
መኃልየ ብካይ ኮነኒ ዘእሙ ኀዘን።

ትርጕም፦ ዝተሰደድካ ኢየሱስ ተስፋ ስዱዳን ኢኻ፣
              ዝተገፋዕካ ኢየሱስ ጸግዒ ግፉዓን ኢኻ፤
              እግዚኣብሔር መሕደሪ-ኣልቦ ከም ድኻ፤
              ጋሻን ገዓዚን ኮይንካ ኢየሱስ ሕፃን ከሎኻ ፤
              ፍቁር ወዱ ነቦ፣ ብሰብ ዝተነዓቕካ፤
              መዝሙር-ብኽያት ኮነ ኀዘን ናይ ኣዴኻ።

ርኢክሙኑ ንእስተ መርዓተ፤
ጸዊራ ሕፃነ እንዘ ተሐውር ፍኖተ፤
አኀሥሠኪ ወእብል እስከ እትከደን መሬተ፤
ማርያም ፈላሲተ ቍስቋም ዘአልብኪ ቤተ፤
አውዐየኒ ንግደትኪ ከዊኖ እሳተ።
ትርጕም፦ ርኢኹምዋዶ እታ ንእሽቶይ መርዓት፤
            ሕፃን ጸዊራ ኣብ መንገዲ ክትከይድ፤
            ክደልየኪ እየ ክሳብ ዝኽደን መሬት፤
            ስደተይና ቍስቋም ማርያም፤ ዘይብልኪ ቤት፤
            ጕዕዞኽስ የቃጽለኒ ደኣ ከም እሳት።

11 August 2018, 12:48