ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ርክብ ኪሪልን በርጠለመዎስን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ርክብ ኪሪልን በርጠለመዎስን 

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ርክብ ኪሪልን በርጠለመዎስን

ናይ መላእ ሩሲያን ሞክሶን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ቁስጥንጥንያ ክራኸቡ እዮም።

ናይ መላእ ሩሲያን ሞክሶን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ቁስጥንጥንያ ክራኸቡ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክራኸቡን ብሓባር ክዝትዩን ዘብቅዕ ዝተበጽሑ እወንታዊ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቁስጥንጥንያ ናይ ክልቲኣተን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክራኸቡ ምዃኖም ኣብ ኡክራይን ንናይ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ናይ ወጻኢ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዳይ ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ካህናት ኒኮላይ ዳኒለቪክ ካብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይቲ ዘካየድዎ ርክብን ዘተና ርእሰ ጉዳይ ገና ኣብ ምርቃቕ ከምዘሎን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሓደ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ጉጅለ ልኡካን ኣብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምብጻሕ ኣካይዶም ብፓትሪያርክ ኪሪል ኣቀባብላ ተገይርሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቁስጥንጥንያ ኣብ መንጐ ክልቲኣቶም ፓትሪያርካት ዝካየድ ርክብ ክረጋገጽ ዘኽእል መሰረት ብሓባር ከምዘንበሩ ሊቀ ካህናት ዳኒለቪክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጐ ፓታሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ርክብ ኣብ 2016 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ካምበስይ፡ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካውያን ርእሰ ምምሕዳር ቀዳማውያን ፓትሪያር ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ ንባቤ ቅዱስ መጽሓፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2014 ኣብ ፖድግሪካን ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ሞስካን ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ፋናር ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ተራኺቦም ሰላምታ ከምእተለዋወጡ ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቁስጥንጥንያ ርክብ ኪሪልን በርጠለዎስን
10 August 2018, 16:41