ድለ

ሰበኻታት ኒካራጉዋ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ከምዘየእንግዳ ተሓቢሩ ሰበኻታት ኒካራጉዋ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ከምዘየእንግዳ ተሓቢሩ 

ሰበኻታት ኒካራጉዋ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ከምዘየእንግዳ ተሓቢሩ

እታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተበገሰ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይንት ማእሰርትን ሓደጋ ዘቃለዕ ዘሎ ውጥረት መፍትሒ ዘይረኸበሉ ኣብ ሃገረ ኒካራጉዋ ዘሎ ውሽጣዊ ዕግርግር ምኽንያት እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንዝሳትፉ መንእሰያት ኣብ ምእንጋድ መደብ ሰበኻታታ ከምዘይሳተፋ ተፈሊጡ።

እታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተበገሰ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይንት ማእሰርትን ሓደጋ ዘቃለዕ ዘሎ ውጥረት መፍትሒ ዘይረኸበሉ ኣብ ሃገረ ኒካራጉዋ ዘሎ ውሽጣዊ ዕግርግር ምኽንያት እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንዝሳትፉ መንእሰያት ኣብ ምእንጋድ መደብ ሰበኻታታ ከምዘይሳተፋ ተፈሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምኽንያት ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ከምቲ ቅድም ክብል እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ኣብ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ ምእንጋድ ዝብል ተሓንጺጹ ዝነበረ መደብ ኣብ ኒካራጉዋ ክትግበር ከምዘይከእልን፡ ሰበኻታት ኒካራጉዋ ተሳተፍቲ መንእሰያት ከእንግዳ ከምዘይክእላ ዝሓበረ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቶም ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንዝሳተፉ ኣብ ፓናማን ኒካራጉዋን ኮስታ ሪካን ክእንገዱ ኣብ ዝብል መደብ ሰበኻታት ኒካራጉዋ ከምዘይትሳተፋ የረጋግጽ።

ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 300 ሺሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናም ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንዝሳተፉ 300 ሺሕ መንእሰያት ንምእንጋድ ፓናማ ትዳለው ከምዘላ ክንገር እንከሎ፡ መብዛሕቲኦም ካብ ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ከምዝዀን ግምት ከምዘሎ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት መደብ ዜና ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ናይ መንእሰያት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ዥዋው ቻጋስ ገሊጾም፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ውሳኔ እውን፥ ፓናማ ንእሽቶ ሃገር ብምዃና እቶም ኣብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ኣብ ኮስታ ሪካን ኒካራጉዋን እውን ክንእገዱ ዝብል ስምምዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ግን ነቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሰበኻታት ኒካራጉዋ ከይሳተፋ ይድርኽ ኣሎ፡ ስለዚህ እቲ ውሳኔ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ህልው ኩነታት ሃገሮም ዝጠለቦ ዘሎ እዩ ኢሎም።

ናይ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበር

እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት መፍትሒ ክረክብ ናይ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበር፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣርጀንቲናን ቺለን መክሲኮን ብራዚልን ኮሎምቢያን ፐሩን ካናዳን ዘቕረበኦ፡ ናብ ኒካራጉዋ ዝለኣኽ ፍሉዩ ድርገት ክቐውም ዝብል ናይ ሓባር ውሳኔ ከምዘጽደቐ እንክሕበር፡ ናይ ኒካራጉዋ ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ እቲ ፍሉይ ድርገት ናብ ሃገር ከይኣትው ዝኽልክሉ እንተድኣ ኰይኖም ከቢድ ማዕቅብ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ክውሰን እዩ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ውሳኔ እውን ክኸውን እንክሎ፡ ዕለት 2 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሊዮፖልዶ ብረነዝ በቲ ክካይድ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎ መደብ ሃገራዊ ዘተ ምኽንያት ምስ መንግስቲ ተራኺቦም ብዛዕባኡ ዘትዮም ዝብል ዜና ሓቂ ከምዘይኰነ ገሊጾም።

ጽኑዕን ሕጹጽን መርመራ ክካየድ

ኣብ ኒካራጉዋ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተባርዔ ህዝባዊ ተቓውሞ ምኽንያት  ክሳብ ሕጂ ብውሑድ 317 ሰባት ከምእተቕትሉ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ውድብ ክሕብር እንከሎ፡ መንግስቲ ኒካራጉዋ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ከኽብር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ውድብ ናይ ኒካራጉዋ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ሓላፊት ኣንቶኒያ ኡረኾ፥ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ምስቲ ህዝባዊ ናዕቢ ተተሓሒዙ ዝተፈጸመ ገበን መቕተልቲ መንግስቲ’ታ ሃገር ጽኑዕን ሕጹጽን መርመራ ካካይድን፡ ብዝሒ ዝተቐትሉን ሓቀይና ቁጽሪ ከመሓላልፍ ጻውዒት ኣቕሪበን፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምንም ዓይነት ምኽንያት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ክገሃስ የብሉን ኢለን።

 

 

 

04 August 2018, 15:37