ማላዊ፡ ሕዝባዊ ምርጫ 2019 ዓ.ም.፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካ ኣይትውግንን ማላዊ፡ ሕዝባዊ ምርጫ 2019 ዓ.ም.፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካ ኣይትውግንን 

ማላዊ፡ ሕዝባዊ ምርጫ 2019 ዓ.ም.፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካ ኣይትውግንን

ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ፡ እቲ ዕለት 21 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝምልከት ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ፡ እቲ ዕለት 21 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝምልከት ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ማላዊ ምስ ዝዀነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ውድብ ከምዘይውግኑን ንማንም ሕጹይ ተመራጺ ይዅን ናይ ፖለቲካ ውድብ ሓለፋ ከምዘይብሉ ሓቢሮም፡ ይኹን ደኣ እምበር ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካ ክነጥፉን ክሳተፉን ኣብ ሊሎንግወ ድሕሪ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እንከመልክት፡

ካልእ ንገዛእ ርእሱ ርብሓ ክጥቀመሉ ዝኽል ምንም ኣይነት ርእይቶ ዘይምሃብ

ኣብቲ ናይ ፍጻሚ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ማላዊ፡ ካህናት ገዳማውያን ኵሎም እቶም ኣብ ማላዊ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ሓላፍነት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ውድባትን መራኸቢ ብዙሓንን ከም መጋበርያን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ርእይቶ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም፡ ኩሉ ዜጋ ምእንቲ እቲ ዝመጽእ ዘሎ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ንኽካይድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ ክጽልይን፥ ሰላማዊ ምርጫ ክኸውንን ብጾሎት ምስቲ ሰላም ዝህብ እግዚኣብሔር ሓቢሩ፡ ዓመጽ ከለዓዕል ካብ ዝኽእል ቃላትን ተግባራትን ንቆጠብ”  ቢሎም ማላዊ ከም ልኣላዊት ሃገር ምስ ቆመት ብሰላም ዝተባርከት ሃገር ኰይና ከምዝጸንሔት “ኵሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሃገርን ሰላምዊ ናይ ሓባር ናብራ ወትሩ ውሑስ ክኸውን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ሰላም ክነብርን ክዕቅብን ግቡእ ሓላፍነት ኣለዎ” ይብሉ።

ንልዕሊ 50 ዓመት ሰላምን ዘለዋ ሃገር

ንያስላንድ ዝብል መጸውዕ ስም ዝነበራ ኣብ ትሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ መግዛእቲ ዝነበረት ሃገር ኣብ 1964 ዓ.ም. ሉእላዊት ሃገር ኰይና ማላዊ ዝብል መጸውዕ ተዋሂብዋ ናጻ ሃገር ምስ ኰነት ክሳብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሃሲንግስ ካሙዙ ባንዳ መርሕነት ጸኒሓ ካብዚ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝተወርሰ ምግባረ ብልሽውናን ዝተኣልከት ካብተን ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት እትቁጸር ኰይና ብነቕጽን ምዕልቕላቕ ማይን ዓጸቦን ብሕማም ኤይድስን ካብ ጐረባብታ ሃገራት ንላዕሊ ዝተጠቕዔት ክትከውን እንከላ፡ ካብቲ ናጻ ሃገር ኰይና ካብ ዝቖመትሉ እዋን ኣትሒዛ ተዛማዲ ሰላምን ፖለቲካን ዘለዋ ሃገር እያ።

ማላዊ፡ ሕዝባዊ ምርጫ 2019 ዓ.ም.፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካ ኣይትውግንን
10 July 2018, 16:12