ድለ

ቀጥተይና መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ንርእሰ ብሔር ኦርተጋ ቀጥተይና መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ንርእሰ ብሔር ኦርተጋ 

ቀጥተይና መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ንርእሰ ብሔር ኦርተጋ

“ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ህልው ኩነታት መላእ ዓለም ዝርእዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡ ብኽብረትኩም ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ኣገልጋሊ ሕዝብን ኣኽባሪ ሰብኣዊ ነጻነን ምዃንኵም ንመላእ ዓለም ብግብሪ መስክሩ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተነብሮ ዕለት 26 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝተጽሓፈ መልእኽቲ ካብ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናብ ናይ ኒካራጉዋ ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ ከምእተመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ጀርመን ናይ ሙይኒክ ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ናይ መርጀም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ፥

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲያዊ መሰረተ ሕጊ

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ እና ሰፈሔን እናበኣሰን ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን እቶም ብሰላማዊ መገዲ ተቓውመኦም ዝገልጹ ሰላማውያን ሰልፈይናታት ይእሰሩን ይሳቐዩን ኣደዳ ማህሰይትን መግረፍትን ኣደዳ ሞት ይዀኑ ከምዘለዉ ዝሕብርን ብጠቕላላ ኩነታት ኒካራጉዋ ዕለት ብዕለት ሓበሬታ ከምዝበጽሕ ኣብ መልእኽቶም ዝሓበሩ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ እዚ ዅሉ ከኣ ስልጣን ብዘይግቡእ ናይ ምጥቃም ዓመጽ ዝገልጽ ከምዝዀነን መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ጸረ ግብረ ሸብራ ከምዝመስልን እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘሎ ሓድሽ ጸረ ኣሸበርቲ ሕጊ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘግድዶ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ናይ ዕለት 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ምንጪ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ሰላምን ነጻነትን

ክቡርነትኩም ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ቅድሚ 39 ዓመት ሃገርኩም ካብ መልካዊ ስርዓት ሶሞዛ ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሶውራ ዝተሳተፍኩምን ካብ መስረትቲ እውን ሓደ ኢኹም እቲ ትምርሕዎ ዘለኹም ህዝቢ በታ ኣብ ጐድኑ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሰንዩ ኣብ ሰላምን ነጻነት ክነብር እዩ ዘደልይ” ኢሎም፥

ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን፥ ዓመጽ ይኣክል ነጻነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ይከበር

እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነጻነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል እውን ክኽበርን ሓደራ ቢሎም፡ ኣብ ኒካራጉዋ መቕተልንት ማህሰይትን ዜጋታትን ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምእስራ ከብቅዕ ብትሕትና ንሓተኩም፡ ምልክታ ሰላምን ናይ ሓባር ዘተን ኣርእዩ፡ መላእ ዓለም ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ኩነታት ይከታተል ኣሎ፡ ብኽብረትኩም ንዓለም ሕዝቦም ዘገልግሉን ነጻነት ዘኽብሩን ምዃንኩም ብግብሪ ኣርእዩ እንክሉ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሉት ሓቢሩ።  

ቀጥተይና መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ንርእሰ ብሔር ኦርተጋ
31 July 2018, 16:40