ድለ

ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 

ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ

ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዘካይዶ ዘሎ መበል 19 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ይቕጽል ኣሎ፡ ናይ ተጋባእያን ርእይቶን ኣብ ኡጋንዳ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዘሊ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ስምረትን ሰላምን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዘካይዶ ዘሎ መበል 19 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ይቕጽል ኣሎ፡ ናይ ተጋባእያን ርእይቶን ኣብ ኡጋንዳ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዘሊ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ስምረትን ሰላምን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።

 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

“ኣብቲ ናይ ሓባር ረቛሕን እቲ ዘስምረናን ብምስትንታ ነቲ ብሓባር ክንሃንጾ እንኽእል ነትኵር” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ መበል 19 ናይ መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ፈርዲናንዶ ሉጐንዞ ከምዝዀኑ ፊደስ ናይ ዜን ኣገልግሎት እንከመልክት፡ እቲ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ብዓይነቱ ቀዳማይ ዝቖመ ማሕበር ምዃኑ ሓቢሮም ኣብ 1961 ዓ.ም. ኣብ ታንዛኒያ ሎሚ እውን ዓቢይ ክብሪ ዝወሃቦ ሸውዓቲ ውድዕታት ብምሕንጻጽ ዝቖመ ከምዝዀነን፡ ናይዚ ቅዋሜ ፍልስፍናዊ ኣናስሩ ከኣ፡ ብዓውሎማ ምሕሳብን ካባብኣዊ ትግባረን ዝብል ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብሰፊሕ ከምዘዘኻኸሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያንን መራኸቢ ብዙሃንን

ዋና ጸሓፊ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሕብረት እቶም ሸውዓተ ናይቲ ማሕበር ቅዋመ ዓላማ ብዝርዝር እንክገልጹ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነዊሕ ውጥናት ዝነጽር እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ቤተ ክርስቲያንን መራኸቢ ብዙሃንን ዝብል እዩ፡ እቲ ጉባኤ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ገዛእ ርእሱ ወግዓዊ ናይ ፈነወ ማዕከናት ክህልዎን ማለት ኣብቲ ከባቢ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ናይ ምስማዐ ርእየት መደብርን (ተለቪዥንን ራዲዮን) ቤት ማሕተምን ክህልዎ ዝብል ነጥቢ እዚ መበል 19 ዓውደ ጉባኤ ከምእተመያየጠሉን ከምኡ እውን መንፍሳዊ ሕንጸት ናይ ሰበኻ ውሉደ ክህነትን ንሕዳሴ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ቀዋሚ መደብ ሕንጸትን ናይ ሓባር መንበረ ጥበብ ናይ ምሕናጽ ተኽእሎን ናይ ርእሰ ብቕዓት መርሓ ግብርታት፡ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ከባቢ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝድህስሱ ነጥብታት ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠ ይሕብሩ።

ግደ ንኡሳን ማሕበረ ክርስቲያንን ዓለማውያን ምእመናን ደቀንስትዮን

ኣብ ዛምቢያ ናይ ሉሳካ ነበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ተለስፎረ ጆርጅ ምፑንዱ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ናይ ንኡሳን ማሕበረ ክርስቲያንን ዓለማውያን ምእመናንን ደቀንስትዮን ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ነቒሉ ናብ ዅለን ሃገራት ኣባል ማሕበር ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳ ጉባኤ ህብረት ከምዝሰፍሔን ካብ ናብ ብጋሴኡን ምስፋሕ ዘሎ ከይዲ ዳህሲሶም ኣተሓሒዞም እውን ኣብ መንጐ ናይ ሓንቲ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡን ብሓጺሩ ንነሒ ዝኣመተ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን እጃሞም ንኸበርከቱ ዓለማውያን ምእመናን ናብ ተዋሳእነት ብዘተባብዕ መደብ መሰረት ብሔራውን ዞባውን ክፍለ ዓለማውን ዓለም ሓቀፋውን ተራኽቦነት ክህሉ ዘነጽር ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ደቀንስትዮ ብኸመይ መገዲ ክድግፋ ከምዘለዎንን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግዴኤ ምትብባዕ ይግባእ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብዝህነት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ጸጋ ዘይኰነስ ምኽንያት ወጥርን ውጥረትን ኰይኑ ይንበር

ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሰበኻ ሊራ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ፍራንዘሊ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣባ ፓዎል ሳማሱሞ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዝህነት ማዕርነት ክብርን መሰልን ሰላማዊ ስኒት ኣብ እግዚኣብሔርን ዝብሉ ነጥብታት ጠቒሶም። ብዙሕ ጊዜ እቲ ውዕዉዕ ብዝህነት ጸጋ ክነሱ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ እዋን  ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጭቡጥ ምዕባለ ናይ ዘስናኽል መንቀሊ ግጭትን ምስሕሓብን ውጥረትን ኰይኑ እዩ ዝንበር፥ ኩሉ ዘይበላለጽ ማዕረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተዓደለ እዩ፡ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ይግባእ። ብፍላይ ናይ ድኻታትን ዝተናዕቁን ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ሸለል ዝበሃሉን ዝተረስዑን፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ውህደት ኣብ ሰላም ኩነት ከተተባብዕን እተቕንዕ ክትከው ኣለዋል። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዓሌትን ባህልን ዘማእከለ ብዙሕ ውጥረቶ ኣሎ፡ ስለዚህ ነቲ ውልቃዊ ዓሌትን ባህል ሰገር ዝዀነ ናይ ሓባር መንነት ምርካብ የድሊ ኢሎም።

ሰላም ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ተስፋ ትእምርቲ እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዘሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብዚ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ህብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉብኤኡ ኣብዝ አካይደሉ ዘሎ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተን ዝተበጽሐ ሰላምን ንመላእ ኣፍሪቃ ትእምርቲ ተስፋ እዩ ኢሎም።

እውነተይናን ነባርን ሰላምን ሓድነትን ምሕናጽ

ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዘሊ ኣስዒቦም፥ ኣብ ሰበኻኦም ዘሎ ማለት ኣብታ ብኣኦም ሓዋርያዊ ጉስነት ዝምራህ ኣብ ኡጋንዳስ ሰበኻ ሊራ እናሓሰቡ፡ እዚ ከባቢ ንልዕሊ 20 ዓመት ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ዝዳረገ ናይ ሕድ ሕድ ውግእ ኣዳራሽ ኰይኑ ከምዝጸንሔ ዘኪሮም ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዝካየድ ዘሎ ንዋታውን ግብረ ገባውን ዳግመ ሕንጸት ተጠቓሚ ኩሉ እዩ፡ ንዘኽታማት ዝሓልይ፡ ንህሙማን ድኻታትን ዝሓልይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ግብረ ሰናይ መሰረት ኣብቲ ከባቢ ነባሪ ሰላም ንምሃጽ ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ተራ ከምዘለዋ ሓቢሮም፡ እቲ ጉባኤ ነዚ ሓለፋ ዘብል ጸጋ ዝምሕጸን እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ
18 July 2018, 16:20