ፍጻሜ መበል 19 መደበኛ ጉባኤ ኣመሰያ ፍጻሜ መበል 19 መደበኛ ጉባኤ ኣመሰያ  

መበል 19 መደበኛ ጉባኤ ኣመሰያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብዓወት ተዛዚሙ።

እቲ ዝሓለፈ ዕለት 13 ሓምለ 2018 ዓምፈ ብሱባኤን ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ ጉባኤ አመሰያ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል (Association of Member Episcopal Conferences in Eastern Africa) ማለት ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ መበል 19 መደበኛ ጉባኤኡ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓምፈ 21 ሓረጋት ዝሓዘ ሓበራዊ መግለጺ ብምእዋጅ ተዛዚሙ፣

 ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

(1ይ ክፋል ትርጉም ሰነድ)

“‘ኣብ’ዚ ኣይሁዳዊ የልቦ ወይ ኣረማዊ፡ ባርያ የልቦ ወይ ጭዋ፡ ጓል ኣንስተይቲ የልቦ ወይ ወዲ ተባዕታይ ኵልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኻትኩም።’ (ገላ 3.28)”

አመሰያ (Association of Member Episcopal Conferences in Eastern Africa) ማለት ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ ኢትዮጵያ ማላዊ ከንያ ታንዛንያ ሱዳን ደቡብ ሱዳን ኡጋንዳን ዛምብያ ከምኡ እውን ብምትእስሳር ወይ ምጽጋዕ ኣባላት ዝኾና ጁቡቲን ሶማልያን ረኪበ ጳጳሳት ዘጠቃልል ኮይኑ መደበኛ ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤኡ ካብ 13 ሓምለ 2018 ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓምፈ ‘ወኒ ዘለዓዕል ብዙሕነት፡ ማዕረ ክብሪ፡ ሰላማዊ ሓድነት ብእግዚአብሔር ኣብ ዞባ አመሰያ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻዩዱ፣

መባእታ!

ናብ ኣብ ዞባ ኣመሰያ ንዝርከቡ ሥድራቤት እግዚብሔርን ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን።

ንሕና፡ ኣብ ዘባ አመሰያ እንርከብ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ ምስ ኣጽለልትና ልዑላን ብፁዓን ካርዲናልት ሓቢርና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ብማለት ሰላምታን ነቅርበልኩም።

ሞጐስ ምቅራብ!

ነቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዘወፈዩልና መንፈስ ሲኖዶዳውነት ቤተክርስትያን እናኣመጐስና ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ዝወሃበና መፈሳዊ መሪሕነት ጸሎት ዝተሓወሶ ምስጋና ነቅርብ፣

ምትብባብዕ!

ነቲ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዘሎና ውህደትን ምድግጋፍን ዘጠንከረ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ልዊጂ ብያንኮን ናይ ማሕበር ስብከተወንጌል ንአሕዛብ ጸሓፊ ጥቀ ክቡር ኣባ ፕሮታዘ ጉጋምብዋን ኣብ ማእከልና ብምርካቦምን ደገፎም ብምልጋስን ከምኡ እውን ናይቲ ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ወድሰብ ማሕበር ቅድስት መንበር ጸሓፊ ሞንሲኞር ማሪ ዱፍን ናይ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ረኪበ ጳጳሳት ወኪልን ኣቦመንበር ንኡስ ኮሜተ ንደገፍ ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶቢንን ከምዝተተባብዕና እንክንገልጽ ንቅዱስነቶም ምስጋናና ነቅርብ።

ንቕሓት!

ብራእይ ኣበው መሥረቲ ኣመሰያ ተነቓቒሕና ኣብ ዞባና ንዝርከብ ሓባራዊ ሻቅሎት ጒስነታውን ማሕበራውን ጉዳያት ብተአማንነትን ብምድግጋፍን ንምግላጽን ብቆራጽነት ወሰኒናን ነቒሕናን ኣሎና።

1.  ቃል ምስጋና!

ከም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ኣመሰያ ናይታ መበቆል ኩሉ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሕዝቢ ሓቀኛ ክብርና ንገልጸሉ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዓን ጳጳሳት ካህናት ገዳማውያን ገዳማውያት ምእመናን ፈደረላዊ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ኢትዮጵያውያንን ንመበል 19 መደበኛ ጉባኤ ኣመሰያ ከአንግዱ ንዝገበርዎ ምስንዳእ ልዑል ምስጋንናና ንገልጽ። ከምኡ እውን እዚ መደበኛ ጉባኤ እዚ ክውን ንክኸውን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩልና መሻርኽትና ስለደገፎም ነመስግን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ነቶም ክሳብ እዛ ዕለት እዚ’ኣ ሓላፊ ኣመሰያ ኮይኖም ዘገልገሉ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ደምረው ሱራፌል ከምኡ እውን ጽላልና ዝኾኑ ኣበው ናይ አመሰያ ቤትጸሕፈት ሥራሖም ዘረከቡ ኣባላት ፈጻሚ ቦርድ ረኪበ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ቤትጽሕፈታን ነዚ መደበኛ ጉባኤ ዘሰናደውን ዘራይዎ ምትሕብባርን ብልቢ ነመስግን፣ ከኣሊ ኩሉ እግዚብሔር ንኩልኹም ይባርኽኩም ንብል፣

2.  ወኒ ዘለዓዕል ብዙሕነት ሕዝበ እግዚአብሔር፡

ዞባ ኣመሰያ ወትሩ ብዘይመሳሰሉ ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ዝወቀበ እዩ። ከም ጳጳሳት አመሰያ ነዚ ብዙሕነት እዚ ክሕብሐብ ዘለዎ እምበር ምኽንያት ፍልልይ ክኸውን ከምዘይብሉ ንእመን። ከምቲ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.1937 ሰፊሩ ዘሎ ‘እዚ ፍልየት’ዚ ናይ መደብ-አምላኽ ኣካል እዩ።’  ኣብ መንጎ ሕዝብታት ዘሎ ፍልልይ ኣብ ዞባ ኣመሰያን ክንዮኡን ንሕድሕዳዊ ምምልላእ ክተባባዕ ኣለዎ።  ከም ጓሶት ነፍሳት መጠንከስ ኣብ ዞባና ነቲ ፍልልያት መዝሚዙ ንክብሪ ወዲሰብ ዘቈናጽብ ዝኾነ ዓይነት ሽርሒ ኣጥቢቅና ንኹንን።

እዚ መስመር እዚ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መዝገበ ሃይማኖታ ቊ.1934 ‘ኵሎም ሰባት ብኣምሳል ሓደ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ፤ ብማዕርነት ከኣ ነባቢት (ለባዊት) ነፍሲ ዝተዓደሉ፤ ሓደ ባሕርይን ሓደ መበቈልን ዘለዎም ኣዮም። ብመሥዋእቲ-ክርስቶስ ስለዝደሓኑ ኸኣ፤ ኵሎም ኣብ’ቲ ሓደ መለኮታዊ ብፅዕነት ኪሳተፉ ተጸዊዖም ኣለዉ፤ ምእንት’ዚ ከኣ ኵሎም ምዕሩይ ክብረ-ግርማ ኣለዎም።’ ብማለት ዝገልጾ። ነዚ ኵልና እንእመኖን ኣብ ማሕበረሰብና እንጉስጉሶን እምነት ኩለን ኣብ ዞባ ኣመሰያ ዝርከባ ሃገራት ሥድራቤት እግዚብሔር ምስክርነት ክህቡ ንጽውዕ፣

3.  ማዕረ ክብሪ ሰብ!

ብመንጽር እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሰብአዊ ክብሪ ንሕና ጳጳሳት ዞባ ኣፍሪቃ ነቲ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ጋውድዩም ኤት ስፐስ ፍሥሓን ተስፋን ቊ.29 ‘ሽሕ’ኳ ኣብ መንጎ ደቂሰባ ሕጋዊ ዝኾነ ኣፈላላይ እንተሃለወ ከም ሰባት መጠን ማዕርነት ዕብየቶም (ክብሮም) ፍትሒ ዝመልኦ ኵነታት ሕይወት ንምፍጣር ክንጽዕር ይሓተና፣ እቲ ኣብ ሞንጎ’ቶም ሓደ ሰብአዊ ሥድራቤት ዝቑሙ ኣባላትን ሕዝብን ዘሎ ሕሉፍ ኤኮኖሚያውን ማኅበራውን ፍልልያት፡ ኣብ ማኅበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ሰብኣዊ ክብርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማኅበራውን ዓለምለኻውን ሰላም ዕንቅፋትን ተጻይነትን የለዓዓል ኣሎ` ንዘሎ ትምህርቲ ዳግም ነረጋግጸልኩም፣ ንካቶሊካውያንን ንሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ሰባትን ናይ ነፍሲወከፍ ሰብን ናይቲ ብአርአያን ኣምሳልን እግዚብሔር ዝተፈጥረ ኣካልን ማዕርነት ሰብእዊ ክብሪ ክሕልውን ከደንፍዑን ንምሕጸን። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ከኣ ማኅበረ ቁጠባውን ፖሎቲካውን ባህላውን ምዕባሌ ምስ ክብሪ ወዲሰብ ውሳጣዊ ምትእስሳር ከምዝህልዎ ይገብር።

4.    ኩለንትናዊ ምዕባሌ ወዲሰብ

ከም ጳጳሳት ዞባ ኣመሰያ እዚ ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ዝብል ኣምር ኣብ ቊጠባዊ ዕብየት ጥራይ ክሕጸር ከምዘይብሉ ነመልክት፣ እዚ ምዕባሌ እዚ ሓቀኛ ክኸውን እንተኾይኑ ቀንዲ ኣተኩሮኡ ኣብ ወዲሰብ ገሩ ኩለንታናዊ ኮይኑ ንኩሉ ዛዕባታት ሕይወት ወዲሰብ ዝሽፍንን ናብ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ኩሉ ዘተኮረን ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚኸስ ኣብ ማኅበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዘቅርቦ ዕላማታት ተመሥሪትና ‘ኣዎንታዊ ዝኾነ ወኒ ዘለዓዕል ብዙሕነት፡ ማዕረ ክብሪ ናይ ኩሎም ደቂሰባት፡ ሰላማዊ ሓድነት ብእግዚአብሔር ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ናይ ዞባና ንምፍላምን ንምድፋእን ቃል ንኣቱ፣

5.   ሰላማዊ ሓድነት ምድንፋዕ      

 ነቲ ኣርባዕተ ዕላማታት ዝሓዘ መደብ መሠረታዊ ሰላም ንምድንፋዕ ዝወጸ ምሕጽንታ ቤተክርስትያን ማለት ማዕረ ክብሪ ናይ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ኣባላት ምፍላጥን ምክልኻልን! ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ምድንፋዕ! ንዓለምለኸ ተቊዋማት ምድጋፍን ኣብ ዞባ ኣመሰያ ይቅረምብህሃል ምድጋፍን ንዝብል ውጥን ንምድንፋዕ ክንድግፍን ዝተኻእለና ክንጽዕርን ኢና፣ እዘን ናይ ሕንጸተ ሰላም ነጥብታት እዚኤን መሰል ደቂሰባት እናሓሎኻ ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ክረኽቦ ንዘለዎ ሰብኣዊ ክብሪ ንምምዕባል መሠረት ይኾና።

6.    ምስ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሕብረትናን ደገፍናን ንገልጽ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤና ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ንክልቲኤን ሃገራት ን20 ዓመታት መቓቒልወን ንዝነበረ መንደቅ ፍልልይ ኣፊርሰን ሰላም ንዝገበራኦ ክንምስክር በቂዕና፣ እዘን ክልተ ሃገራት እዚኤን ንሰላምን ንዘተን ሓዲስ ስጉምቲ ብዓቢ ታህጓስ እየን ገረንኦ፣ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድምጻ ሓፍ ኣቢላ ነቲ ሕውነታዊ ግጭትን ውግእን ኣወጊዘን  ንሕዝበን ተስፋ ብምሃብ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ብሰላም ጸኒዔን ኣብ ሸቶኡ ንኸብጽሓኦ ብሓባር ብምጽላይ ምስ ናይ ክልቲኡ ሕዝብታት ዘለወን ምድንጋጽን ደገፍን ይገልጻ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2017ዓም ናብ ኤርትራ ስለዚ ጉዳይዚ ንምድጋፍ ናብ ኤርትራ ንዝተላእኩ ወከልቲ አመሰያ ነመስግን፣  እዚ ጉዕዞ ዕርቂ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቶም ትሻረክቲ ፍትሕን ሰላምን ዳግም ንከንግሳን ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሕዝቢ ከኣ ኣብዚ መስርሕ እዚ ከምዝሳተፉ ክገብራን ድምጾም ከምዝስማዕን ዝተማረኹ ናብ ሥድራቤታቶም ክመልሱን ይምሕጸኑ፣ ብመራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወስዱ ስጉምትታት ኣፍሪቃውያን ንጸገማቶም ብመንግዲ ዕርክነት ክፈትሑ ጥበብ (ልቦና) ከምዘለዎም ኣርእዩ፣

7.    ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን

ናይ ደቡብ ሱዳን ዘተ ሰላም ብዘርእዮ ዘሎ ግስጋሴ ልብታትና ይሕጐስ፣ ብዝቀልጠፈ ፍታሕ ናይቲ ግጭት ክርከብን እቲ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ራኍኣ ክረክብ እሞ ቅዝፈት ሕይወት ንጹሓን ደው ክብል ጸሎትና ቀጻሊ እዩ፣ ከም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ኣመሰያ ንነባሪ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምብርካት እንኽእሎ ሓገዝ ኩሉ ክነበርክት ስንድዋት ምዃንና ንገልጽ፣ ንካቶሊካውያን ምእመናን ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ንደቡብ ሱዳን ኣብ ጸሎቶም ክዝክርዋን ንሕጹጽ ጉዳያት ሕዝባ ንምሕጋዝ ከኣ ክተግሁ ንምሕጸን።

 . . . ይቕጽል!

 

24 July 2018, 18:04