ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ድሕር 6 ኣዋርሕ ናብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኽካይድ ተወሲኑ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም መረሕ ቃል ንኽልግሱን መስዋዕ ቅዳሴ ንኸዕርጉን ዝኣመተ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ሓምሻይ ዓመት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሓምሻይ ዓመቱ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ብዘይ ፍርሒ እምነት እቲ ልቢ ዝልውጥ እውነተይና ሶውራ ምዃኑ ብምስትውዓል ክርስቶስ ናብ ዓለም ኣብጽሑ ዝብል ጻውዒት ዘቕረብሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ድሕር 6 ኣዋርሕ ናብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኽካይድ ተወሲኑ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም መረሕ ቃል ንኽልግሱን መስዋዕ ቅዳሴ ንኸዕርጉን ዝኣመተ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ሓምሻይ ዓመት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም.  ሓምሻይ ዓመቱ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ብዘይ ፍርሒ እምነት እቲ ልቢ ዝልውጥ እውነተይና ሶውራ ምዃኑ ብምስትውዓል ክርስቶስ ናብ ዓለም ኣብጽሑ ዝብል ጻውዒት ዘቕረብሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ድሕሪ ቁርብ እዋርሕ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 28 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓቲ መንእሰያት ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዘካየድሉ ሓምሻይ ዓመት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተሓሲቡ ከዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡  

መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ከተማ  ኣምበኣር ኪዱ እሞ ንዅሎም ኣሕዛብ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም (ማቴ. 28.19) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንኽካየድ ቅድም ኣቢሎም ዝወሰንዎ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝነበሩ እንክዝከር። ቅዱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምሕራዮም ከምቲ ዝተመደቦ ናብ ብራዚል ከይዶምን፡ ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣቀባብላ ተገይሩሎምን፡ ኣነ ወርቂ ኰነ ብሩር የብለይን እቲ ዝተወሃበንን ዘሎንን ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዘ እየ ናባኹም ዝመጻእኩ ዝብል ቃል ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ይዝከር።

እምነት ክርስቶስ ዘማእከለ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ገምገም ባሕሪ ካፓቻባና ብመንእሰያት ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፥ “እምነት ሶውራ እዩ፡ ኣነነት ዘይኰነ ክርስቶስ ዘማእከለ እዩ፡ ብዙሕ ጊዜ ገዛእ ርእሳውነት ናቆስሞስ ማእከል ኣብ ምብጋር ፈተና ንርከብ፡ ኣንሕና ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወትን ወነንትን ሓጐስ ኣብ እነዋህልሎ ጥሪትን ሃብትን ገንዘብን ስልጣንን ዝርከብ ይምስለና እዚ ጌጋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብርግጽ ሃብቲ ገንዘብ ይኹን ጥሪት ሕጉስ ዘምስል ስኽራንን ምድንጋርን ከምስዕብ ይኽእል። ሃብቲ ምኽዕባት ደውታ ኣይፈልጥን፡ ዕለት ብዕለት ብዙሕ ንኽትእክብ ይድርኸካ። ዘይርዉይ ይገብረካ። ክርስቶስ ናይ ሕይወትካ ማእከል ምስ እትገብር፡ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ይህልወካ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል

ብዘይ ትዕቢት ወንጌል ምብሳር።፡ ካብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ምውጻእ፡ ናይ ሱታፌን ምራኻብን ባህሊ ዝነብሩ ኣብሰርቲ ወንጌል፡ ኣብ ኢየሱስ እሙን ካብ ምዃን ዝምንጭው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምኽዋን፡ ዝብሉ ነጥብታት ዘማከለ ዘረባ ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘስመሩሉ፡ ኣብ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝተማእከለ ጉስነት ምንባርን፡ ንካህናት ምእመናን ቀረባ ምዃን፡ ኢየሱሳውነት ኣብ ክርስቶሳውነት ምንባር፡ ክርስቶሳውነት ኣብ ኢይሱሳውነት ምንባር፡ ዝብል ዓሚዩቕ ምዕዳን ከምዘቕረቡ ይዝከር።

ጸሎት ፍኖተ መስቀል፡ ከምቲ ኢየሱስ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ንኻልኦት ምፍቓርና ሚዛን ይኹን

ከምቲ ልሙድ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ሓደ መንፈሳዊ መደብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ ዝተካየደ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል፡ ኣብ ናይ ክርስቶስ መስቀል፡ ዝርድኣናን ዝምሕረናን ዘፍቅረናን ልቢ ንርከብ፡ ብመስቀሉ መገድታትና ናቱ ገይሩ ይጓዓዝ፡ ሕይወትና ይነብር፡ ፍርሕናን ጸገማታትናን ስቓይናን ናቱ ይገብር፡ ንሰብ ቀረባ ዝዀነ ጐይታ፡ እቲ ንሱ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ኣንሕና ንኻልኦት እንህቦ ፍቕሪ መምዘኒ እዩ … ዝብል ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ይዝከር።

ጸሎት ዋዜማ፥ እውነተይና ናይ ክርስቶስ ስፖርታውያን ኩኑ

መንእሰይ ናይ እምነት ሜዳ እዩ፡ ጋንታ ክርስቶስ ኰይንኩም ኣብቲ ናቱ ጋንታ ተሰርዑ፡ ናይ ክርስቶስ እውነተይና ስፖርተይናታት ኩኑ፡ ኢየሱስን ቃሉን ኣባኹም ክሓድር ፍቐዱ …

ብሓቂ ምስ ኢየሱስ ሕጉሳት ኢና

ፈረቓውያን ዘይኰነስ ሰናይ ልሙዕ መሬት ክትኰኑ ትደልዩ፡ ኣብ ምድንጋር ምንባር ዘይትደልዩ ዲኹም? ኢየሱስ ሰዓበኒ እዩ ዝብል፡ ኣብ ጋንታይ ተሰራዕ፡ ናተይ ተጻዋታይ ኩን፡ ካብ ናይ ዓለም ዋንጫ ኣዚዩ ዝኸበረ ስልማት ንኣና ኣለዎ፡ ሕጉስን ፍርያምን ሕይወትን ብሩህ መጻእን የቕርበልና ….

ክትወጹን ክርስቶስ ከተብጽሑን ኣይትፍርሑ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካፓካባና ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ መንእሰያት ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንመዕጸዊ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ግዜን ስፍራን ንምብጻሕ ኣይትፍርሑ፡ ናብቲ ናይ ከተማታትናን ህልውናን ደጋዊ ክፍሊ ንኣኡ ንምብጻሕ ኣይትፍርሑ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም መንእሰያት ወንጌላውያን ክዀኑ ኣተሓሳሲቦም … ኢየሱስ ንበይንና ኣይክሓድገናን እዩ፡ ናይቲ ዘይርሕርሕ ፍቕሪ መሰኻኽር ኵኑ፡ ናይ ኣነነትን ንኣይነትን ኢጎነትን ጽልእን መናድቕ ብስም ፍቕሪ ኢየሱስ ኣፍሪስኩም ሓድሽ ዓለም ሕነጹ …  ቤተ ክርስቲያን ኣባኹም እማነ ኣለዋ … ከምዝበሉ ይዝከር።

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት
23 July 2018, 16:32