ንግጭታት ንምፍታሕ ጸሎት እታ ዝበለጸት መጋበሪት እያ! ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ 2ይ
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ሰበኻ ከተማ ባሪ ቤትጽሕፈት ሓድነት ኣብያተክርስትያን ምኽትል ጸሓፊ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ቀዳም ዝካየድ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ተዋድሮስ ካልኣይ ነዙይ ዝበሉ ሲር ንዝበሃል ኣገልግሎት ዜና
ዝሃብዎ ቃል እንኪኸውን ቀጺሎም እውን
ኢሎም፣ እንክብሉ ኣባ ኣልፍረዶ ጋብርየሊ ምኽትል ኣመሓዳሪ ናይ ሰበኻ ባሪቢቶቶ ቤትጽሕፈት ሓድነት ኣብያተክርስትያን ገሊጾም፣
ኣባ ኣልፍረዶ መግለጺኦም ብምትሕሓዝ `ትርጉም ህላዌ ክርስትያን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ክንርዳእ ኣሎና፣ ከም ዝመስለኒ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ክንዮ እቲ ናይ ኣብያተክርስትያናት ርክብን ህልውና ክርስትያንን ትርጉም ክርስትና ንናይ ሎሚ ዓለምና ንምግላጽ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብዛዕባ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ንምስትንታን ክንዮ ሓደነት ክርስትያንን ኣብያተክርስትያንን ክግበር ኣይከኣልን ምኽንያት ብዛዕባ ሰላም እናተዛረብካ ገና ንሕና ክርስትያን ተመቃቂልና እንከሎና እንተኾይኑ ብዛዕባ ህላዌ ክርስትያን ኣብዚ ዓለም ኣብ እንህቦ ምስክርነት ክኸብደና እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ንከተማ ባሪ ምምራጽ እውን ምስ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ኒኮላ እንክነተሓሕዞ እዚ ቅዱስ እዚ ናይ ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጎ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ካልኦት እውን ጽሑፋቱ ዝገልጾ እዩ፣ ኩሎም ስለሰላም ኣብ ዝጽልይሉ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ክርከቡ ከለው ካቶሊካውያን ኦርቶዶክሳውያን ብሓባር ንቅድሚት ንክስጉሙ ዝደፍኦም ሓይሊ ይረኽቡ፣ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣