ኣብ ባሪ ንፋስ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ይነፍስ ኣሎ! ሊቀጳጳስ ሰበኻ ባሪ ኢጣልያ
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ድሕሪ ቊሩብ መዓልታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ምስ ብዙሓት ኣሕሉቅ ቤተክርስትያንን ሓለፍቲ ማሕበረ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅን’ ሓቢሮም ከምቲ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ‘ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዕለት ክነሕልፍ ኢና’ ዝበልዎ ኣብ ከተማ ባሪ ክርከቡ እዮም። ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ሊቀ ጳጳስ ባሪ ቢቶንቶ ብፁዕ ኣቡነ ካኩቺ እንኪገልጹ ‘ንኩሉ ዘጠቃልል ፍሉይ ታሪኻዊ ኣድላይነትን ርዝነትን ዘለዎ እዩ’ ኢሎም፣
እዚ ፍጻሜ እዚ ብቐጥታ ኢኩመኒካዊ ተባሂሉ እንክስመ ሊቀ ጳጳስ ባሪ ቢቶንቶ ብፁዕ ካኩቺ ኣብ መግለጺኦም ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ንኩሉ ብዓይኒ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ተመሪሑ ንኩሉን ኣብያተ ክርስትያን ከተሓባብር ፍሉይ ኣተኲሮ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ገሩ ስለሰላም ክምህለል ከምኡ እውን ኣብ ሥቃይ ምስ ዝነብሩ ኣሕዋትና ክርስትያን ቅርበትና ብግብሪ ንክንገልጽ እዩ፣ እዚ ግን ነሕዋትና ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ቤተክርስትያናን ካቶሊካዊ ዓለምን ብዝተኣሳሰር መንገዲ ንፋስ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዘንፍስ ክኸውን ንጽበ፣’ ኢሎም።
ንብፁዕነቶም ቀጺላ ዝቀረበቶም ሕቶ
‘ከተማ ባሪ ኣብ ዕለታዊ ናብራኣ ነዚ ናይ ሓድነት ክርስትያን መንፈስ ብኸመይ ትነብሮ’
ትብል ነራ። ብፁዕነቶም እንክምልሹ:
እንክብሉ ድሮ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ከተማ ባሪ ልሙድ ከምዝኾነ ገሊጾም፣
ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንጉዕዞ ሓድነት ኣብያተክርስትያንን ሓድነት ክርስትያንን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እውን እዚ ጉዕዞ እዚ ደድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኒቆዲሞስ ካብ ጉባኤ ምልስ ምስ በሉ ንመካነ መቃብር ቅዱስ ኒኮላ ንኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትና ብምኽፋን ኣብኡ እውን ሓንቲ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት ከም ሥርዓቶም ክገብሩ ብምፍቃድ እዮም ጀሚሮሞ፣ እዚ ብደረጃ መላእ ዓለም እንክረኤ ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዝተገብረ ቀዳማይ ስጉምቲ ነበረ፣ በዚ ከምዚ ዝጀመረ ጉዕዞኸስ ቀጻሊ ዘተ ኣብ መንጎና ከምኡ እውን ኣብተን ኣብዚ ሰበኻ ዝርከባ ወንጌላውያንን ካልኦት ማሕበረክርስትያንን ክድንፍዕ ክኢሉ፣ እንክብሉ ምንቅስቃስ ሓድነት ኣብያተክርስትያንን ሓድነት ክርስትያንን ኣብ ከተማ ባሪ ሓዲስ ከምዘይኮነ ሕጂ ከኣ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብዚ ዕለታት ዝግበር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ግዜ ኣብ ከተማ ባሪ ክኸውን ምምራጾም ብሓቂ ደስ ከምዝበሎም ገሊጾም፣