ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ሱፕሊስዮ ሓደስትን ምሥጢራውያንን ገጻት ኣለዋ! ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብቲ ዕለተ ብፅዕና ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ሕይወት ናይቲ መንእሰይ ሽሕ’ኳ ሓጺር እንተኾነ (1817-1836) ንዝመንና እውን ቀጻሊ ምንጪ ኣስተንትኖ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም፣
ሓደ መንእሰይ ቅዱስ ክኸውን ይኽእልዶ? ሓደ ሸቃላይ ቅዱስ ክከውን ይኽእልዶ? እወ ብዘደንቅ መንገዲ ኮይኑ ግን እዚ መንእሰይ እዚ ብፁዕ ክኸውን ከምቲ ማንም መንእሰይን ሠራሕተኛን ቅድስና ዝግብኦ ጥራይ ዘይኮነ መንእሰይን ሠራሕተኛን ስለዝኾነ እዩ ብፁዕ ዝበሃል ዘሎ ኢሎም ነሮም።
መንእሰይን ሸቃላይን!
ስብከት ቅዱስነቶምከስ ንሕይወት ናይዚ ሓዲስ ብፁዕ ኣብ ክልተ መቐልዎ መጀመርያ ብሕይወቱ እንከሎ ዘሕልፎ ገድሊ ካልኣይ ከኣ ድሕሪ ሞቱ ዝተገልጸ ፍጻሜታት ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም ነሮም፣
ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ግሉጽነትን ምሥጢራውነትን ዝመልኦ ሕይወት!
ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ክንዮ ኣብ ላዕሊ ዝተመልክትናየን ክልተ ክፍልታት ማለት መንእሰይን ሠራሕተኛን ሕልፍ ኢልካ ምሥጢራውን ግሉጽን ዝኾነ ሓደስቲ መኣዝናት ከምዝለዎውን ይገልጹ፣
ግድላት ናይ ዘመንና ሠራሕተኛታት!
ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ሕቶታት ምስ ዘርዘሩ ኣብ ናይ ዘመንና ሠራሕተኛታትን ቀንዲ ግድሎምን ምናዳ ከኣ ንሕይወት ሠራሕተኛ ካብ ናይ እምነትን መንፈሳውነትን ክፍሊ ክፈላልዮ ዝጋደል ዘሎ ጉድለት ፍትሒ ኣመልኪቶም ከምዚ ኢሎም ነሮም፣
ሕዝባዊ መንፈሳውነት ኣብ ባህሊ!
ንመንእሰይ ኑንስዮ ኣብ ኲስኰሳኡ መሠረት ዝኾኖ ንምግላጽ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣደ ዓባዮም ‘ዓባይ መምህር’ ኢላ እትገልጻን ንሓደ ዘኽታም ኣብቲ ጽንኩር ናይ ሥቃይ ግዜ ከም ዕላል መልእልተ ባህርያዊ ቃና ኮይኑ ዘጸናንዖን ዝረድኦን ሕዝባዊ መንፈሳውነት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ምሥጢር ቅድስናኡ!
ቅዱስነቶም ስብከቶም ንምዝዛም ምስ ከምዚ ዝበለ ብፁዕ ዕርክነት ምፍጣር ኣድላዩ ከምዝኾነን ነቲ ክግለጽ ዘይከኣል ሕይውነት ናይዚ መንእሰይ ሠራሕተኛ ክርስዑ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሮም፣
ተአምራታዊት ምንጪ ማይ!
እዚ መንእሰይ እዚ እግሩ ብመንሽሮ ሓሚሙ ኣብ ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝገብሮ ምስ ሰኣኖ ናብታ ጥቃኡ ዝነበረት ዓይኒ ማይ ከይዱ ክሕጸብ ከሎ እቲ ምፍጣርካ ዘጽልእ ቃንዛ መንሽሮ ህድእ ይብለሉ ነሩ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ነዛ ምንጪ ማይ ባሪኽና ማይጸሎት ኮይና ሕዝቢ ምእንቲ ክግልገለላ ኣብቲ ብስሙ ቈይሙ ዘሎ መካነ ንግደት ዓቢይ ባስካ ብመልክዕ መርከብ ሰሪሖም ይጥቀሙሉ ኣለው፣