ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ  

ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ሱፕሊስዮ ሓደስትን ምሥጢራውያንን ገጻት ኣለዋ! ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ

55 ዓመት ይገብር ነቲ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ዓቢ ተጋድሎን ሕይወት ብፅዕናን ዘሕለፈ መገልገል እግዚብሔር ኑንስዮ ናብ ደረጃ ብፅዕና ከደይብዎ ምስ ወሰኑ ብፁዕ ጳውሎስ 6ይ ናይ ሽዑ ር.ሊ.ጳ ዕለት 1 ታሕሳስ 1963 ዓምፈ ምስቲ ዝካየድ ዝነበረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣመንጉዮም ካብ ኩሉ ዓለም ዝተረኽቡ ኣበው ጳጳሳት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ‘ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ሱፕሊስዮ ሓደስትን ምሥጢራውያንን ገጻት ኣለዋ’ እንክብሉ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም ከምዝነበሩ መዛግብቲ ቅድስት መንበር ይገልጹ፣

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለተ ብፅዕና ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ሕይወት ናይቲ መንእሰይ ሽሕ’ኳ ሓጺር እንተኾነ (1817-1836) ንዝመንና እውን ቀጻሊ ምንጪ ኣስተንትኖ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም፣

ሓደ መንእሰይ ቅዱስ ክኸውን ይኽእልዶ? ሓደ ሸቃላይ ቅዱስ ክከውን ይኽእልዶ? እወ ብዘደንቅ መንገዲ ኮይኑ ግን እዚ መንእሰይ እዚ ብፁዕ ክኸውን ከምቲ ማንም መንእሰይን ሠራሕተኛን ቅድስና ዝግብኦ ጥራይ ዘይኮነ መንእሰይን ሠራሕተኛን ስለዝኾነ እዩ ብፁዕ ዝበሃል ዘሎ ኢሎም ነሮም።

መንእሰይን ሸቃላይን!

ስብከት ቅዱስነቶምከስ ንሕይወት ናይዚ ሓዲስ ብፁዕ ኣብ ክልተ መቐልዎ መጀመርያ ብሕይወቱ እንከሎ ዘሕልፎ ገድሊ ካልኣይ ከኣ ድሕሪ ሞቱ ዝተገልጸ ፍጻሜታት ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም ነሮም፣

“ንዓኹም ንመንእሰያት ሎሚ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ ነዚ ይብለኩም ኣሎ፣ ንእሰነት ናይ ነጻ ስምዒታት ዕድመ ወይውን ናይቲ ዘይተርፍ ውድቀታት ወይውን ናይቶም ዝሰዓሩ ዘይመስሉ ፈተናታት ንእስነት ወይውን ናይቶም ዕሩባት ሕልና ጽልሙት ኣረኣእያ ወይውን ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ እምበር ካልእ ባዕሉ ይፈልጥ ዝብል ጐዳኢ ምርሒት ዓውዲ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ መንእሰይ ምዃን ብዓንዲ ርእሱ ጸጋ እዩ ዕድል እዩ ይብለኩም ኣሎ፣ ንዓኹም ንሠራሕተኛታት ከኣ እዚ ድኻን ዝሳቀን ብጻይኩም ከምቲ ቤተክርስትያን እትሓስበልኩን ብዛዕባኹም እትግደስን ኣባኹም እምነት ዘለዋን ንስኹም እውን ብግደኹም ናይ ነፍሲወከፍ ወዲ ሰብን ክርስትያንን ክብረት ኣብቲ እተካይድዎ ዕለታዊ ማሕበራዊ ሕይወትኩም ንምዕባሌኹምን ዕብየትኩምን እትደኽምዎ ድኸሙሉ ይብለኩም ኣሎ።”

ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ግሉጽነትን ምሥጢራውነትን ዝመልኦ ሕይወት!

ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ክንዮ ኣብ ላዕሊ ዝተመልክትናየን ክልተ ክፍልታት ማለት መንእሰይን ሠራሕተኛን ሕልፍ ኢልካ ምሥጢራውን ግሉጽን ዝኾነ ሓደስቲ መኣዝናት ከምዝለዎውን ይገልጹ፣

“ንኣብነት ሕጻንነቱ እንተተመልከትና ዝኽትምናን ድኽነትን ዝዓብለሎ ዘሕዝን ኩነታት ዝበዝሖ ምናዳ ነቶም ናይ ንጹሓት ቃንዛ ምሥጢር ንምርዳእ ብቤትትምህርቲ ክርስቶስ ዘይሓለፈ ናብ ዓሚቚ ኣስተንትኖ ዶ ኣይዕድመናን? ከም ግቡኡ ካብዛ ከምዚ ዝበለት ሕጻንነት ማለት ብሓለንጊ ብሕትውናን ድኽነትን ጸገማትን ዝተገርፈት ክምንጩ እትጽበዮ ዝተመዛበለን እምቢተኛን ኣተሓሳስባ ወይውን ዝተመረዘ ጉብዝና ክርከብዶ ኣይነበሮን? ከመይ ኢሉኸ እዩ እዛ ሓጐስ ዝተሓረማ ሕይወት ሕጻንነት ኣንጻር ኩሉ ብደሆታት ብምኻድ ካብ ንጹሕ ሕጻንነቱ ጀሚሩ ብትዕግሥትን ሕያውነትን ክመላለስ ዝኸኣለ?”

ግድላት ናይ ዘመንና ሠራሕተኛታት!

ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ሕቶታት ምስ ዘርዘሩ ኣብ ናይ ዘመንና ሠራሕተኛታትን ቀንዲ ግድሎምን ምናዳ ከኣ ንሕይወት ሠራሕተኛ ካብ ናይ እምነትን መንፈሳውነትን ክፍሊ ክፈላልዮ ዝጋደል ዘሎ ጉድለት ፍትሒ ኣመልኪቶም ከምዚ ኢሎም ነሮም፣

“መልእኽቲ ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ ብዓመጽ ሥራሕ ዝተሳቀየን ከምቲ ንሕና ዝምደለናዮ ውሕስነትን ምክልኻልን ማለት ዝተፈላለያ ሓገዛትን ነጻን ሰብኣዊ ክብረ ሞጎስ ዝለበስና ክንከውን እንደልዮ ደገፍን ከምኡ እውን ከም ድላዩ ክመላለስ ሕጋዊ መሰል ሕይወት ዝመድለዮ ክነሱ ናባና ቊሊሕ ኢሉ ሕይወት ሠራሕተኛ ካብቲ ቀንዲ ልዑል ቀለቡ ዝኾነ መንፈሳዊ መግለጺ ማለት ጸሎት ክፍለ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ስድራቤታውን ማሕበረሰብኣውን ሕይወት ምንፋግ ንመንፈስኩም ዝዓበየ ጸገም እዩ ይብለኩም ኣሎ፣”

ሕዝባዊ መንፈሳውነት ኣብ ባህሊ!

ንመንእሰይ ኑንስዮ ኣብ ኲስኰሳኡ መሠረት ዝኾኖ ንምግላጽ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣደ ዓባዮም ‘ዓባይ መምህር’ ኢላ እትገልጻን ንሓደ ዘኽታም ኣብቲ ጽንኩር ናይ ሥቃይ ግዜ ከም ዕላል መልእልተ ባህርያዊ ቃና ኮይኑ ዘጸናንዖን ዝረድኦን ሕዝባዊ መንፈሳውነት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“ናይዚ መሀይምነት እኳ ከጥፍእ ዕድል ዘይረኸበ መንእሰይ መንፈሳዊ ሕንጸት ከመይ ከምዝነበረ ምምልካት ኣድላዩ እዩ፣ ነዚ ኣዕሙቚ ኣቢልና እንክንምርምር እቲ ኣብቲ ዘመን እትን ኣብቲ ከባቢ እትን ዝዝውተር ዝነበረ መንፈሳዊ ተግባራት ምንጪ መንፈሳውነት ከምዝኾነ ትግምግም፣”

ምሥጢር ቅድስናኡ!

ቅዱስነቶም ስብከቶም ንምዝዛም ምስ ከምዚ ዝበለ ብፁዕ ዕርክነት ምፍጣር ኣድላዩ ከምዝኾነን ነቲ ክግለጽ ዘይከኣል ሕይውነት ናይዚ መንእሰይ ሠራሕተኛ ክርስዑ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሮም፣

“ከም ሰብ መጠን እንክትዛረብ እታ ሕያውነቱ ክትግለጽ ኣጸጋሚ እዩ፣ እዛ ሕያውነት እዚኣ ነታ ሃሰስ ንብላ ዘሎና ምንጪ ቅድስናኡ ምሥጢር ቅድስናኡ ክትገልጸልና ትኽእል ኢሎም፣”

ተአምራታዊት ምንጪ ማይ!

እዚ መንእሰይ እዚ እግሩ ብመንሽሮ ሓሚሙ ኣብ ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝገብሮ ምስ ሰኣኖ ናብታ ጥቃኡ ዝነበረት ዓይኒ ማይ ከይዱ ክሕጸብ ከሎ እቲ ምፍጣርካ ዘጽልእ ቃንዛ መንሽሮ ህድእ ይብለሉ ነሩ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ነዛ ምንጪ ማይ ባሪኽና ማይጸሎት ኮይና ሕዝቢ ምእንቲ ክግልገለላ ኣብቲ ብስሙ ቈይሙ ዘሎ መካነ ንግደት ዓቢይ ባስካ ብመልክዕ መርከብ ሰሪሖም ይጥቀሙሉ ኣለው፣

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!

 

19 July 2018, 18:53