ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምጭዋይ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምጭዋይ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ 

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምጭዋይ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ

ናይቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ሶሪያ ከባቢ ራቓ ዝተጨውዩ ገና ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ኰይኑ ናይ ዘሎ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ሓብቶም ኣና ማሪያ ዳሎሊዮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፡ መላእ ስድራ ቤት ኣባ ዳሎሊዮ ሕጂ እውን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ሶሪያ ምዃኑ ሓቢረን፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ንኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ንጽበይ ኣሎና ኢለን።

ናይቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ሶሪያ ከባቢ ራቓ ዝተጨውዩ ገና ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ኰይኑ ናይ ዘሎ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ሓብቶም ኣና ማሪያ ዳሎሊዮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፡ መላእ ስድራ ቤት ኣባ ዳሎሊዮ ሕጂ እውን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ሶሪያ ምዃኑ ሓቢረን፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ንኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ንጽበይ ኣሎና ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ፍራንቸስካን ኢማኮላታን ኣና ማሪያ ዳሎሊዮ፡ ሰለስተ ኣሕዋት ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮን መላእ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን፡ ኣባ ዳሎሊዮ ዕለት 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሶሪያ ካብ ዝተጨወዩላ ዕለት ኣትሒዞም ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ይጽበይዎም ከምዘዉ እንክሕበር፡ ዋላ’ኳ ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ምዃኑ ዝፈጥሮ ዘሎ ጭንቀትን ፍርሓትን ናይቶም ዝበዝሔ ዕድመኦም ኣብ ድጋፍን ሕንጸትን ሕዝቢ ሶርያ ዘወፈዩ ንናይቲ ከባቢ ሰላምን ዕርቅን ዝተመጸምዱ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምብራቕን ሓናጺ መራኸቢ ድልድል ተባሂሉ ዝንገረሉ፡ ኣብ 1982 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሙሳ ባሕሪ ዝመስረትዎ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ ዝኽተል ገዳም ኣነቓቓሒ ሰላምን ምሕዝነትን ናጻ ተለቒቖም ምስ ፈተውቶምን ማሕበሮምን ክራኸቡ ብተስፋ ንጽበይ ኣሎና እንክብላ ሓብቶም ኣና ማሪያ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ዝተጨወዩላ ዕለት

ኣባ ዳሎሊዮ ዕለት 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ራቃ ከምእተጨውዩን ምስ ተጨወዩ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ራቃ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ኣኽራሪ ዕጡቓት ሓይሊ እስላማዊ ስርዓት ዋና ከተማ ከምዝዀነት ዝዘከራ ሓብቶም ፍራንቸስካ እውን ብወገነን፥ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሶሪያ ናይ መንበሪ ፈቓድ መንግስቲ እታ ሃገር ከልኪልዎም ከምዝነበረን፡ እዚ ከኣ ጸኣተይና ክስምዖም ከምዝገበረን ይኹን ደኣ እምበር ብርግጽ እቲ ኣብ ሶሪያ ተባሪዑ ዝነበረ ውግእ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብቐረባ ዝፈልጥዎ እውን እንተነበሩ፡ ከም ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብቲ ከባቢ ተዋሂዶም ባህሊ ናይቲ ከባቢ ባህሎም ገይሮም ቋንቋን ኣነባብራን ህዝቢ ለቢሶም፡ ኣብቲ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ባህልን ህልው ኩነትን መጻእን ገዛእ ርእሶም ጸንቢሮም ናይቲ ህዝቢ ስቓይን ሓጐስን ክካፈሉ ዝመርጹ ምዃኖም ምስ ሓበራ፥

         ኣዴና ውላዳ ናጻ ተለቒቑ ዝምለሰላ ሰዓት ትጽበይ ኣላ

ኢለን።

ጻውዒት ወላዲት ኣባ ፓውሎ

ኣባ ዳሎሊዮ ካብ ዝጨወዩ ሓሙሽተ ዓመት ኰይንዎምን ወላዲትን ኣሕዋትን ማሕበር ኢየሱሳውያንን ፈተውቶምን ብዛዕባኦም ሓበሬታ ክሰምዑ ተስፋ ብዘይም ምቑራጽ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ሓሙሽተ ዓመት ብዘይ ገለ ጽንጽንታን ሓበሬታን፡ ሶሪያ ጸዋዕታ ሕይወቶም ገይሮም ሰላምን ፍቕርን ኣብ ምስፋሕ ዝተጸምዱ ምዃኖን ሓብቶም ፍራንቸስካ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፡ ኣባ ፓውሎ ኣብ 1977 ዓ.ም. ናብ ሊባኖስ ከም ተመካሪ ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተላኢኾምን ካብቲ እዋን ኣትሒዞም ገዛእ ርእሶም ወዲ ማእከላይ ምብራቕ እንክብሉ ዝገልጹን፡ እዚ ከኣ ንማከላይ ምብራቕ ዘለዎም ጸዋዕታ ምዃኑ ይገልጹን ኣብቲ ከባቢ ንኸገልግሉ ዝተልእኹ እዮም፡ እዚ ኹሉ ፍቕሪ ንማእከላይ ምብራቕ ምኽንያት ምልቓቕ ክዀነሎም ናይ ወላዲቶም ተስፋ ምዃኑ ይሕብራ።

ተጓዓዛይ ንሰላም ምርግጋጽ ኣብ ሶሪያ ሸምጋሊ

እታ ሳልሰይቲ ሓብቶም ኢማኮላታ እውን ብወገና ቅዱስ ኣቦና ኣብ እዋን ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ምጭዋይ ኣባ ዳሎሊዮ፡ ሓደ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣባ ዳሎሊዮን እቶም ምስኦም ዝተጨውዩ ገዳማውያን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ክልከቑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዘኪረን፡ ውግእ ስቓይን ሞትን ማህሰይትን ምብትታን ኣባይቲ ስድራን እዩ ዝፈጥር፡ ካብዚ ኵሉ ጸግም ዝተላቐት ሓድነታ ውሑስ ዝዀነላ ሓብሓቢት ህዝባ ዝዀነት ሃገረ ሶርያ ክትህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እንክዝክራ፥

ጸሎት ምእንቲ ናኣባ ዳሎሊዮ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ገዳመ መድሃኔ ዓለም ናይቲ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ ዝመስረትዎ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ሙሳ ናይ ዝርከብ ገዳም ጨንፈር፡ ካብ 2002 ዓ.ም. ዝቖመ ሃይማኖት ምስልምናን እምነት ክርስትናን ዝዝትይሉን፡ ዝራኸቡሉን ናይ ዘተ ባህሊ ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብኡ ምእንቲ ናጻ ምልቓቕ ኣባ ዳሎሊዮን ካልኦት ኵሎም ዝተጨውዩን ዝተደርሰ ጸሎት ዝርከብ ኰይኑ፡ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ገዳመ መድሃኔ ዓለም ምእንቲ ኣባ ዳሎሊዮን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝተጨውዩ ሃለዋቶም ዘይፍሉጥን ዘይንገረሎምን ኵሎም ናጻ ንኽልቀቑ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምጭዋይ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ
30 July 2018, 16:24