ኒካራጉዋ፡ ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት መግለጺ ኒካራጉዋ፡ ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት መግለጺ 

ኒካራጉዋ፡ ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት መግለጺ

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ርእሰ ሰበካ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኣቪለስ ካንቶን ንምርግጋጽ እውነተይና ስርዓት ደሞክራሲ ኣብ ኒካራጉዋ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኦርተጋ ጸቕጢ ክገብር ዕቱብ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ሕዝቢ ኒካራጉዋ ንብፁዓን ጳጳሳቶም ዝድግፍ መንፈሳዊ ሰልፍን ንግደትን ንኽካየድ ይጽውዕ።

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ርእሰ ሰበካ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኣቪለስ ካንቶን ንምርግጋጽ እውነተይና ስርዓት ደሞክራሲ ኣብ ኒካራጉዋ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኦርተጋ ጸቕጢ ክገብር ዕቱብ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ሕዝቢ ኒካራጉዋ ንብፁዓን ጳጳሳቶም ዝድግፍ መንፈሳዊ ሰልፍን ንግደትን ንኽካየድ ይጽውዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ምስ ፎክስ ነውስ መደብር መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ኒካራጉዋን ህልው ኩነታት ዝበልዎ ኩሉ ሓቅነት ዘይብሉ ትኽክለይና ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤውኮኖሚያውን ስእሊ ኒካራጉዋ ዘየንጸባርቕ ምዃኑ ናይ ርእሰ ሰበኻ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኒካራጉዋ ብሔራዊ ሓልዮ ዘተ ድርገት ኣማኻሪ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኣቪለስ ካንቶን ገሊጾም።

ርእሰ ብሔር መንግስቲ ኒካራጉዋ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ህዝብን ድርገት ሓልዮ ብሔራዊ ዕርቂ ዳንኤል ኦርተጋ ኣክንዲ ኣብቲ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ዘብቅዓሉ 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ሃገርን ሕዝብን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ክጽውዑ እንክብል ንዘቕረቦ ሕቶ ዘይቅቡል እዩ ቢሎም፡ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ኩነታት ምርግጋእ ኣርእዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ካንቶን ሓቢሮም፡ ካብቲ ሕዝባዊ ዓመጽ ካብ ዝተባርዓሉ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ንነጀው ብውሑዱ 360 ሰባት ከምእተቐትሉን ናይ ህዝቢ ስቓይ እውን ይብእስ ኣሎ ኢሎም።

ርእሰ ብሔርነት ኦርተጋ ኢቅዋማዊ ሃገር እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ካንቶን ፡ ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ እቲ ንፎክስ ነዊስ ዝሃብዎ መልሲ፡ ኣብ ኒካራጉዋ ዘይነብሩ እዩ ዘምስሎም፡ ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ህልው ኩነታት ኩሉ ዝፈልጦ ውጥረትን ሁከትን ዝተመልኦ እዩ፡ ስለዚህ እዛ ሰሙን እዚኣ ምርግጋእ ዝተራእየላ ክትብል ብሓቒ የሕዝን፡ ኣበይ ክፍሊ ዓለም ከምዝነብሩ እንድዒ። እቶም መሰል ሓይሊ ምክልኻል ዝዀኑ ዕጡቓ ሓይሊ ደገፍቲ ኦርተጋ ዜጋታት ይኣስሩን የሳቕዩኡን ይጨውዩን ኣለዉ፡ ገዝእ ርእሶም ኣብ ዝቕጽል ህዝባዊ ምርጫ ከሳትፉ መታን ብዛዕባ ሕዝባዊ ምርጫ ዝምልከት ዓንቀጽ ቅዋም ሃገር ክቕየር ገይሮም እዮም። ስለዚህ እቲ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ኢቅዋማዊ ሃገር እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ሕዝባዊ ምርጫ ክጽውዑ ይግባእ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ዝሳቐይ ሕዝቢ

ብፁዕ ኣቡነ ካንቶን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስዒቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋን ጳጳሳታን ካህናታን ገዳማውያንን ብዙሕ ስቓይ የጋጥሞም ኣሎ፡ ሽዱሽተ ካህናት ርእሰ ሰበኻ ማናጉዋ ናይ ምፍርራሕ መልእኽቲ ከምዝበጽሖምን ናይ ቁምስና ማርያም መቕደላዊት መሳኹትን መዓጹን ብዝተዓጥቑ ደገፍቲ ኦርተጋ ከምእተሰባብረን፡ ኣብ ሳንቲያጎ ሓዋርያ (ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ) ቤተ ክርስትያንን መለኰታዊ ምህረትን መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉን። ዕጡቓት ሓይሊ ደገፍቲ ኦርተጋ ማናጉዋ ኣብ ዝርለን ካቴድራል ተዓቝይቦም ዘለዎ ዜጋታት ክሳብ ዝወጹን ምስ ወጹ ንኽሕዝዎም ኣሚቶም ሓይሊ ምክልኻል ነቲ ካቴድራል ከቢቦም ይቆጻጸርዎ ከምዘለዉ ይሕብሩ።

ዳንኤል ኦርተጋ ነቶም ዝቃወሙን ኣድማ ንዘካይዱን ዝድግፍን ንዝቖሰሉ ኣድመይናታት ዝከናኸን ኩሉ ኣሸባሪ እዩ ይብሉ፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ መላእ ህዝቢ ኒካራጉዋ እዩ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ካንቶን።

ዕቱብ ጻውዒት ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ

ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ኒካራጉዋ ክድግፍ ብፁዕነቶም ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዕቱብ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ እቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተባርዔ ሕዝባዊ ዓመጽ ኣብ መንጐ ክልተ ዕጡቓት ሓይሊ ዘሎ ውጥረት ዘንቀሎ ዘይኰነስ ሰላማዊ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ደገፍቲ ኦርተጋ ዕጡቓት ሓይሊ ዝወስድዎ ዘለዉ ዘይተመዓራረየ መጥቃዕቲ ዘንቅሎ ዘሎ ሁከት እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ሕዝባዊ ሰላማዊ ኣድማ ከኽብሩን ኒካራጉዋ ናብ እውነተይና ስርዓት ደሞክራሲ ከተብል መታን ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ኦርተጋ ጸቕጢ ክገብር ይጽውዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕዝቢ ንዕለት 28 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኒካራጉዋይን ብፁዓን ጳጳሳታን ዝድግፍ ሰልፊ ሰላማዊ ንግደት ክካየድ ሓላይ ሓቅን ፍትሕን እተሰምየ በርገሳዊ ማሕበር ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ይንገር።

ኒካራጉዋ፡ ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት መግለጺ
26 July 2018, 15:53