ድለ

NICARAGUA PROTESTS NICARAGUA PROTESTS 

ኒካራጉዋ፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ፥ ብስርዓት ህልው መንግስቲ እትሳደድ ዘላ ቤተ ክርስቲያን

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ዘነቓቕሕዎን ዝላበውዎን መደብ ብሔራዊ ዕርቂ ክቕጽልሉን ወይ ንኸቋርጽዎን ክውስኑ ምዃኖን ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ውጥረትን ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ።

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ዘነቓቕሕዎን ዝላበውዎን መደብ ብሔራዊ ዕርቂ ክቕጽልሉን ወይ ንኸቋርጽዎን ክውስኑ ምዃኖን ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ውጥረትን ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ብስርዓት ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ትሳደድ ከምዘላ ናይ ኑካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ብሔራዊ ዘተ ሓልዮ ድርገትን ኣቦ መንበርን ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ለዮፖልዶ ብረነስ ሶሎርዛኖ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒካራጉዋ ከምዘዕረገትን ይዝከር።

ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ከምዝሓበርዎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ዒላማ ኣሳዶ ከምዝዀነት ዝከሓድ ኣይኰነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያንን ብፁዓን ጳጳሳት እውን መጥቃዕቲ ከምዝወረደ ሓቢሮም፡ እዞም ብርእሰ ብሔር ኦርተጋ ናይ ምንቅስቓስ ዕልዋ መንግስቲ መራሒ ተባሂሎም ዝኽሰሱ ዘለዉ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖሊቲካውን ማሕበራውን  ውጥረት ዝግ ንምባልን ምርግጋእ ክፍጠር መታን ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ኣብ ዘብቅዓሉ 2021 ዓ.ም. ዘይኰነስ  ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ቃል ክኣትዉ ዝብል ሕቶ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ጻውዒት ከምዝቐረበ ይሕብሩ።

ስግኣት ሕድ ሕዳዊ ውግእ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ማርኮ ሩቢዮ፥ ኣብ ኒካራጉዋ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ክፍጠር ዝድርኽ ህዋሁ ከምዘሎ ንመንግስቶም እንክሕብሩ፡ ኦርተጋ ነቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ደው ንምባል ሕዝባዊ ምርጫ ኣቐዲሙ ክፍጸም ዝብል መገዲ ዕርቂ ነጺጐም ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ውጥረት ንምዕፋን ኣእዳዎም ብደም ንጹሓን የጨቅዉ ኣለው እንክብሉ ክሲ የቕርቡ።

ኣባይቲ ማሕቡስ ኣባይቲ ስቓይን መግረፍትን

ናይ ኒካራጉዋ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጓቲ ማሕበር፥ መንግስቲ ኒካራጉዋ ስቓይ ሰብ ዘይስምዖ ምዃኑ ነቲ ኣብ ልዕሊ ካቶም ህዝባዊ ኣድማ ዘካይዱ ካብ ዝነበሩ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኤል ቺፖተ ናይ ዝተዳጐኑ ኣዴታት ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምፍርራሕን ጸቕጥን ተግባር ክኹንን እንከሎ፡ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ እውን ብወገኑ ኣባይቲ ማሕቡስ መሳቐይን መግረፍትን ዝፍጸመሉ ኰይኑ ኣሎ እንክብል ክሲ የቕርብ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዝተለዓዓለ ሕዝባዊ ሰልፊ ተቓውሞ ዕለት 21ን 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ኒካራጉዋ ከምእተኻየደን መብዛሕቲኦም መንእሰያት ክዀኑ እንከለዉ። ናይ  መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ድርገት ኣብ ኒካራጉዋ ካብቲ ወግዓዊ ናይ ሕግን ፍትሕን ወጻኢ ብዙሓት ንዝተላለዩ ውሳኔ መቕተልትን መግረፍትን ይፍረድ ኣሎ እንክብል ዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ካብ ሓቂ ዝረሃቐ ጠቀነ እዩ ይብል።

ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ኦርተጋን በዓልቲ ቤቶም ምኽትል ርእሰ ብሔር ሮሳሪዮ ሙሪሎን ምግባረ ብልሽውናን ከምኡ እውን መግስቲ ሓንጺጽዎ ዝነበረ መደብ ሕዳሴ ብዘይፍጻሙን ዝሓንጸጾ ናይ ጡረታ ኣበል መምርሕን ብምቅዋም ዕለት 18 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ሕዝባዊ ተቓውሞ ካብቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ሕቶ ክንየው ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ስልጣኖም ክለቁ ዝሓትት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኒካራጉዋ፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ፥ ብስርዓት ህልው መንግስቲ እትሳደድ ዘላ ቤተ ክርስቲያን

 

25 July 2018, 09:25