2018.07.05 መራኸቢ ብዙኃን ንእትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ሓላፊ ክኾኑ ዝተሾሙ ፓውሎ ሩፊኒ 2018.07.05 መራኸቢ ብዙኃን ንእትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ክኾኑ ዝተሾሙ ፓውሎ ሩፊኒ  

ኣብ መንጎ አመሰያን መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ምሉእ ምትሕብባር ኣሎ! ሩፊኒ

አመሰያ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል (Association of Member Episcopal Conferences in Eastern Africa) ማለት ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ መበል 19 መደበኛ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ አሎ፣ እዚ ዕለት 13 ሓምለ 2018 ዓምፈ ብሱባኤን ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝጀመረ ጉባኤ እዚ ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓምፈ ክቅጽል ምዃኑ መርሓ ግብሮም የመልክት።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መራኸቢ ብዙኃን ንእትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ሓላፊ ክኾኑ ዝተሾሙ ፓውሎ ሩፊኒ ‘ሽሕ’ኳ ሓዲስ ተሰያሚ እንተኾንኩ ንመራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ንመልእኽቲ ወንጌልን ድምጺ ር.ሊ.ጳጳሳትን ኣብ ምዝርጋሕ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሕያው ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ዜናታትን ዓወታትኩምን ከምኡ እውን ንዘሎኩም ብደሆን ቃንዛን ክነቃልሕ ስንድዋት ምዃና እገልጸልኩም` እንክብሉ ናብቶም ተጋባእቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ቅርበትን ምትሕብባርን መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ንአበው ጉባኤ ገሊጾም፣

ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሰሊሎም!

ዝሓለፈ ዓመት ካብ መጨረሽታ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 5 ሕዳር 2017 ዓምፈ ብ7 ኣቦታት ዝቆመት ጉጅለ ማለት ልዑል ካርዲናል ዮሓንስ እንጁወ - ሊቀ ጳጳስ ናይሮቢ - ኬንያ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቶማስ ሉቃስ ምሱሳ - ሊቀ ጳጳስ ብላንቲረ - ማላዊ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሚካኤል ዲዲ - ሊቀ ጳጳስ ካርቱም - ሱዳን ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ዮሓንስ ኦዳማ - ሊቀ ጳጳስ ጉሉ - ኡጋንዳ ብፁዕ አቡነ ዮሴፍ አንቶንይ ዚዚዋ - ጳጳስ ኪዪንዳ ሚትያና - ኡጋንዳ ጥቀ ክቡር አባ ፈርዲናድ ሉጎንዞ - ዋና ጸሓፊ ቤ/ጽሕፈት አመሰያ - ኬንያ ስለ ዕርቐ ሰላም ኣብ ኤርትራ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገበሩን ኣብ ኣርባዕቲኤን ኤጳርቅናታት ብምኻድ ብጸሎትን ብዘተን ሕብረቶም ከምዝገለጹ እንክምልከት ናይቲ ተልእኮ ቀንዲ ዕላማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘሎ ወጥሪ ናብ ንቡር ናብ ሰላም ንክምለሱ መንገዲ ንምእላሽ ነሩ፣ በዚ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን መራሕትን መንግሥቲ ኤርትራ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡን ምሉእ ተስፋ ከምዝነበሮምን ብዓቢ ሓጐስ ገሊጾም ተስፋ ሰኒቆምን ተስፋ ኣስኒቆምን ቡራኬኦም ሂቦም ተፋንዮም ነሮም፣

ዝሓለፈ ቅንያት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ንመበል 19 ጉባኤ ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝድመቀ ኣገባብ ንምጽንባል ኣብ ትሸባሸበሉ ዝነበረትሉ እዋን ነቲ ንነዊሕ እዋን ክትሓዝኦ እሞ ኣብኡ ክትጽምብሎ ብማለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣደራሽ ሚለንዩም ክትጥቀም ኣቅሪባቶ ዝነበረት ጠለብ ከምዝተሰረዘን ንካልእ ዓቢ ጉዳይ ከምዘድልዮምን ምስ ተሓበሩ መጀመርያ እንታይ ኮን ይኸውን ክበሃል ቀንዩ ድሒሩ ግን ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ምስ መሳርሕቶም ናይ ዕርቀ ሰላም ዑደት ክገብሩ ኣብታ ንስኹም ሱባኤ እትጅምራሉ ኣዲስ ኣበባ ኪኣትው እዮም ምስ ተባህሉ እሞ ነቶም ኣጋይሽ ምስ ተሓበረ ገሊኦም ጸሎትና ሰሚሩ ክብሉ ገሊኦም ከመይ ኮይኑ ብሓደ መዓልቲ ይኸውን ወይ ናይ ኣምላኽ ሥራሕ ክብሉ ጳጳሳት ኣብ ሱባኤ ስለዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበርን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ኣብቲ ጽንምብል ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብቲ ዝተገብረ መኽፈቲ ጸሎት ንኣኦም ወኪሎም ዋና ጸሓፊ ካቶሊካዊ ቤትጽሕፈት ኢትዮጵያ ጥቀ ክቡር ኣባ ሓጐስ ሓይሽ እዮም ጸሎት ዝመርሑ፣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንብዙሓት ኣድናቆትን ኣግራሞትን ዘትረፈ ኮይኑ ኩሎም ኣበው ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓባርን ብተናጸልን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጉዕዞ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ደገፎም ገሊጾም፣

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሁመት እዩ እምበር ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ፓውሎ ሩፊኖ ናብ ኣበው ጉባኤ ተሓድሶ ንኣገልግሎት ወንጌል እንክብሉ መልእኽቲ ዝጸሓፉ፣

ተሓድሶ ንኣገልግሎት ወንጌል!

ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ኣብ መልእኽቶም ኣብቲ ኣብ ከተማ ቫቲካን ብ1994 ዓምፈ ዝተኻየደ ንኣፍሪቃ ዝምልከት ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ስዒቡ ዝወጸ ኤክለስያ ኢን ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝብል ሓዋርያዊ ምሕጽንታ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ምልስ ብምባል ብዛዕባ ናይ ሰበኻ ረድዮታት ዘድሊ ወፍሪ ክግበር ብዝተማሕጸኖ እዚ ውሳኔ እዚ ከኣ ትንቢታውን ትብዓት ዝመልኦን ብምንባሩ ምስታ ድምጺ ር.ሊ.ጳ ዝኾነት ረድዮ ቫቲካን ጥቡቅ ምትሕብባር ብምግባር ኣብ ዓወት በጺሑ ኢሎም፣  እዚ ውህደትን ምትሕብባርን እዚ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቅድስት መንበር ዓቢ ናይ ተሓድሶ ጉዕዞ ረድዮ ቫቲካን እውን ነቲ ኣብ ዓለምና ዝረኤ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ለውጥን ምዕባሌን ብምኽታል ኣካል ናይዚ ሓዲስ ዝቆመ መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ኮይኑ ንኣገልግሎት ወንጌል ዘድሊ ተሓድሶ ንምግባር ትሸባሸብ ኣላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ምልስ ምስ እንብል ሎሚ እውን እንተኾነ ንዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ቀንዲ ዓንዲ ሕቈ ዝኾነ ዲጂታል ዝበሃል ተክሎጂ ብብቅዓት ዘይበጽሐን ስለዘሎ ፍሉይ ቈላሕታ ክግበር ኣዘኻኺሮም፣

ፍሉይ ቈላሕታ ነታ ብቚዕ ኣገልግሎት ዲጂታል ተክኖሎጂ ዘይብለን ሃገራት!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር እንከቊሙ መጀመርያ ብቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ብዝብል ዝጀመረ እንክኸውን ንኩለን ናይ ቅድስት መንበር መጋበሪ መራኸቢ ብዙሓን ብሓደ ጠሚርካ ንዝለዓለ ውጽኢት ተሓድሶ ንምትእትታው እንክኸውን ብፍሉይ መንገዲ ዘሥመሩሉ ግን ‘ፍሉይ ቈላሕታ ነታ ብቚዕ ኣገልግሎት ዲጂታል ተክኖሎጂ ዘይብለን ሃገራት` ዝብል ሓሳብ ኮይኑ እዚ ተሓድሶ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቅድስት መንበር እውን ከም የማናይ ኢድ ቅዱስነቶም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝርከብወን ገና ኣብ ምዕብልና ዘለዋ ብቊዕ ኣገልግሎት ዲጂታል ተክኖሎጂ ንዘይብለን ሃገራት ክዝንግዕ ወይውን ገዲፍወን በይኑ ክውንጨፍ ዘይሕሰብ እዩ፣ ረድዮ ቫቲካን ከም ቀደማ ብናይ ዘመንና ሓደስትን ምዕቡላትን ዲጂታል መጋበርን በቲ ናይ ቀደም ልሙድ ናይ ሓጸርቲ ማዕበላትን ምናዳ ኣብተን ገና እዚ ኣገልግሎት እዚ ዘድልየን ሃገራት ክትቅጽል እያ፣ ድሕሪ ቢሎም ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጉዕዞ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ እዚ ፍጻሜ ምግጣሙ ከኣ ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ ተስፋን ሰላምን ብርሃን ክብሉ ገሊጾሞ፣

ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ ተስፋን ሰላምን ብርሃን!

ዘደንቅ ኣጋጣሚ ብማለት ኣግራሞቶም ዝገለጹ ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙኃን እትሓሊ ማሕበር  ቅድስት መንበር ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ‘መበል 19 መደበኛ ጉባኤ ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎኤን ብዝተሓደሰ ድሌት ሰላም ዳግም ንክሃንጹ ዘርኣይዎ ድሌትን ብሓንሳብ ምግጣሙ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዕለት ሓደ ሓምለ 2018ዓምፈ ኣብ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ዝገልጽዎ እዘን ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ብዙሓት ግጭታት ክዛተዩ ምድላዮም ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብርሃን ተስፋ እዩ` ዝበልዎ ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ ተስፋን ሰላምን ብርሃን እዩ፣ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቕ!
15 July 2018, 16:25