ድለ

  ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ዋርስዛዋ ፕራጋ (ኣብ ሃገረ ፖላንድ) ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ዋርስዛዋ ፕራጋ (ኣብ ሃገረ ፖላንድ) ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር  

ኣብ መጀጎርየ ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ተልእኮ ሓዋርያዊ ሓውጾት ክጅምሩ እዮም፣

ካብ 1981 ዓምፈ መጅጎሪ ኣብ ዝበሃል ናይ ቦዝንያ ሀርዘጎቪና ቊምስና ብመልእኽታት ንግሥተሰማያት ተዓዲሞም ንንግደት ካብ መላእ ዓለም ንዝውሕዙ ነጋድያንን ናይታ ቑምስና ምእመናንን ሓዋርያዊ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ንር.ሊ.ጳ ወኪሎም ክከታተሉ ዝተሠየሙ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሀንሪክ ሆሰር ጽባሕ ሰንበት ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ቀትሪ ብቅዳሴ ሥራሖም ክጅምሩ ምዃኖምን ምእመናን ቊምስናን ነጋድያንን እውን ኣብዚ ቅዳሴ ክሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ተልእኮ ሓዋርያዊ ጒስነት!

ዋርስዛዋ ፕራጋ ናይ እትበሃል ኣብ ሃገረ ፖላንድ እትርከብ መንበረ ሊቀጵጵስና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 11 የካቲት 2017 ዓምፈ ንኩነታት ነጋድያንን ቊምስናን መጀጎርየ ከክንዳኦም ኮይኖም ክዕዘቡን ከም ፍሉይ ልኡኽ ቅድስት መንበር ገሮም ልኢኾሞም ከምዝነበሩን እቲ ተልእኮ ከኣ ነቲ ኩነታት ከጽንዑን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ናይተን ነፍሳት ጒስነት ብዝምልከት ዕሙቚ ዝበለ ጸብጻብ ከቅርቡ ነበረ፣  ነዚ ግን ምስቲ ዝነበሮም ናይ መንበረ ሊቀጵጵስናኦም ሓላፍነት ተደሪቡ እዩ ዝነበረ፣ ሕጂ ግን ዕድመ ኣገልግሎት ሊቀጵጵስናኦም ስለዘብቀዔ ነቲ ሓላፍነት ሊቀጵጵስና ንካልእ ኣረኪቦም፣

ፍሉይ ቈላሕታ ር.ሊ.ጳ ኣብ መጀጎሪ!

ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስነቶም ነዚ ፍሉይ ተልእኮ ክልእክዎም ከለው ናይ ቅድስት መንበርን ክፍሊ ሕትመት ቫቲካንን ግረክ ቡርክ ‘ተልእኮ ናይዚ ፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ዘመልክቶ ነገር እንተልዮ ር.ሊ.ጳ ጉዳይ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ንንግደት ዝጐዓዙ ነጋድያን ክሳብ ክንደይ ከምዘተኰሩሉን ከምዝሓስበሉን እንከመልክት እዚ ተልእኮ እዚ ናይ ስለያን ምጽራይን ዘይኮነ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ተልእኮ ኣገልግሎት ጒስነት ነፍሳት እዩ፣ ስለዚ እዚ ተልእኮ እዚ ተልእኮ ንመንፈሳውያን ንጋድያንን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ጉስነትን ዝምልከት እዩ፣ ኢሉ መብርሂ ሂቦም ነሮም፣

ንመንፈሳውያን ነጋድያንን ንምእመናን ቊምስናን ቀጻሊ ምስናይይ!

ከምቲ ዓሚ ዝተመልከተኸስ ቅዱስነቶም ጒዳይ ምእመናንን መጅጎሪን ነጋድያንን ስለዘተሓሳሰቦምን ክንዳኦም ኮይኑብቀጻሊ ዘሰንዮም ጓሳን ብግዲ የድሊ ስለዝበሉ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዕለት 31 2018 ዓምፈ ንሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ፍሉይ ሓዋርያዊ ሓዋጺ ናይ ቊምስና መጀጎሪ ንዘይተወሰነ ግዜን  ኣድ ኑቱም ሳንክተ ሰዲስ ማለት ብሥልጣን ሓዋርያዊ ኣመሓዳርን ከገልግሉ ሾምዎም፣ ነዚ ሽመት እዚ እንከብራህርሁ ናይ ቅድስት መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ‘እዚ መዝመነት እዚ ብሱሩ ናይ መንፈሳዊ ጒስነት ኮይኑ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህበ ናይ ፍሉይ ተልእኾ መቀጸልታን መጽደቅን እዩ፣ ቀንዲ ተልእኮ ከኣ ንነፍሳት ብመንፈሳዊ ጒስነት ብቀጻሊ ምስናይ እንክኾን እዚ ከኣ ነቶም ናይታ ቊምስና ምእመናንን ነቶም ካብ መላእ ዓለም መንፈሳዊ ንግደት ንክገብሩ ዝመጹ ነጋድያንን ይምልከት እንክብሉ ገሊጾም፣

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ!
21 July 2018, 16:37