ድለ

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት 

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት

ብብፁዕ ጃኮሞ ኣልበሪዮነ ዝተመስረተ ኣብ 1931 ዓ.ም. ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰ ስሙናዊ መጽሔት Famiglia Cristiana (ክርስቲያን ስድራ ቤት) ብምኽንያት ዝኽሪ እቲ ብጳውሎስ ሻድሻይ ዝተደርሰ ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት ዝኽሪ መበል መበል 50 ዓመት ኣብ ናይ ዕለት 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ሕትመቱ፡ ሰፊሕ ሓታት ንንባብ ከምዘብቅዔ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብብፁዕ ጃኮሞ ኣልበሪዮነ ዝተመስረተ ኣብ 1931 ዓ.ም. ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰ ስሙናዊ መጽሔት Famiglia Cristiana (ክርስቲያን ስድራ ቤት) ብምኽንያት ዝኽሪ እቲ ብጳውሎስ ሻድሻይ ዝተደርሰ ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት ዝኽሪ መበል መበል 50 ዓመት ኣብ ናይ ዕለት 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ሕትመቱ፡ ሰፊሕ ሓታት ንንባብ ከምዘብቅዔ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ (ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ዝእወጀሎም) ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ሩካቤን ፍቕርን ሕይወትን እትዛረብን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ከይድታትን ዕቃቤታቱን ሕይወት ካበይን ናበይን ብመንጽር ፖለቲካ ጌጋ ዝበሃል ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እንታይ ዝብል ምዃኑ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዕለት 25 ሐምለ 1968 ዓ.ም. ዝተደርሰ ኣብ ኤወሮጳ ዝወዓዋዕ ዝነበረ ሶውራ ስነ ሩካቤ ግምት ብምሃብ ክሳብ እቲ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ብዙሕ ዘይትዛረበሉ ዝነበረ ኣርእስተ ጉዳይ ኣማእኪሎም እንታይ ትምህር ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ንብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብወግዒ የነጽሩ።

ልክዕ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት መጽሔት ፋሚሊያ ክርስቲያና እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ሎሚ እንታይ ይብል፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ምርምር ተቕዋም ስድራ ቤት ኣመሓዳሪ ፍራንቸስኮ በለቲን ጋዜጠይና ደራስን ሉቻኖ ሞያን ዘቕረብዎ ሰፊሕ ሓተታ ብምቕራብ፥ እዞም ክልተ ደረስቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዝግምግምን ገና ሎሚ እውን ክፉት ኰይኖም ዝተረፉ ሕቶታት ዝትንትን ክኸውን እንከሎ፡ በለቲ ኣብ ጽሑፎም ከምዝብልዎ፥ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ሓድሽ ሕዳሴ ዘተኣታትው ዝነበረ ዝሓክኽ ዝብል ፍርድን ገሊኣቶም እውን ዓቃባዊ ትምህርቲ ዝተነብሮ እንክብሉን ገለ ገለ ምሁራት እውን እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘበገሶ ሰውራ ዝኽሕድ እንክብሉ ከምዝገልጽዎን ጠቒሶም፡ እቲ ቀንደይና ዓቢይን ማእከላዊ ትምርህቲ ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ምጥቃም ባህርያዊ ሜላ ኣብ ሩካቤ ስጋ (ኣብ መንጐ ሰብ ቃል ኪዳን) ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ትምህርቲ’ዚ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሰርጽ ዝላበው ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሉቻኖ ሞያን እውን ብወገኖም፡ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ትንቢት ሎሚ እውን ዋጋ ከምዘለዎን፡ እቲ ባህርያዊ ሜላ ምጥቃም ኣብ ሩካቤ ስጋ (ኣብ መንጐ ሰብ ቃል ኪዳን) ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ እቲ ዝለዓለ ሚእታዊ ዘይስዕቦ እዩ፡ እቲ ጸገም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ እቲ ክልተ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝመኸረ ሲኖዶስ እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዘይ ባህርያዊ ስልቲ ምጥቓምን ምቁጽጻር ውልዶ ተመያይጥሉ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ክሳብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘሎ ከይዲ ብዕምቆት ምፍላጥ የድሊ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጭቡጥ ኩነት ስድራ ቤት ምምልካት የድሊ፡ ሩካቤ ስጋ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝውከስ ኣይኰነን፡ ገዛእ ርእሳዊ ፍጻሜ እውን የብሉን፡ ብምልኣት ምርኣይ የድሊ፡ ምስ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉዳይ ዝትንክፍ እውን እዩ፡ ስለዚህ ምቁጽጻር ውልዶ፡ ጽንሲ ምንጻልን ከምኡ እውን ግብረ ምምካንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ብኻልእ መዳይ ዋሕዲ ውልዶን እዚ ክልተ ተጋራጫዊ ኩነት ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ካብቲ ውህበትን ውበትን ሕይወት ይብገስ፡ ስዒቡ ሰብ ሓዳር “ሰብኣይን ሰበይትን” ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ግብረ ፈጣርነት ተሓባበርቲ ምዃኖም የረድእ፡ ኣብዚ ተሓባባርነት ሰብኣዊ ፍጥረት ክኹለፍ ከምዘይብሉን፡ ኰይኑ እውን ባህርያዊ ስልቲ ምጥቃም ዝብልን ፍቑድን ምዃኑ ዝትንትንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዃኑ በለቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመልክቱ።

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae-ሰብኣዊ ሕይወት
20 July 2018, 15:37