ግሪኽ፡ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት፥ ኣብ ክስተት ባርዕ ሓዊ ሰብኣዊ ሓላፍነት ግሪኽ፡ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት፥ ኣብ ክስተት ባርዕ ሓዊ ሰብኣዊ ሓላፍነት  

ግሪኽ፡ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት፥ ኣብ ክስተት ባርዕ ሓዊ ሰብኣዊ ሓላፍነት

እቲ ኣብ ግሪኽ ርእሰ ከተማ ኣንተንስ ክትንክፍ እዩ ዝብል ዓብይ ፍርሒ ዘሕድር ዘሎ ዝተኸስተ ሰብዓን ኣርባዕተን ዜጋታት ንሞትን ንልዕሊ 500 ናይ ማህሰይቲ ሓደጋን ብዙሓት ብዘይ ኣባይትን ንብርትን ዘትርፍ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮሶላቶስ መንቀሊ እቲ ባርዕ ሓዊ ኢድ ሰብ ዘለዎ ይመስል ኢሎም፡ መንግስቲ እውብ ሓላፍነት ኣለዎ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

እቲ ባርዕ ሓዊ ብሓቀ ኣዚዩ ሓደገይናን ንብዙሓት ሞትን ሓሊፉ እውን ማህሰይትን ብዙሃት ከኣ ኣልቦ ቤትን ንብረትን የትርፍ ኣሎ፡ ዝበሉ ብፁዕነቶም፡ ኣብ ግሪኽ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ጨንፍር ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ስንድው ምዃኑን ድሮ ምስቲ ብሓደጋ ባርዕ ምስ ዝተጠቕዔ ከባቢ ኣባይቲ ምሕደራ ርክብ የካይድ እውን ምህላዉ ይገልጹ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ኢደ ሰብ ዘለዎ እዩ ዝመስል ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ከቢድ ኪሳራ ተሓታት ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣቲካ ብዙሓት ኣባይቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተሓንጸን ንሓደጋ ዝተቓልዔን እዩ፡ ስለዚህ ናይ ዜጋታት ሓላፍነት እውን ይምልከት። ብርቱዕ ዝናም ክዘንም እንከሎ እቲ ከባቢ ምስ ባሕሪ እውን ቅርበት ስለ ዘለዎ ብዙሓት እውን ይጥሕሉ፡ እዚ ድሮ ዝተራእየ ሕደጋ እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ኣባይቲ ክሕነጸሉ ዘይግብኦ ከባቢ ኣባይቲ ምሕናጽ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕይወት ንሞት ሓደጋ ብቐሊሉ ምቕላዕ እዩ ዝኽውን፡ ሓምላይ ሓብቲ እናብረስካ ብዘይ ፍቓድ ኣባይቲ ምሕናጽ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ምኽባር ሕጊ ምኽባር ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ዜጋ ኣሎ፡ ሕግን ስርዓትን ምሕላው ገዛእ ርእስኻ እውን ምኽባር ማለት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ግሪኽ፡ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት፥ ኣብ ክስተት ባርዕ ሓዊ ሰብኣዊ ሓላፍነት
26 July 2018, 08:57