ኣብ ጃፓን ታሪኻዊ ናይ ክርስትና ስፍራ ሃብቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ተባሂሉ ኣብ ጃፓን ታሪኻዊ ናይ ክርስትና ስፍራ ሃብቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ተባሂሉ 

ኣብ ጃፓን ታሪኻዊ ናይ ክርስትና ስፍራ ሃብቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ተባሂሉ

ኣብ ጃፓን 12 ናይ ክርስትና ትእምርቲ ዝበሃሉ ስፍራ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ። እዚ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ ዝብል ስያሜ ዕለት 30 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ብዘመሓላለፎ ውሳኔ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ውሳኔ ይብሉ ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳስ፥ “ናይ ጃፓን ክርስትናን ታሪኹን ተፈላጥነት ዝህብን ብኹሉ ክፍለጥ ዝድርኽ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ጃፓን 12 ናይ ክርስትና ትእምርቲ ዝበሃሉ ስፍራ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ። እዚ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ ዝብል ስያሜ ዕለት 30 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ብዘመሓላለፎ ውሳኔ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ውሳኔ ይብሉ ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳስ፥ “ናይ ጃፓን ክርስትናን ታሪኹን ተፈላጥነት ዝህብን ብኹሉ ክፍለጥ ዝድርኽ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም።

ሲሞነ ተ. ኣርኣያ-ከተማ ቫቲካን

ኣብ መዋል ኤዶ (1603-1867) ኣብ ጃፓብ ኣብ እዋን ኣሳዶ ማሕበረ ክርስቲያን ምስ ዝነበረ ታሪኽ ዝተኣሳሰሩ 12 ናይ ክርስትና ኣብ ጃፓን ትእምርታዊ ስፍራ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ናይ ዘርኢ ሰብ ሃብት እንክብል ከምዝሰመዮ ክምልከት እንከሎ፡ እቶም 12 ናይ እምነት ክርስትና ስፍራ ኣብ ናጋሳኪን ኣብ ዞባ ኣማኩሳኢል ዝርከብ እዩ። እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ውሳኔ ምስ ተሰምዔ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓጐስ ከምእተሰምዐ ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚትሱኣኪ

ታካሚ፥ “ክርስትና ኣብ ጃፓን ዘለዎ ታሪኽ ኣፍልጦ ዝሃበ ውሳኔ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይምስከር።

ኣብ ናጋሳኪ ዝርከብ ካቴድራልን ተኣምረ ምስራቕ እተሰምየ ቅዱስ ስፍራን

“ሓደ ካብቶም ተፈላጥነት ዝረኸበ ናይ ክርስትና ትእምርቲ ኣብ ጃፓን፡ እቲ ኣብ 1864 ዓ.ም. ነቶም 9 ኤውሮጳውያንን 16 ጃፓናውያን ብጠቕላላ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ 26 ሰማዕታት ልኡካነ ወንጌል ክብሪ ብፍራንቸስካውያን ልኡካነ ወንጌል ዝተሓንጸ ናይ ናጋሳኪ ካቴድራል” ምዃኑ ዝሓበረ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ እቲ ስፍራ ፒዮስ ታሽዓይ “ተኣምረ ምስራቕ” እንክብሉ ዝሰመይዎ ምዃኑ የዘኻኽር።

ናይ ሰማዕትነት ስፍራ

እቲ ተፈላጥነት ዝረኸበ ካልኣይ ቅዱስ ስፍራ ከኣ ግንቢ ዘሓራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ 1637 ዓ.ም. ካቶሊካውያን ምእመናን ዘካይድዎ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ደው ንምባል ዝተፈጸመ ጸረ ክርስቲያናዊ መጥቓዕትን ኣሳዶን ዘዘኻኽር ክኸውን እንከሎ፡ ስዒቡ እውን ብሕቡእ ማሕበረ ክርስቲያን ስግደትን ኣምልኾን ዝፍጽምሉ ዝነበረ ክፍለ ከተማ ሳኪትዙ ምዃኑ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ማኤዳ፡ ሰላም ንኽልኣ እትህቦ ኣኽብሮት ማለት እዩ

ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ካርዲናል ዘሰምዩ ናይ ኦሳካ መጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቶማስ ኣኵይኖ ማንዮ ማኤዳ ናይቶም ዝሳደዱን ብሕቡእ ካቶሊካዊ ኣምልኾን ስግደትን ናይ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ጃፓናውያን ዘርኢ ንናይ እዋናዊ ማሕበረ ክርስቲያን ምዃኑ ንናይ ጃፓን ነውስ፥ “እቲ ውሳኔ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ዝወሰዶ ውሳኔ ሰላም ንኻልእ እትህቦ ኣኽብሮት ማለት ምዃኑ ዘረጋግጽ ቅዱስ ስፍራ እዩ፡ ምክብባር ሰላም ምዃኑ ዘበስር እዩ” እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ ዝረጋገጽ ምዃኑ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኵነት

ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳሳት እውን ብወገኖም፡ “ኣብ ጃፓን ን 250 ዓመታት ኣደዳ ኣሳዶን ኣድልዎን ዝዀነ ክርስትና ዘዘኻኽርን፡ እቲ ሎሚ ኣብ ጃፓን ዘሎ ክርስትና ናይቲ ደም ዝተኸፍሎ እምነት ዘርኢ እዩ፡ ሎሚ ዝተወሃቦ ተፈላጥነት ብሓቂ ነቲ ካብ ደም ሰማዕታት ዝተወልደ  ታሪኽ እምነት ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ኣፍልጦ ዝህብ ታሪኽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘመላኽት እዩ፡ ናይ መንፈስዊ ንግደት ቅዱስ ስፍራ ኰይኑ ብዙሓት ንስግደትን ኣምልዀን ዘእንግድ እዩ” እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ታሪኽ እምነት ኵላዊ ክብሪ ኣለዎ

እቶም ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ ዝብል መጸውዕ ዝተውሃቦም ቅዱሳት ስፍራ ናይ እምነት ከይዲ ኣብ ጃፓን ተዘክሮ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ሎሚ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ናይ ኣቦታቶም ታሪኽ ክርስትና ንኸጽንዑ ዝድርኽ እውን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ታካሚ ገሊጾም፡ ዕለት 1 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ናይ ናጋሳኪ ሰበኻ፡ ታሪኽ ክርስትና ኣብ ጃፓን ዘዘንትው ቤተ መዘክር ከምዘመረቐ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ታሪኽ ክርስትና ኣብ  ጃፓን ናይ እምነት ኵላዊ ክብሪ መስካሪ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ
03 July 2018, 16:36