ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሓድሽ ናይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ህየንተን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሓድሽ ናይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ህየንተን 

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሓድሽ ናይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ህየንተን

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሔራዊ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ነቶም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናይ መራኸቢ ብዝሃን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ንኽዀኑ ንዝሰመይዎም ፓውሎ ሩፊኒ ብቕዱስ ኣቦና ነቲ ሓድሽ ሓላፍነት ክሳብ ዝተመዙሉ ዕለት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ንዝሃብዎ ዝለዓለ ሙያውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ጠቒሱ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ድርገት ኣቦ መንበር ኣባ ኢቫን ማፈኢስ ኣቢሉ ንህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዘመሓላለፎ ናይ ምስጋና መልእኽቲ፥ ፓውሎ ሩፊኒ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኰይኖም ብቕዱስ ኣቦና ክሳብ ዝተሰምይሉ ዕለት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ምስማዐ ርእየት Tv2000 ን radiofonico InBlu ዋና ኣመሓዳርን ኣሰናዳእን ኰይኖም ዝሃብዎ ሰብኣውን ሙያውን ኣገልግሎት ልዑል ኣፍልጦ ብምሃብ ብስም ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስጋና የቕርብ።

ናይ ሩፊኒ ርእሰ ዓንቀጽ

ኣባ ማፈኢስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሩፊኒ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ናይ ምስማዐ - ርእየት ቲቭን መደብር ራዲዮን ኣገልግሎት ኣመሓዳርን ዋና ኣሰናዳእን ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን፡ ናይቲ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽን መሰረተ ፈነውኡ እቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዓለም ዝኽተሎ ኣሉታዊ ጉዳይ ምቕላሕ ዝብል ኣሰራርሓ ዘይኽተል ኩነትን ሓቅታትን ብምቕራብ ኣብ ሰናይ ምቅላሕ ዝብል ኣብ ድልያ ውበትን ውህበትን ዘተኮረ ምንባሩ የዘኻኽሩ።

ናይ ምርኻብ ትዕግስቲ

ሩፊኒ እውን ብወገኖም፥ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣገልግሎ ማስማዐ-ርእየት ሓቅን ጭቡጥን ዘርእይን ዝነብርን ዘራኽብን ኣብ ዝብል መርገጽ ዝቖመ ኰይኑ፡ ኣልቦ ትዕግስትን ቀቢጸ ተስፋነትን ብናይ ምርኻብ ትዕግስትን ተስፋን ብምትካእ ዘተን ርክብን ብምንቕቓሕ ኣሉታዊ ጐድነታትን ኩነታትን ከይሓባብኤ ኣብ ተስፋን ትዕግስትን ብዘተኵር ኣቀራርባ ብምስንዳው ናይ ምርኻብ ባህሊ ዘስፍሕ ምዃኑ ጠቒሶም፡ እዚ መንፈስ እዚ ቀጻሊ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ኣባ ማፈኢስ ዘኪሮም፡ መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስቲያን ንዝርጋሐ ውበን ውህነት ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ንህየንተ ሩፊኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣጽኒዕም ብምዝኽኻር ደጊሞም ምስጋና የቕርቡ።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሓድሽ ናይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ህየንተን
14 July 2018, 17:10