ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ “ብሓንሳብ ብሔርተይናን ካቶሊካውን ምዃን ኣይከኣልን”  ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ “ብሓንሳብ ብሔርተይናን ካቶሊካውን ምዃን ኣይከኣልን”  

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ “ብሓንሳብ ብሔርተይናን ካቶሊካውን ምዃን ኣይከኣልን”

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ “ብሔርተይናነት ንክርስቲያን ኣማራጺ ኣይኰነን” ይብሉ።

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ “ብሔርተይናነት ንክርስቲያን ኣማራጺ ኣይኰነን” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሕዝብተይናነት ወይ ሕዝብተይናውነት ዲያብሎሳውነት እዩ፡ መጀመሪያ የሰንብድ ደሓር ንሓድ ሕዳዊ ዘይተገዳስነትን ጽልእን የሰጋግር፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ፡ ዱ ዛይት ምስ እተሰምየ ናይ ጀርመን ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ብሔርተይናነት ንክርስቲያን ኣማራጺ ኣይኰነ፡ ሰብ ብባህርእዩ ማሕበራውን ስንድውነታውን እዩ፡ ኰይኑ ግን እዚ ባህርይ’ዚ ብፍርሒ ክዕብለል እንከሎ ተነቃፊ ይኸውን፡ ቢሎም እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጽንፈይናነት፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ቋንቋ እናበለ ኣብ ዕለታዊ ተግባር ዝትርጎም ኰይኑ፡ ስደተይና ከም ሓደጋን ስግኣትን ክረአይ ይድርኽ ኣሎ። ስለዚህ ንዝበለጸን ምዕቡልን መጻኢ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታን ዝምባለን ክንግስጾ ይግባእ፡ ብዙሕ ጊዜ ስደተይና ከም ቁጽሪ ዝግለጽ ኰይኑ ስም ዘይብሉ ሓቅነት ብዘለዎ መገዲ ስሙ ጠቒስካ፡ እዚ ስግኣት ወይ ሓደጋ እዩ ዘይኰነስ እቲ ብቑጽሪ እትገልጾ ስደተይና ኩሉ ስግኣትን ሓደጋን እዩ ቢልካ ምግላጽ ልሙድ ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

ሕዝብተይናነት ፈተና እዩ

ጀርመን ይብሉ ብፁዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ጀርመን ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ትኽክለይናን ሓቀይናን ዘተን ከተካይድ ይግባእ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብናይ የማን ዘመም ርእየት ዓለም ፖለቲካዊ ውድብ ንምፍታሕ ምፍታን ዘይከኣል እዩ፡ ስለምንታይ ጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ዝተሓላለኸ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት እዩ። ሕዝብተይናነት ፈተና እዩ፡ ናይ ሰብኣውነት ባህርይ ተጻባኢ ዲያብሎስ ምዃኑ ቅዱስ ኢግናዚዩ ዘሎዮላ ይገልጾ። እዚ ከኣ እቲ ካልእን ካባኻን ዝተፈልየን፡ እቲ ኣነ ዘይኰነ ንሱነት ጻልኢ ገይሩ እዩ ዘቕርበልና፡ እዚ ልክዕ ኣብ ሕዝብተይናነት ዝረአይ ጉዳይ እዩ። ጸኣት ስደተይና ሓደጋን ስግኣትን እዩ እንክብሉ ሕዝቢተይናነት ኣመአኻኽታ ይሰብኽ፡ እዚ ኸኣ ፍርሕን ዘይምትእምማንን የተኣታትው ስዒቡ፡ ምቀይናነትን ጽልእን ተጸባእነትን ሓሊፉ እውን ዓመጽን ውግእን የቕውም ኢሎም።

ኤውሮጳ ናብ ዕርዲነት ከይትቕየር

ብሓንሳብ ብሔርተይናውን ካቶሊክን ምዃን ዘይከኣል እዩ፥ “ከም ክርስቲያን ሓርበይናን ፈታው ሃገርን ናይ መላእ ዓለም ዜጋን ኢና፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝርአይ እዋናዊ ዝንባለ ግና ሓርበይናነትን ፈታው ሃገርን ዘይኰነ ብሔርተይናነት እዩ ዝረአይ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምርግጋጽን ንርእሰ ወከሳውነትን ዘድሃበ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ካባና ወጻኢ ዝዀነን ዘይንሕናን ኩሉ ነቲ እንእምቶ ቡሉጽን ምዕብሉን መጻኢ ስግኣት ገይርካ ንኽትሓስቦን ክትርእዮም ይድርኽ። ኤውሮጳ ዕርዲ ክትኸውን የብላን። እዚ እዩ ናይ ብዙሓት ድላይ ሃረርታን ዝጸንሔ ነባሪ ኣመለካኽታን፡ ዣን ሞነት ከምዝብሉ፡ ኤውሮጳ ንዝበለጸን ምዕቡልን መጻኢ ኣስተዋጽኦ እያ ክትክውን ዘለዋ፡ ናይ ምህዞን ክፉት ምዃንን ህንጡይነትን ተገዳስነትት ኣስተዋጽኦ ክትከውን ይግብኣ እንክብሉ ምስ ዲ ዛይት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓላፊ መደብ ቋንቋ ጀርመን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ በርንድ ሃገንኮርድ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ “ብሓንሳብ ብሔርተይናን ካቶሊካውን ምዃን ኣይከኣልን”
21 July 2018, 16:16