ድለ

ንው ዮርክ፥ ክፉት መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን ንው ዮርክ፥ ክፉት መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን 

ንው ዮርክ፥ ክፉት መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን

ብፁዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳቡ ከባቢ ካብ ወለዳቶም ተፈልዮም ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ንዝርከቡ መክሲካውያን ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም ናብ ሰበኻ ነው ዮርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክፉት መልእኽቲ “ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ምፍላይ ጸረ ቅዱስ መጽሓፍን ጸረ ኣመሪካውነትን” እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብፁዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳቡ ከባቢ ካብ ወለዳቶም ተፈልዮም ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ንዝርከቡ መክሲካውያን ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም ናብ ሰበኻ ነው ዮርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክፉት መልእኽቲ “ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ምፍላይ ጸረ ቅዱስ መጽሓፍን ጸረ ኣመሪካውነትን” እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ፈሊኻ ኣብ ካልእ መዕቆቢ ስደተይናታት ክጸንሑ ምግባር ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረርን ንኣመሪካዊ ዕሴት እውን ዝኽሕድ ተግባ ምዃኑ ናይ ነው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካዲናል ቲሞትይ ዶላን ንመላ ናይ ሰበኻኦም ቁምስናታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክፉት መልእኽቲ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፡ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘዳቡ ከባቢ ዝርከቡ ካብ ወለዳቶም ተፈሊዮም ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ክጸንሑ ዝተገዱን ደሓር ናብቲ ኣብ ብሮንክስ ኣብ ዝርከብ ነበር ገዳም ተወሲዶም ብዝተፈላለያ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝእለዩ ንዘለዉ በጺሖም ኩነታቶም ብቐረባ ምስ ተዓዘቡ፥ እቶም ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ተመንዚዖምን ንበይኖም ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ክጸንሑ ምግባር ብሓቂ ዘሕዝንን ካብ ወለዳቶም ተፈልዮም ምርኣይ መሪር ሓዘን ዝፈጥር ተግባር እዩ፡ እቶም ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ተፈልዮምን እዚ ምፍላይ ዓቢይ ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ጭንቀትን ስንባደን ፈጢሩሎም ኣሎ”  ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ቀጻሊ ሕርኩት ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ክፉት መልእኽቲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገግሎት ከምዝሕብሮ፡ ኩነት ናይቶም ሕጻናት ልብኻ ዝትንክፍ ከምዝዀነን ኣብቲ ሕጂ ዝርከብሉ ስፍራ ዝወሃቦም ዘሎ ፍሉይን ብቑዕን ኵለንተናዊ ድጋፍ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉን፡ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ነው ዮርክ፡ እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ስነ ምግባርን ሰብኣውን ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከት ኩነት ናይቶም ሕጻናት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ብቐረባ እትከታተሎን ብቑዕ ድጋፍ እውን እተቕርብን ምዃና ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ማንሃታን ዝርከብ ካቶሊክ ማእከል ጸኣት ስደተይናታት ጠቒሶም፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ምስ ወለዳቶምን ገሊኣቶም እውን ንበይኖም ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ ስደተይናታት ሕጋዊ ድጋፍን ሕንጸትን ከምዘቕረበት የረጋግጹ።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከት ስግኣት

ብፁዕ ካርዲናል ኣብ መልእኽቶም ይብሉ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጸኣት ስደተይናታት ፖሊቲካዊ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ንሕግን ፍትሕን ዝምልከትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝምልከት እዩ፡ ብሕጊ መዳይ ይኹን ብኻልእ መዳይ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ እያቶም፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ፈሊኻ ናብ ካልእ መዕቆቢ ስደተይናታት ምውሳዶም ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነ እዚ ተግባር’ዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሳማማዕን ብተወሳኺ እውን ኣመሪካውነት ዝጻጸር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እቶም ሕጻናት ካብ ወላዳቶም ተፈልዮም ክጸንሑ ምግባር ዝፈጥረሎም ኵለ መደያዊ ማለት ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ጸገም ንምሕዋይ ዓመታትን ብዙሕ ወጻእን ዝሓትት እዩ ኢሎም።

ነው ዮርክ ኣላይት ኣደ ንብዙሓት ሕጻናት ስደተይናታት

ብፁዕ ካርዲናል ዶላን ኣብ ዘመሓለፍዎ ክፉት መልእኽቲ፡ ኣብ ነው ዮርክ ሓዳስ ቤቶም ንኸናድዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተስፋ ሰኒቖም ንዝተሰዱ ሕጻናት ሓላይትን ኣላይትን ኣብ ምዃን እታ ከተማ እትፍጽሞ ግብረ ሰናይ ንኢዶም እዚ ሓልዮት’ዚ ናይ ሎሚ ዘይኰነስ ጥንታውን ቀጻልን እንገዳ ኣብ ስቓይን መከራን ንዝርከብ እዩ፡ ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ምንባር እምነት ዝነኣድ ጥራሕ ዘይኰነ ናይቲ ዘእንገዶ ከተማን ከባብን ሕዝብን እምነት ዘወዓውዕን ዘበራብርን እውን እዩ ምስ በሉ፡ ስለ እቶም ካብ ወለዳቶም ዝተፈልዩ ስደተይናታት ሕጻናት ክጽለ ሓተሓሳሲቦም፡ “ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን እቲ እውነተይና ዕሴት ኣብ ምንበር ክተግሃን እልበው” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ንው ዮርክ፥ ክፉት መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ዶላን
10 July 2018, 16:08