ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፅዕና ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ኣበጊሱ ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፅዕና ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ኣበጊሱ 

ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፅዕና ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ኣበጊሱ

ተወላዲ ስፐይን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ካብ 1965 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዘገልገሉ፡ ንኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እሙን ብዝዀነ ዓሚዩቕ ከይዲ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ዝሓደሱ ኣባ ኣሩፐ ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፁዕናኦም ከምዘበገሰ ተሓቢሩ።

ተወላዲ ስፐይን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ካብ 1965 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዘገልገሉ፡ ንኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እሙን ብዝዀነ ዓሚዩቕ ከይዲ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ዝሓደሱ ኣባ ኣሩፐ ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፁዕናኦም ከምዘበገሰ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰበኻ ሮማ ናይቶም ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መበል 28 ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ካብ 1965 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ዘገልገሉ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ንኽትእውጀሎም ዘበቕዕ ከይዲ ምቕራብ መሰረተ ሓሳብ ከምዘበገሰ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ዕለት 11 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ቢልባው ምስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መናብርተ ጥበብ ኢየሱሳውያን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ እቲ ከይዲ ብፅዕና ኣብ ብጋሴ እውን እንተዀነ፡ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ከምዝገለጽዎ፡ ኣዋጅ ብፅዕና ኣባ ኣሩፐ በወግዒ ሰበኻ ሮማ መሰረተ ሓሳብ ንምቕራብ ዘድሊ ከይዲ ይኹንታ ከምዝሃበሉን ኣባ ኣሩፐ ኣብ ኢየሱስ ዝተሰርተ ምዃን ናይ ሓቅን ውፉይ ንተልእዀ ወንጌልን ሰብ ምዃኖም፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ተኣምር እዩ፡ ቅድስና ብጥልቅን ፍልዩ ብዝበለ ሓድሽ ኣርኣያነት ዝነበሩን ገና ካብ ንእስነቶም ደሓር እውን ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ከም ናይ ተመካርያን ሓለቓን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውን ጨንፈር ሓለቓን፡ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ቅድስና ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝነበሩ እዮም እንክብሉ ይገልጽዎም።

እቲ ከይዲ ብፅዕና ከም ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝነበርዎ ሕይወት ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ምሉእ ሕይወቶም ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ኣጽሚዶም ዝነበርዎ ሕይወት ዝምልከት እዩ ይብሉ።

ምስክር ሂሮሺማ

ኣባ ኣሩፐ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ባስኮ ከተማ ቢልባው ዕለት 14 ሕዳር 1907 ዓ.ም. ዝተወልዱን፡ ኣብ ማድሪድ ብስነ ሕክምና ሊቕነት ዘመዝከሩን፡ ኣብ 1972 ዓ.ም.  ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመካርን 1936 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበሉ፡ መጀመሪያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደሓር ናብ ጃፓን ተላኢኾም ንዕስራ ዓመት ከምዘገልገሉን፡ ኣብ ጃፓን ዕለት 6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. እቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝተፈጸመ ናይ ኑክለሳዊ መጥቃዕቲ ሳዕቤን ኩሉ ተመክሮ ዘሕለፉን፡ እዚ ተመክሮ’ዚ ንመላእ ሕይወቶም ምልክታ ኣንቢሩ ከምዝሓለፈ ባዕሎም ኣብ ጽሑፎም፥ ኑክለሲያዊ መጥቃዕቲ ምስ ተሰምዐ ድምጽን ውድመትን ፍርስራስን ሕልቂትን ሞትን ማሕሰይትን፡ ኣብቲ ዘለኽዎ ቤት ኩሉ ክፈርስ ሓንቲ ናይ መንደቕ ሰዓት ግና ኣብ ዘላትሉ ተሪፋን ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተ ደቓይቕ ተምልክት ነይራ፡ እዚ ከኣ የገርሞም እሞ እታ ሰዓት ኣብ ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተን ቆይማ እቲ ቂምቂምታኣ ኣቋረጸትሂሮሺማ ምስ ጊዜ ዘይኰነ ምስ ዘለዓለማውነት ተራኸበት ይብሉ።

ማሕበር ኢየሱሳውን ንምእዋን

ኣባ ኣሩፐ ኣብ 1965 ዓ.ም. መበል 28 ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኢየሱሳውያን መበል 28 ጠቕላሊ ሓለቓ ንኽዀኑ መረጾም፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንምሕዳስ ዘበገስዎ መደብ ዓሚዩቕን ስንኩፍን እዩ ዝነበረ፡ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን እውን ብዙሕ ውሽጣዊ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ እዩ፡ እቲ ምፍሕፋሕ ግና ነቲ ማሕበር ወረቖ፡ ባዕሎም እቶም ድሕሪኦም ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ኣብ 1985 ዓ.ም. ዝተመርጹ ኣባ ፒተር ሃንስ ኮልቨንባኽ፥ ሓዲስ ፍኖት ዝኸፈቱን ነቲ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡክነት ሓድሽ ድርኾት ዝፈጠሩን ሓድሽ ዓይነት ሕይወትን ደቀ መዝሙር መሰረት ዝገበረ ርድኢት ውፉይ ሕይወት ዘተኣታተዉን  እንክብሉ ይገልጽዎም። ብፍላይ ከኣ ወንጌላዊ ፍትሒ ዝበሉን፡ ነቶም ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ኣሕዋት ማሕበራዊ ፍትሒ ክረጋገጽ ብዝብል ወንጌላውነት መንፍፈስ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ኰታ ኣብ ምላእ ዓለም ዝንቀሳቐስ ኢየሱሳውያን ንስደተይናታት ዝብል ዓለም ሓቆፋዊ ተቕዋም ነቲ ናይ ቨትናም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኩነት መሰረት ገይሮም ከምዘቖሙ ይፍለጥ።

ኣብ 1981 ዓ.ም. ብዘጋጠሞም ከቢድ ሕማም ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ለሚሶም ምዝራብ ስኢኖምን፡ ነቲ ነዊሕ ናይ ከቢድ ሕማም እዋን ብጽሞናን ጸሎትን መስዋዕትን ገይሮም ብምንባር ዕለት 5 ለካቲት 1991 ዓ.ም  ካብ ምድራዊ ሕይወት ተሰናበቱ።

ሰበኻ ሮማ ከይዲ ብፅዕና ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ኣበጊሱ
26 July 2018, 15:41