Vescovi alla 19esima Assemblea Plenaria dell’AMECEA Vescovi alla 19esima Assemblea Plenaria dell’AMECEA 

ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮታሰ ሩጋምብዋ ዕለት 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምኽፋ ተረኺቢም “ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ተልእዀ መልህቝ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ኣስሚዖም።

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮታሰ ሩጋምብዋ ዕለት 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምኽፋ ተረኺቢም “ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ተልእዀ መልህቝ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ኣስሚዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓመጽን ግርጭት ምግምማዕን ዓመጽ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብሉ ዓበይቲ ብድሆታት እትገጥም እያ፡ ነዞም ብድሆታት እዚኣቶም ንምግጣም ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ሩጋምብዋ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብዚ ግጥማ ብድሆታት፡ እቲ ተልእዀ  ኣስትሆተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ክፍለ ኣካልነት ዘለዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ወንጌል ናብ ዓለም ንምብጻሕን ኣሕዛብ ናብ ክርስቶስ ንምምራሕ ብኻልእ መዳይ ወንጌል ምስፋሕ ካብ ዝብል ጸዋዕታን ተልእኾን ንኸነንሳሕብ ዝድርኽ ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ወንጌል ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ማሕታ ክህልዎ ዝገብር ብሉጽ መጋበርያ ትምህርትን ሕንጸትን እዩ፡ ስለዚህ እቲ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝገጥሞ ዘሎ ህልው ብድሆ ብብቕዓት ንምግጣም ዘኽእል ብሱል ክርስቲያን ይገብር ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ሩጋምብዋ ኣስዒቦም፥

ዓሌታዊ ግርጭት ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ ቤተ ክርስትያን እውን ገማሚዑ እዩ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላምን ስኒትን ብምንቕቓሕ እምንቲ ኣብሳሪት ወንጌል ክትከውን ይግብኣ፡ ሰላምን ስኒትን እውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መንጐ ክረጋገጽ ኣለዎ፡ ዓሌታዊ ግርጭትን ዓመጽን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መንጐ ካህናትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ካብዚ ዝገደደ ከኣ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣባይቲ ምክር ብፁዓን ጳጳሳትን ከይተረፈ ዝረአይ እዩ። እዚ ዓይነት ዓመጽ ብዙሕ ስቓይን፡ ግሁድ ዕንቅፋትን ፈጢሩ እዩ። ካብ ገዛእ ርእሳ ተበጊሳ እቲ ኩሉ ዘጓነፈ ምግምማዕ ንምጽጋን ካብ ምግምማዕ ምሕዋይን ካብ ቀደም ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዓይነተይና ብድሆ እዩ፡ ምግምማዕ ንምስናፍ ዘሎና ፍልልያትን ብዙህነትን ከም እወታዊ ምርኣይን ምቅባልን ግድን ይኸውን ኢሎም።

ናይ ሰላም ሕንጸት ዓንድታት

ሰላም ናይ ምሕናጽ ዓንድታት፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምሉእን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየትን ጠጠው ማባል ሸመተ ኣጻዋር ውግእን ቅድድም ኣብ ውግእ ኣጽዋር ምውጋድን ዓለም ሓቆፍ ማሕበሰብ ምትብባዕን ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን ምንቕቓሕን ዝብሉ ምዃኖም ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም፡

ጳውሎስ ሻድሻይ ሓደ ካብቶም ንኣፍሪቃ ኣዚዮም ዘፍቅሩ ር.ሊ.ጳጳሳት እዮም

ብፁዕ ኣቡነ ሩጋምብዋ፥ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ2018 ዓ.ም. እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዝተመስረተሉ መበል 50 ዓመት ቅድሚ ምብዓሉቁርቡ ኣዋርሕ ሓደ ካብቶም ንኣፍሪቃ ኣዚዮም ዘፍቅሩ ር.ሊ.ጳ. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድስና ከምዝእወጀሎምን፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1969 ዓ.ም. እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ዘበገሱ እውን ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ብፍላይ ከኣ እታ ኣብ 1967 ዓ.ም. ንንባብ ዘብቅዕዋ Africae terrarum-ሃገራት ኣፍሪቃ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከም ኣብነት ጠቒሶም ጳውሎስ ሻድሻይ ኣፍሪቃ ናይ ልኡካነ ወንጌላውነት ኣገባብ ክተነቓቕሕ ሓደራ ዝበሉ እዮም እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሉት ኣፍሊጡ።

ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ

Photogallery

መበል 19 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን
17 July 2018, 16:40