ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል 

ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል

ስደተይናታትን ኣባይቲ ስድራን መንእሰያት ዝብሉ ነጥብታት ናይቲ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ዘካየዶ መበል 19 ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻው ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ማእከል ክኸውን እንከሎ ምስ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኵለ መደያዊ ምትሕብባር እውን ከምዝገበር ዘረጋግጽ ሓሳብ ዝተነሮ ምዃኑ ይንገር።

ስደተይናታትን ኣባይቲ ስድራን መንእሰያት ዝብሉ ነጥብታት ናይቲ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ዘካየዶ መበል 19 ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻው ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ማእከል ክኸውን እንከሎ ምስ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኵለ መደያዊ ምትሕብባር እውን ከምዝገበር ዘረጋግጽ ሓሳብ ዝተነሮ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽር ሕብረት ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ሓሳብ ኣጽኒዑ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ዘንበቡ ሓድሽ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ንኽዀኑ እቲ መበል 19 ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዝሓረዮም ኣብ ዛምቢያ ናይ ሶልወዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ካሶንደ ክዀኑ እንከለዉ፡ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣባ ፖውል ሳማሱሞ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ እዚ ኸኣ ኣፍሪቃ ብዙሕ ውግእን ውጥረት እተእንግድን ብኻልእ መዳይ ከኣ ክርስትና ዝሰፍሓላ ዘላ ክፍለ ዓለም ትበሃል፡ እዚ ክልእቲኡ ጉዳይ ተጋራጫውን ስግንጢርን እዩ። ምእንቲ’ዚ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ወሳኒ ምዃኑ እቲ ጉባኤ ብዕምቆት የመልክቶ ኢሎም።

እቲ ናይ ምብራቕ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፡ ዘሕዝን ኣፍሪቃዊ ሕቶታት ዝበሃሉ፡ ስደትን ምዝብልናን ምዝባዕን ብከላን ምህዳርን ብድሆታት ሰላምን ኣልቦ ውሕስነት ጸጥታን መንእሰያት ኣፍሪቃ ዝነብርዎ ዘለዉ ቀቢጸ ተስፋ ዝብሉ መተዓናቕፎ ከይዲ ምዕባለን ሰላምን መፍትሒ ክርከበሉ ኣበኪሩ ካብ ቀደም ብዝበለጸ ክዓዪ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ብፁዕ ኣቡነ ካሶንደ ሓቢሮም።

ምክልኻል ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

እቲ 21 ኣንቀጽ ዘለዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ብዙሕነት ዓሌት ንምግምማዕን ፍልልይን መጋበርያ ክኸውን ዝድርኽ ተግባር ኩሉ ኮኒኖም፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንማሕበራውን ንኤኮኖሚያውን ንፖለቲካውን ንባህላውን ምዕባለ ሕብረተሰብ መሰረትን እዩ፡ ናይ ኩሉ ምዕባለ ሰጋጢቶ እዩ፡ ንኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ባይታ እዩ። ሕንጸት ሰላም ኣብ ማዕርነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ምንቕቓሕን ምድጋፍ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማትን ምሕረትን ኣብ ዝብሉ ዓንድታት ዝቐውም ምዃኑ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝጸንሔ ውጥረት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምውጋድ ዝተበጽሔ ሰላምን ዘተን ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍትሕን ሰላምን ዳግም ተረጋጊጹ ሕዝብታት ክልቴኣተን ሃገራት ኣብቲ ከይዲ ሰላምን ፍትሕን ክሓብሩን ድምጾም ክስማዕን እሱራት ናብ ኣባይቲ ስድራኦም ክምለሱን ምዕዳና ተቕርብ። ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ዘሕጉስ ከምዝዀነን፡ እቲ ግጭት ህጹጽ መፍትሒ ክረክብ ብፁዓን ጳጳሳት ጸሎት ምዃኑ የረጋግጹ።

ጳጳሳው ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት

ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት፡ ብፁዓን ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ክምዝተሓባበር በቲ ናይቲ ጽሕፈት ቤት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ምስፋሕ ወንጌልን ቃል ቅዱስ ኣቦናን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ንእትርከ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብድሆታታን ፍጻሜታታን ኩሉ ዜናታታን ኣብ ምቅላሕን ኣብ ናይቲ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ንምስፋህሕ ወንጌል ዝኣመተ መደባት መራኸቢ ብዙሓን ብምድጋፍ ምሉእ ተሓባባርነቱ ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።

ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከባቢኦም ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑን እዚ ኸኣ ኣብቲ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዘተኰረ ኰይኑ ንምንጻሕን ባህልታት ብወንጌል ንምስባኽን እዚ ንምኽዋን ሓድሽ ሜላን ኣገባብ ምጥቃም ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መጋበርያን ከምዝሓትት የተሓሳስቡ።

ስድራ ቤት

እቲ ኣብ ልቢ ብፁዓን ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ካልእ ሕቶ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ኰይኑ፡ ስድራ ቤት ድኽነትን ስእነት ስራሕን ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ብዝብሉ ብድሆታት ዝተተንከፈ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ነቲ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምፍታሕ ዝመርሕ ንስድራ ቤትን ቀዋሚ ሕንጸትን ቀጻሊ ትምህርተ ክርስቶ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።

መንእሰያትን ስግኣት ጸንፈይናውነትን

ኣብ እምነትን ጸዋዕታን ነቲ ዓቢይ ብድሆ ስእነት ስራሕ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘመልከቱ ብፁዓን ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ መንእሰይ ካብ ኣኽራርነትን ካብ ስግኣት ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነትን ኣሸባርነትን ንምክልኻል ምስ መንእሰያት ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ መናብርተ ጥበብን ኣቢያት ተምህርትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ እቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝብልን ውህደት ኣብ ሰላምን ፍትሕን ግጭት ምፍታሕን ዘተኣማምን ትኽክለይናን ቅኑዕን ምሕደራን ሓባሪ ትምህቲ ክሳዃዕ ዝብል ነጥቢ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምልኩት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ምህዳርን ጸጥታን ድሕነትን

ኢጐነታዊ ረብሓ ዘይብል ኣብ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይቀውም እንነብረሉ መሬት ከም ናይ ሓባር ቤትና ምዃኑ ተኣሚኑ ንምክልኻል ዘኽእል ኣጠቓቕማ ምህዳር ክህሉን ምስቶም ኣብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝዓዩ ተቕዋማትን ማሕበራትን ምትሕብባርን ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ማሕበራዊ ውሕስነት ዝድግፍ መስፍር ክህሉ የተባዑ።

ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ብፁዓን ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ውሽጥን ወጻእን እናሓሰቡ፡ እቲ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ዘቕረቦ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ዕውሉም ውዕሊ ኣብ ምድጋፉን ምልላዩን ከምዝተግሁ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣበኪሮም፡

ምግባረ ብልሽውናን ዓመጽን

ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ከባቢኦም ሕዝብታት በቲ እናሰፍሔን ንኹሉ እናበከለን ዝኸይድ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዝትንከፍን ግዳይን ምዃኑ እናሓሰቡ፡ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣካየድትን ኩሎም ክርስቲያን ኣብ ማሕበረሰብ ጭውነትን ተገዳስነትን ሓላይነትን ዝዓሰሎ መራሒ ንምዃን ዘብቅዖ ሕንጸት ከቕርብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ኣብ ዘይብሎም ዜጋታት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ካልእ ዝተፈላለዩ ዓመጻትን ኰኒኖም፡ እቲ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ዝሃቦ መምርሕን ዝወስዶ ውሳኔታትን ሕጻናት ምክልኻል ብዝብል ዘውጽኦ መርሓ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘረጋገጹ ኣባ ሳማሱሞ ይሕብሩ።

25 July 2018, 09:36