መበል ዝኽሪ 200 ዓመት ኣስፍሆተ ወንገል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ መበል ዝኽሪ 200 ዓመት ኣስፍሆተ ወንገል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ 

መበል ዝኽሪ 200 ዓመት ኣስፍሆተ ወንገል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ

ኣባ ኖርበርት ፕሮቨኸርን ክልተ ብጾቶም እቲ ሎሚ ቅዱስ ቦኒፋዚዮ ተባሂሉ ዝጽዋኦ ርእሰ ሰበኻ ዘቖሙሉ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ ልኡክ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተመርሐ መንፈሳውን ባህላውን ስነ ስርዓት ተባዒሉ።

ኣባ ኖርበርት ፕሮቨኸርን ክልተ ብጾቶም እቲ ሎሚ ቅዱስ ቦኒፋዚዮ ተባሂሉ ዝጽዋኦ ርእሰ ሰበኻ ዘቖሙሉ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ ልኡክ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተመርሐ መንፈሳውን ባህላውን ስነ ስርዓት ተባዒሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓዋርያዊ ቅንኣትን ትብዓትን ጽንዓትን፡ ዝብሉ ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያን ዘድልያ መለለዪ ናቶም ገይሮም ብቓልን ሕይወትን ኣብ ክርስቶስ ጸኒዖም እምነትን ናይ ወንጌል ሓሴትን ዘስፍሑ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብቲ ወንጌል ዘይበጽሖ ከባቢ ፍቕሪ ናይ ጐይታ ዘበስሩ የድልዩ እያቶም። ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ ንምብዓል ልኡኽ ቅዱስ ኣቦና ኰይኖም ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉን ናይቲ በዓል ስነ ስርዓት ዝመርሑ ናይ ኵይበክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ገራልድ ሲፕርያን ሎክሮይክ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብፁዕነቶም ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካናዳ ዘሎ ሃዋሁ ንክርስቲያናዊ ዕሴት ዘየተባብዕ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር መጋብያን ሎሚ እውን ካብ ቀደም ኣበርቲዖም ብቓልን ሕይወት ወንጌል ኣብ መላእ ካናዳ የበስሩ ኣለዉ ኢሎም።

ተባዕን ቆራጽን ልኡካነ ወንጌል ኣባ ፕሮቨንኸር

ምዕራብን ሰሜንን ካናዳ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንኽትሓዛ ዝገበሩ ኣብ 1818 ዓ.ም. ምስ ክልተ ብጾቶም ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ወንጌል ዘበሰሩ ኣባ ጆሰፍ ኖርበርት ፕሮቨንኸር ምስጋና ይዅኖም፡ ሳላ ወንጌላውን ሓዋርያውን ቀናእተይናቶም ሎሚ ርእሰ ሰበኻ ዝዀነ ኣብቲ እዋን ሰበኻ ቅዱስ በኒፋዚዮ ዘቖሙ እያቶም። ቀዳማይ ናይታ ሰበኻ ጓሳ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮቨንኸር ምንባሮም እውን ሓቢሮም።

ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሱታፌ ዕብየት እቲ እብ ክርስቶስ ምስራትና ኣዚዩ የጸንዕ። ልክዕ ከምቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል፡ ወንጌል ናጻ የውጽእ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይና ንክንፋለጥን ንኽንራኸብን የብቅዓና፡ ምስ ኢየሱስ ብምርኻብ ሕይወቶም ናይ ምልዋጥ ብቕዓት ዘለና ንኸውን፡ እዚ ናይቶም ቀዳሞት ሓዋርያት መንፈስ ወንጌላዊ ልኡክነት መሰረት እዩ ኢሎም።

መበል ዝኽሪ 200 ዓመት ኣስፍሆተ ወንገል ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ካናዳ
16 July 2018, 17:18