ድለ

ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ምህናጽ መርበብ "ከተማታት መዕቆቢ" ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ምህናጽ መርበብ "ከተማታት መዕቆቢ" 

ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ምህናጽ መርበብ "ከተማታት መዕቆቢ"

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርበባዊ ርክብ "ከተማታት ዕቝባ" ንምቛምን ነቲ ዝመረቕዎ "ለውጢ" ዘርእስቱ ስእላዊ ምርእት መሰረት ብምግባር ኣብ ናይ ስነ-ጥበብ ለውጢ መርበባዊ ከተማታት ንዕቕባ ዘተኰረ ዋዕላ ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሓበን ናይ ሓደ መራሒ ደቀባት ማሕበረሰብ ኣማዞን ብራዚል ኣትሒዙ ክሳዕ ንባሕሪ ዚትንክፍ ዚመስል ጽባቐ ሰማይ ኣውስትራልያ ክሳዕ እታ ብሰንኪ ለውጢ ዅነታት ኣየር ብደርቂ ዝቘሰለት ሃገር ባንግላደሽ - እዚ ገለ ኻብቲ ሰሉስ እተመረቐ 24 ስእልታት ዘቕረበ ምርኢት ክኸውን እንከሎ። እዚ ናይ ስእሊ ምርኢት ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቕረበ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ እውን ምስ ‘ይሴባህ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ማእከል ብምትሕብባር ብሊያን ማሪያና በልትራሚን ዝተሰናደወ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሊያ በልትራሚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት "እቲ ምርኢት ክፍሊ ናይቲ 'ለውጢ ዘምጽእ ስምዒታት' ዝብል ውጥን ከም ዝኾነን እዚ ኸኣ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓዋዲ መልእኽቲ ይሴባህን ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽትን ከምኡ እውን ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝገበረ ስነ-ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት ለውጢ ዝሳዋሳእ ክኸውን ዘቕረብዎ ለበዋን ባህግን ዝተበገሰ ምዃኑ ይሕብራ።

«እቲ ምርኢት፡ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ዝተበታተነ ኩነት ብምሉእ ኩለንተናዊ ኣጠማምጣ ክንምልከቶ የተሓሳስበና። ነዚ እዩ ድማ ንኹሉ ርክብ ዘጠቓልልን ዝፈታተንን፣ እዋናዉ ኩነት ኣዚዩ ዝተበከለ እዩ" እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ፒዮስ ራብዓይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ነቲ ናይ ስእሊ ምርእቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ እቲ ኣሳእል ጽባቔን ገዓርን ዘጣመረ እዩ። ኣብ መንጎ ጽባቐን ሓቅን ፍትሕን ዘሎ ርክብ ዘቃልሕ" እንክብሉ ነቲ ናይ ስእልሪ ምርእኢት ገሊጾም . . . ለውጢ ንምምጻእ ዝኽእል ፈጠራዊ ተውህቦ ዝተፈላለየ ስነ ፍልጠት ዘለዎ ግደ እውን ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣብሪሆም ፡ . . . ብናይ ምግራም ድሌትን ክእለትን ከምኡ’ውን በዚ ዓሚቝ ድሌታት ዝተደረኸ ጉዕዞ  ኩለንተናዊ መሉእ ዕቤት ዘነቓቕሕ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . ኣብ መንጎ እቶም ጽባቐ ዝፈጥሩ፡ ጽባቐን ሓቅን ንምትሕልላፍ ዝሰርሑን ቁጠባ ከም ሓልዮት ናይ ሓባር ገዛ ዝርድኡን ዝምድና ንምምስራት ወይ ንምሕያል። "ብርግጽ፡ ለውጢ ከስዕብ ዝኽእል ፈጠራዊ ተውህቦ ኣብ ማእከል እቲ ዋዕላ ኮይኑ፡ ተሳትፎ ናይቶም ኣካየድትን ሰኣልትን "ለውጢ"፡ ከምኡ'ውን ስነ-ጥበባውያን፡ ጋዜጠይናታት፡ ናይ ፊልም ቀረጽትን ኣሰናዳእትን ደረስትን ፊልምን ካብ ኣካዳሚያዊ ዓለም ዝመጹ፡ . . . "ንዝሓሸ ለውጢ ዝብል ሓደ ዓይነት ድሌት" ዘለዎም እንክብሉ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ሩፊኒ ኣስዒቦም "ስነ-ጥበብ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቨነዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ 'ከተማ መዕቆቢ' ዝብል ደረጃ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ንስርዓት ዓመጽን ኣድልዎን ዘይእዘዝ፡ ከለልይ ዝኽእል መልክዕ ሰብኣዊ ቤታውነት ክፈጥር ዝኽል ንኹሉ ዝሓቁፍ ከተማ ዘመላኽት እዩ፡ . . .  "ዓሌታውነትን ዘይማዕርነትን ምህዳራዊ ምምዝባልን 'ንድኻታት ምፍራህ' ዝብል ኣሉታውያን ተግባራት ንምብዳህ እተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ልምድታት ንዓለም ካብ ባዶነትን ኣልቦነትን ትርጉም ሓራ ንምውጻእ ብምትሕብባር ኣብ ኵሉ ቦታ ከም መራኸቢ 'ከተማታት ዕቝባ' ገይሮም ከቝሙ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም፡ እዚ ምርኢት እዚ ነዚ ዝምስክር እዩ ከም ዝበሉን ሩፊኒ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ መስረት ድማ ተጋባእያን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣረኣእያታት ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2024, 16:58