ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ምስ ዕርገቱ ኢየሱስ መንገድና ንመንግስተ ሰማይ የቕንዖ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ካብ ሃዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ናይ ዕለቱ ወንጌል (ሉቃ. 16፥ 15-20) መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኢየሱስ ብዕርገቱ ኣቢሉ መግንስተ ሰማይ ከም ዝኸፈተልና የስተህብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ግንቦት ሰንበት በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ከም እተበዓለን ኣብዛ ዕለቲ እዚ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓሪጉን ብየማን ኣምላኽ እውን ተቐመጠ (ሉቃ. 16፥ 19) ዝብል ቃለ ወንጌል ጠቒሶም ዕርገት ኢየሱስ ክርስቶስ መገዲ ከም ዝኸፈተልና ገሊጾም፥ "ኢየሱስ ናብ ኣቦ ምምላሱ ተፈልየ ማለት ዘይኰነስ ነቲ ናይ መወዳእታ መዓርፎና ብሃንቀውታ እንጽበየ ኣቐዲሙ ይሕብረና" . . .  ናብ ጫፍ ሓደ ኸረን ክንድይብ ከለና ንሱ ኣብ ጎንና ኮይኑ የሰንየና፡ ንቤተ ክርስትያን ‘ኣካሉ’ ናብቲ ዝዓረገሉ ሰማይ ይስሕባ!”

ንሕና እውን ምስኡ ሓቢርና ብሓጎስ ንትንስእ

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ንሕና እውን ሓደ ኣካል ስለ ዝኾንና ማንም ክጠፍእ ወይ ድሕሪት ክተርፍ ከም ዘይብሉ ፈሊጥና ምስኡ ብሓባር ብሓጐስ ንትንስእ።”

ኢየሱስ ኢየሱስ መንገዲ የርእየና፥ ናይ ሎሚ ወንጌል ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ስራሕ ምፍጻም ዝሓቖፈ ክንወስዶ ዝግበኣና ስጉምትታት ከም ዝነግረና ብምዝካር፡ “ሕይወት ምሃብ፡ ተስፋ ምምጻእ፡ ካብ ኩሉ ቂምታ ምርሓቕ ንእከይ ድማ ብሰናይ ምላሽ ምሃብ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ምዃን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንየሱስ ደረጃ ብደረጃ ምስዓብ

“ነዚ ብዝገበርና መጠን ብመንፈሱ ክንልወጥ ብዝፈቐድና መጠን ኣብነቱ ኩሉ የኽእለናን ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣየር ደስ ዘብልን ጽሩይን ኮይኑ ይስምዓና . . . እምበኣር ስጉምቱ ንስዕብ እንተድኣ ኴይንና ገዛእ ርእስና ንሕተት ቢሎም፥ “እቲ ናይ እግዚኣብሔር ድሌት ኣባይ፡ ነቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሩ፡ ነቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ዝኾነ ሕይወቱ ህያው ድዩ? ወይስ ብሓላፊ ነገራት፡ ብገንዘብ፡ ዓወት እዛ ምድርን፡ ብናይ ሓሶት ሓጎስን ተኸቢበን ተኣሲረን ኣለኹ? ንሰማይ ዘለኒ ድሌት ይንጽለኒ ድዩ ወይስ ጉዕዞ ገነት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከፍቅሮም እዩ ዝመርሓኒ?” እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ቅዱሰንቶም ንድንግል ማርያም "ናብ ክብሪ ሰማይ ብሓጐስ ክንመላለስ" ክትሕግዘና ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

13 May 2024, 17:11