ድለ

2023.07.23 Santa Messa per la Giornata mondiale dei nonni e degli anziani 2023.07.23 Santa Messa per la Giornata mondiale dei nonni e degli anziani  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣረጋውያን 'ጽኑዕ መሰረት' መጻኢ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ብ28 ሓምለ 2024 ንኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ዝኸብር ራብዐይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ኣብዚ ዘመን እዚ ንዘለዉ ብዙሓት ኣረጋውያን ዘሕልፍዎ ዝለዉ ዅነታት ኣፍልጦ ብምሃብ "ኣምላኽ ንደቁ ፈጺሙ ኣይጥንጥኖምን ኢዩ" ብምባል ኣረጋገጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ብእርጋነይ ኣይትደርብየኒ" (cf. መዝ. 71፡ 9)፦ እዚ ኻብ መዝሙር 71 እተወስደ ልባዊ ልመና ፍረ ነገር ናይቲ ብዕለት 28 ሓምለ 2024 ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ዝኸብር ራብዐይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሽማግሌታትን ኣረጋውያንን እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እተወደበ ፍረ ነገር ናይታ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝመረጹ ዝዝከር ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንራብዓይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን ኣመልኪቶም ናብ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ዝለኣኸዎ መልእኽቲ "ኣምላኽ ንደቁ ፈጺሙ ኣይጥንጥኖምን ኢዩ" ብምባል ኣረጋገጸሎም።

ከምኡ ውን ንኣረጋውያን መንፈሳዊ ህንጻ ኣብ ምስራሕ ምእንቲ ኺጽምበሩ "ሓድሽ" ኣእማን ዜዕርፈሉ "ጽኑዕ መሰረት" ኢኹም ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።  

ፍርሂ ጽምዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ደረጃ ህይወቶም ኸም ዚቐርቦም ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ብፍላይ ኣብ እርጋንን ኣብ ግዜ ስቓይን ከይጥንጠኑ ዘለዎም ፍርሂ" ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርከብ ከም ዚኽእል ጽሓፉ። እዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ "ምሉእ ብምሉእ ንጹር ሓቂ ኢየን ዘንጸባርቓ።"

መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣረጋውያንን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መጠን ኣብ ህይወትና ብጽምዋ ኢና ንብላዕ" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ "መብዛሕትኡ ግዜ ጽምዋ ከም ኣረጋውያንን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መጠን ኣብ ህይወትና ተስፋ ዘቝርጽ ብጻይ ኢዩ" ብምባል ኣፍልጦ ሃበሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እዚ ጽምዋ እዚ ንኽህሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ዝርከቡ ኣረጋውያን ደቆም ክስደዱ ስለ ዝግደዱ በይኖም ኢዮም ዝተርፉ" በሉ።

ቅዱስነቶም ንዅነታት እቶም ብውግእ ኣብ ዝዓነዋ ሃገሮም ዝተረፉ ኣረጋውያን "ኣብቲ ጠንጢንካ ምኻድን ሞትን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ዚመስል ቦታታት እንኮ ምልክት ህይወት" ክብሉ ውን ገሊጾምዎ ይርከቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንእምነት ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ዝርከብ ባህልታት እውን ክነቕፍዎ ይርከቡ ፣ ከመይሲ እቶም ኣረጋውያን "ነቲ ኣገዳሲ ሓይሎም ንመንእሰያት ንምድኻም ጥንቈላ ከም ዝጥቀሙ ይጠራጠሩ ኢዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንመንእሰያት ዝትንክፍ ናይ ጽሕፍቶ መጥቃዕቲ ይወርደሎም ውን አሎ።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "እዚ ኣረጋውያን 'ንመንእሰያት መጻኢኦም ከም ዝሰረቕዎም' ዝገልጽ ክሲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ኵሉ ኢዩ ዘሎ" ድማ በሉ።  ኣብተን ኣዝየን ምዕቡላትን ዘመናውያንን ሕብረተሰባት እውን ከይተረፈ ከም ካልእ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ።"

ንህይወት ኣረጋውያን ዚምልከት ውዲት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መዝሙር ንህይወት ኣረጋውያን ብዚምልከት እተኣልመ ውዲት እያ እትዛረብ" ክብሉ ውን ጸሓፉ።

ብተወሳኺውን "ንኣረጋውያን ምሕዳግ ብኣጋጣሚ ወይ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ኣይኰነን፣ የግዳስ ፍረ ውሳነታት — ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ብሕታውን ውሳነታት — ኮይኑ፣ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኽብሪ  ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ዘይህብ ' ክንዮ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፍጻሜታን ወይ ተርእዮታት ' ምዃኑ " ውን ገለጹ ።

"እቲ ኻብ 'ንሕና' ናብ 'ኣነ' ዚብል ምስጋር ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ብንጹር ዚርአ ምልክታት እዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ሎሚ ብዙሓት ኣንስትን ሰብኡትን ብእተኻእሎም መጠን ብርእሶም ክመሓደሩን፣ ካብ ካልኦት ሰባት ተፈልዮም ኣብ ዝነብሩሉ ህይወት ዕግበት ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ ዘለዉ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ። "እቲ ኻብ 'ንሕና' ናብ 'ኣነ' ዚብል ምስጋር ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ምልክታት እዩ" ክብሉ ንምጽሕፍ ዘገደዶም ምኽንያት ውን እዚ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ማሕበረ ሰብኣዊ ዅነታት ጽምዋን ምጥንጣንን ብተደጋጋሚ ይርአ ኣሎ" ብምባል የመልክቱ ።

ኣስኣሰር ሩት ምስዓብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተዘንትዪ ዘሎ ዛንታ ናኦሚ ካብ መጽሓፍ ሩት ጠቒሶም ውን ይርከቡ።

እታ ዝኣረገት ናኦሚ ነተን ክልተ ኣንስቲ ደቃ ሓዲገንኣ ክኸዳን ናብ ዓደቦአንን ቤተንን ክምለሳ ተማሕጸነተን ። ናኦሚ ንርእሳ ኸም ጾር ገይራ ስለ ዝረኣየታ፣ እንተ ኣግለሰት ዝሓሸ ዀይኑ ተሰምዓ ።

ሓንቲ ኻብ ደቃ ኸምቲ እታ ኣደ ዝበለታ እያ ዝገብረት ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ ሩት "ካብ ጐድኒ ናኦሚ ኣይተፈልየትን እቲ ዜገርም ከኣ ሩት 'ንዓኺ ኃዲገ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይተበልኒ' በለታ። (ሩት 1፡16) ። ሩት ንልምድታትን ንኣተሓሳስባን ክትቃወሞ ኣይፈርሐትን" ድማ ክብሉ ጸሓፉ።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዛዝም - "ኣብ ክንዲ እቲ ናብ ጽምዋን ምጥንጣንን ዘምርሕ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ዘተኰረ ኣረኣእያ፣ ነቶም 'ኣይክጥንጥነኩምን ኢየ' ንኽብሉ ትብዓት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ክፉት ልብን ሕጉስ ገጽን ነርኢ፣ ናብ ካልእ መገዲ ድማ ንጕዓዝ።"

ቅዱስነቶም ቡራኬኦምን ጸሎቶምን ከኣ "ንዅላትኩም ንፍቑራት ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ንኣረጋውያንን ንዝቐርበኩም ኵልኹም" እዩ፣ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

15 May 2024, 17:49