ድለ

2024.05.13 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሲሮ-ማላባር ምእመናን: ሓድነት ግቡእ እዩ! 2024.05.13 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሲሮ-ማላባር ምእመናን: ሓድነት ግቡእ እዩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሲሮ-ማላባር ምእመናን: ሓድነት ግቡእ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስታ ንሓያሎ ዓመታት ብብርቱዕ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምኽንያት ኣብ ውሽጣዊ ምግምማዕን ዘይምስምማዕን ሃዋሁ ትርከብ ዝነበርት ኣብ ሂንዲ ስርዓተ ሲሮ-ማላባር ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላት ዕለት 13 ግንቦት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተኣዝዞ ኣድላዪ ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ኣብ ህንዲ ናይ ኬራላ ሲሮ-ማላባር ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲትያን ዓብይ ሊቀ ጳጳሳት ራፋኤል ታቲል ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን

ቅዱስነቶም ንሊቀ ጳጳሳ ታቲልን ናይታ ሰበኻ ካህናትን ተቐቢሎም The Pope’s address  ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካብ ጥንታዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኬራላ ክሳብ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብኡ ክለዓል ዝጸንሐ ስርዓተ ኣምልኾ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ።

ጥንታዊ ታሪኽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ጥንታዊ እምነት ሲሮ-ማላባር ቤተ ክርስቲያን ብምስትንታን መደረኦም እንክጅምሩ፥ “ምእመናን ናይታ እትፈትዋ ቤተ ክርስቲያንኩም”፡ “ኣብ ህንዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብብርታዐ እምነቶምን ፈርሃ እግዚኣብሔር ዝፍለጡ እዮም።” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ምዕራባውያን ልኡካነ ወንጌል ንኬራላ ክርስትያን ምስ ልምድታት ኤውሮጳ ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ንሓያሎ ዓመታት ከገድድዎም ከም ዝፈተኑ ብምጥቃስ፡ "ገሊኦም ኣባላት እምነት" ንታሪኽ ጥንታዊ ኣብያተ-ክርስትያን ህንዲ "ድንጋጸ ዘይብሎም" ብምዃኖም "ኣብ ልዕሌኹም ሕማቕ ተግባር" ከም ዝፈጸሙ ዝፍለጥ እዩ፡ ምስ በሉ፥ ወሲኾም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ “ምስ ሕሉፍ ዘራኽበና ሱር ምብታኽ” ልሙድ ዝኾነሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ምብታኽ እዚ ከይህሉ ናይ ሲሮ-ማላባር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲት ምዃና ገሊጾም።

"ክርስትያናዊ ምብራቕ" ካብ ጥንታውን ወትሩ ሓድሽን ምንጪ መንፈሳውነት ክንመሃር የኽእለና፣ እዚ ዓይኒ ምንጪ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ዘጽንዕ ሓድሽ ዓይኒ ማያት ይኸውን"

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓድነትን ተኣዛዝነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቐጻሊ ዝዀነ ኣብ ሊጢርጊያ ዝቖመ ናይ ስነ-ስርዓት ክትዕ ብምጥቃስ፥ "ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ናይታ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ሓደ ዝርዝር ነገራት ንኸተኵሩ ሓደገይና ፈተና ኸጋጥሞም ከም ዝኽእል ንምጥንቃቕ፡ ደብዳበታትን ናይ ቪድዮ መልእኽትን ከም ዝለኣኸሎም" ዘኪሮም፥ እዚ ሓደጋ’ዚ፡ “ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መወከሲ፡ ብጀካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ካልእ ኣተሓሳስባ ንኸይትሰምዕ ዝመርሕ እዩ፣” ኣብዚ ድማ እዩ፥ “ድያብሎስ ሰንጢቑ ዝኣቱ” ቢሎም፡ እዚ ድማ ንሕና ደቀ መዛሙርቱ “ሓደ ክንከውን” ኢየሱስ ዘለዎ ድሌት ንምድኻም ዝዓለመ እዩ (ዮሃ 17.2) እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ በዚ ምኽንያት እዚ ሓድነት ምሕላው ፍርሃት እግዚኣብሔር ዝምዕዶ ዘይኮነስ ግዴታ እዩ” ብምባል ኣጽኒዖም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምኡ’ውን “ቅዱስ ምስጢር” ኣኽብሮት ዘይምህላው ምርኣይ ...ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ጥርዚ ህላወ [የሱስ] ዝኾነ ቅዱስ ቁርባን ብኸመይ ከም እነብዕሎ ምምጓት ምስ እምነት ክርስትና ዘይቃዶ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናብ ሓድነት ዝወስድ መንገዲ

እቶም ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ስነ-ስርዓተ ቅዳሴ ዘውስኣቶ ውሳነ ምቕባል ዝኣበዩ "ክፍሊ ናይቲ ዘፍቅሮምን ዝጽበዮምን ዝዓበየ ስድራቤት ምዃኖም ክግንዘቡ" ተላብዮም፡ ምንቲ እዚ "ከይተሓለልና ንጸሊ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ “ብዘይ ፍርሒ ተራኺብና ንዘትይ . . . “ልዕሊ ኹሉ ግና ንጸሊ፣ እቲ ንፍልልያት ዝዓርቕን ንውጥረት ናብ ሓድነት ዝመልስን ብርሃን መንፈስ፣ ንዘጋጥም ዘይምርድዳእ መታን ክፈትሖ፥ . . . “ትዕቢት፡ ምክሳስን ቅንእን ካብ ጐይታ ዝመጽእ ኣይኮነን ናብ ስምምዕን ሰላምን ፍጺሙ ዘብጽሕ ኣይኰነን” እዚ ዝተረጋገጸ ምዃኑ የስተብህሉ።

መደምደምታ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንትንሳኤ ዝጠራጠር ዝነበረ ቅዱስ ቶማስ ምስ ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ ብምስትንታን፥ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ንቶማስ ኣርኣዮ፣ ነቲ ኣብ መስቀል ከሎ እተቐበሎ ቅንዋትን በሰላን ክትንክፎ ድማ ዓደሞ፥

“ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ቅድሚ ዕብየት ኣምላኽ ጥርጣረታቱን ፍርሃቱን ክጠፍእ ክርኢ ከሎ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ምግራም ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ! ተስፋ ዘመንጩ ምግራም፣ ክወጽእ - ናብ ክብል፣ ሓድሽ ዶባት ክሰግርን ብእምነት ኣቦኹም ክኸውን ዝደፋፍኦ ምግራም እዩ። ነዚ ንዅሉ ዕንቅፋት ክንሰግሮ ዘኽእለና መስተንክር እምነት ነማዕብል!”

እንክብሉ ብዛዕባ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ሰባኬ ምድሪ ህንዲ ኣብነት ገይሮም ብዘቕረብዎ ለበዋ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

14 May 2024, 15:45