ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝካፈል ፍቕሪ ንሕብረተሰብ ዝያዳ ለባም ይገብሮ ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝካፈል ፍቕሪ ንሕብረተሰብ ዝያዳ ለባም ይገብሮ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝካፈል ፍቕሪ ንሕብረተሰብ ዝያዳ ለባም ይገብሮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣልያ ማሕበር ኣረጋውያንን ኣረጋውትን “ሕቑፍን ፍሽኽታን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ርክብ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ደቂ ደቆምን ምስ ዝተሳተፉ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ፍቕሪ ሕብረተሰብ ናይ ምቕያርን ጥበብ ናይ ምትሕልላፍን ሓይሊ ከምዘለዎ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኢጣልያ ማሕበር ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፥ “ሕቑፍን ፍሽኽታን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ መደብ ርክብ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ደቂ ደቆምን ብጠቕላላ ምስ ዝተሳተፉ ልዕሊ 6000 ተጋባእያን  ከም እተራኸቡን እቲ መደብ መሰል ኣረጋውያንን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘለዎ ግዴታ ዘጒልሕ ምንባሩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተሳተፍቲ ሰላምታ ብምቕራብ ነቲ መደብ ንዘተባብዑ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያን ኩሎም ኣብዚ መደብ እዚ ንዝተሓባበሩ ኣመስጊኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብሓባር ግዜ ከሕልፉ ዘለዎ ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም፡ ሓባራዊ ፍቕሮም ንዓለም ዝሓሸትን ሃብታምን ለባምን ከም ዝገብራ ድማ ገሊጾም።

ንማንም ዘይንጽል

ቅዱስ ኣቦና ቅድም ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ፍቕሪ ከመይ ዝበለጹ ሰባት ከም ዝገብረና ገሊጾም ካብ ናይ ግሊ ተመኮሮታቶም ማለት ካብ ኣቦ ሓጎኦምን ኣደ ሓጎኦም ወለዶምን ዝረኸብዎ ትምህርትን ህንጸት ሕይወትን መሰረት ገይሮም፡ "ንዋላ ሓደ ሰብ ኣብ በይናውነት ከይሓደግና ኣብ ፍቕሪ ብምትሕብባር ጥራይ ኢና ዝሓሽና ዝያዳ ሰብኣውያን እንኸውን" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምግምማዕን ጽምዋን ምብዳህ

ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘሎ ፍቕሪ ንሕብረተሰባትና ዝያዳ ሃብታት ከም ዝገብሮም ኣስተብሂሎም፣ ብብዙሕ ወለዶታት ዝቖመት ሓንቲ ዓለም ጥራይ ከም ዘላ ገሊጾም፥ "ዝተፈላለዩ ወለዶታትን ህዝብታትን እንተተሰማሚዖም፡ ከም ገጻት ዓቢ ኣልማዝ፡ ነቲ መስተንክር ጽባቐ ሰብኣውነትን ፍጥረትን ክገልጹ ይኽእሉ እዮም" ቢሎም፥ “ማንም ኣየድልየኩምን እዩ” ዝብሉ ድምጽታት ዘይምስማዕ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፥ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ናብ ጽምዋ ከም ዝመርሕን ኣረጋውያን ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ርሒቖም ናይ መወዳእታ ዓመታቶም ንበይኖም ዝተርፉሉ ጓሓፋይ ባህሊ ከም ዘስዕብን ድማ ኣዘኻኺሮም፥ “እዛ ዓለም ሓቢርና ንሃንጻ . . . ናይ ሓገዝ መደባት ብምምዕባል ጥራይ ዘይኮነስ ዝሓልፍ ዓመታት ከም ሓደ ሰብ ዘጉድል ክሳራ ዘይርኣየሉ ንዅሉ ዘዕብን ዘሀብትምን ዝተፈላለዩ ውጥናት ንምዅስኳስ ሰናይ እዩ ከምዚ ንምግባር ድማ ኣይትፍርሑ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ምሕዳስ

ድሕርዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቶም ወለዱ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣምጽእዎ ንኢሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ ዝፈልጥዎ ብዕድመ ዝደፍኡ ስምኦንን ሃናን ዝኣመሰሉ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝነበረ ፍቕሪ ዝያዳ ጥበበይታት ከም ዝገብረና ኣዘኻኺሮም፡ ሕብረተሰብ፡ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ዕሽሽ ክበሃሉ ከለዉ ቀልጢፉ ነገራት ይርስዕ ኣልቦ ታሪኽ ናብ ምዃን ገጹ ይንውነው፥ “ንኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረትሰብ ጽን በሉ፡ ብፍላይ ብፍቕሮምን ምስክርነቶምን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍቕሪ ከነማዕብል ክሓንጹ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ብሓይሊ ዘይርከብ፡ ዓወት ተመሲሉ ዘይረአ፡ ህይወት ዝመልእ'ዩ።”

ኣቦ ሓጎታትና ኣደ ሓጎታትን፡ ንመንእሰያት ወለዶታት ብዛዕባ ራዕዲ ውግእን ኣገዳስነት ድልያ ሰላምን እውን ክምህሩ ዝኽሉ ምዃኖም ገሊጾም፥ ኣብ መደምደምታ “ንስኻትኩም ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ወለድን ደቂ ደቅን፡ ኣረጋውያንን ንኣሽቱን ብሓባር ኣብ ዘለኹምሉ፡ ብዙሕ ግዜ ክትራኸቡን ጽን ክትበሃሃሉን ከለኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትከናኸኑ ከለኹም፡ ፍቕርኹም ንዓለም ዘሐድስ ትንፋስ ንጹህ ኣየር እዩ። ከምኡ’ውን ኪኖ ስድራቤታዊ ምትእስሳር ሕብረተሰብን ንኹላትና ከም እንድልድል ይገብረና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝካፈል ፍቕሪ ንሕብረተሰብ ዝያዳ ለባም ይገብሮ
27 April 2024, 17:15