ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሃገረ ቫቲካን፥ ማሕበራዊ ህይወት ከማዕብሉ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሃገረ ቫቲካን፥ ማሕበራዊ ህይወት ከማዕብሉ ይላበዉ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሃገረ ቫቲካን፥ ማሕበራዊ ህይወት ከማዕብሉ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ምስ ስድርኦም ዝመጹ ዕለት 6 ግንቦት ቃለ ማሕላ ንዝፈጸሙ 34 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጽጥታ ስዊዘርላንድ ድሕሪ ቀትሪ ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሞም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብዚ እዋን መንእሰያት ብዝተፈላለየ ዝተራቐ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሎም ናብ በይናውነት ህይወት ኣብ ዝድረኽሉ ዘሎ እዋን እቶም ኣባላት ሓለዋ ጽጥታ ስዊዘርላንድ ኣንጻር እዚ ዋሕዚ እዚ ብምኻድ ክንየው ኣገልግሎቶም ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ምሕዝነት ክተግሁ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንህላወኹም" ከምኡ'ውን ስለቲ "ለጋስን ትጉህን" መዓልታዊ ኣገልግሎትኩም ነመስግን። "ብንጥፈትን ብጽዑቕን ማሕበራዊ ህይወት ምዅስኳስ የድሊ፡ ምስቲ ንመንሰያት ካብ ማሕብራዊ ህይወትን ምሕዝነትን ዘርሕቕ ኣብዚ እዋንዚ እዚ ዝርእ ቀጥዒ ኣልቦ ምጥቃም ዝተራቀ መራኸብታት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኣባላት ጳጳስዊ ሓለዋ ጽጥታ ስዊዘርላንድ "ኣንጻር እዚ ዋሕዚ እዚ ብምኻድ ንዝነብርዎ ማሕበራዊ ሕይወት ኣጽኒዖም ከኽብሩዎ ተላብዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝጽገን ዘሎ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ መዓስከር ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ቦታ ምስ ስድራ ቤቶም ኣብ ዝተፈላለየ ህንጻታት ቅድስቲ መንበር ፋሕ ኢሎም ዝነብርዎ ዘለዎ ዓይነት ኣነብብራ ዘወግድን ተጠርኒፎም ንኽነብሩ ዘብቅዕ ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩን፥ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ምጥርናፍ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 6 ግንቦት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንር.ሊ.ጳ ቀለመንጦስ ሻብዓይ ካብ ናይ ጀርመን ዑስባት ወተሃደራት ቻርለስ ሓምሻይ ንኽከላኸሉ ህይወቶም ዝኸፈሉ 189 ኣባላቱ ኣብ ዝዝከሩሉ ዕለት፡ በቢ ዓመቱ ሓደስቲ ኣባላት ቃለ ማሕላ ከም ዝፍጽሙን በዚ ምኽንያት እውን 34 ናይቲ ሓለዋ ጸጥታ ሓደስቲ ኣባላት ዕለት 6 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ቃለ ማሕላ ከም ዝፍጸሙ የመላኽት።

ለጋስን ትኩርን ጥንቁቕ ኣገልግሎት

ቅዱስነቶም ዕለት 6 ግንቦት ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ስለ ውፉይ ኣገልግሎቶም ተራኺቦም ንኸመስግንዎም ሃረር ዝብልዋ መዓልቲ ምዃና ገሊጾም፡ ንጡፍን፡ ትኩር፡ ጥንቃቔ ዝተመልኦ ኣኽባሪ ኣገልግሎትኩም ብኹሉ ዝርአን ኣገዳስን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዞም መንእሰያት ስላ ዝረኸበዎ ጽቡቕ ትምህርትን ዝዓበይሉ ሃዋህው ምኽንያት ድማ ንኣባይቲ ስድራኦም ኣመስጊኖም፡ ስለ እቲ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ሕጉስ ምዃኖም እውን ኣረጋጊጾም፥ "ብሉጽ መንፈስ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ "ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ኣጋይሽን ዝግበር ስነ-ስርዓት ዝመልኦ ኣቀራርባን" ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ነዊሕ እዋን ጽዑቕን ኣድካምን ኣገልግሎት እኳ እንተሃለወ ብጭቡጥ ክቡራት ዋጋታት ዝነብሩ ብምዃኖም ንኣባላትን ሓለፍትን ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንኢዶም - ኣብ መንጎኹም ጽቡቕ ምሕዝነትን: ብሓባር ዑደት ምግባርን፣ በዓላትኩም እዋን ዕረፍትኹምን ብሓባር ኣብ ምሕላፍን እትነብርዎ ህይወት ኣብንታዊ እዩ እዚ ድማ ብሓቂ ጽቡቕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጽቡቕ ምሕዝነት

ምሕዝነት ብሓቂ ንክርስትያን "እቲ መሰረታዊ ተመክሮ" ኮይኑ ሰናይ ምሕዝነት ድማ "ንሰብኣውን ክርስትያናውን ዕብየትናን ብስለትናን ቀንዲ መንገዲ" ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣስሚሮም ብምዝኽካር፡ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝህብዎ ኣገልግሎት ናይ ክልተ ዓመት እውን ይኹን እቲ ዝነብርዎ ህይወት ንነፍሲ ወክፎም ኣዚዩ ኣገዳሲ ተመክሮን ስዒቡ ኣብ ዝንበር ህይወት ዘሰንይን ዝሓንጽን ምዃኑ እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ሓድሽ መዓስክርን ምጥርናፍ ኣባይቲ ስድራን

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝቐረበ ውጥን ዳግመ ምምዕባል መዓስክር ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላድን ኣብ ምጥርናፍ ናይቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ሕጽረት ቦታ ብመጠኑ ፋሕ ኢሎም ክነብሩ ዝግደዱ ኣባላት ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ስድራቤታቶምን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም፥ "ማሕበራዊ ህይወት ዝሓንጽ” እውን ምዃኑ ብምዝኽካር እዚ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረአ በይናውነት ዓይነት ኣነባብራ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ናይ ኢድ ተለፎንን ካልእ መሰል ዝተራቀ መራኸብታት ግዙኣት ክኾኑ ዝድርኽ ዋሕዚ ንምብዳህ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፥

“መንእሰያት ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣንጻር እዚ ዋሕዚ እዚ ኪዱ! ናጻ ግዜ ንናይ ሓባር ንጥፈታት ምጥቃም ሰናይ እዩ፣ ሮማ ንምፍላጥ፣ ንናይ ሕውነት ህሞታት ንዘተን ተመክሮ ንምልውዋጥን ስፖትርን . . .  እትነብርዎ ማሕበራዊ ህይወት፣ ህይወትኩም ይሃንጽን ንመላእ ህይወትኩም ዘሰንየኩም ተመክሮ እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እቶም ሓደስቲ ኣባላት ቃለ ማሕላ ዝፍጽሙ 34 ኩሎም ኣባላት ጳጳሳዊ ሓላዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ካርዲናል ፓሮሊን ዘስምዕዎ ስብከት ብሓደ መዳይ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላት ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘቃልሕ ኮይኑ፥ እዚ ኸኣ፡ ኣገዳስነት ምንባር ማሕበራዊ ህይወት” ዘማእከለ ከም ዝነበረን፥ ኣብ መንጎ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝንበር ማሕበራዊ ህይወት ብጻይካ ዘሕልፎ ከበድ ህይወትን ሓጎስን ህሞታት ክትካፈል ዝገብር ከም ዝኾነን ሓድሕዳዊ ምትብባዕን ምትሕልላይን ዘዕብይ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ብመሰረት ናይ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ስርዓት ኣቢልኩም . . . ነቲ "ክርስትያናዊ ዕርዲ ” ኣደልድሉ። "ኣብ መስዋእቲ ሓይሊ፡ ኣብ ቃልሲ ትብዓት፡ ኣብ ቀዋምነት ተኣማንነት" የድሊ፥ እዚ ኸኣ "ኣብ ተራ ህላወና ክርስትያን ምዃንና መሰረታዊ መዘኻኸሪ ክኸውን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ህገረ ቫቲካን፥ ማሕበራዊ ህይወት ከማዕብሉ ይላበዉ
07 May 2024, 16:38