ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መስቀል ሮማ ምስ 100 ካህናት ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣስታት 100 ካህናት ሃገረ ስብከት ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መስቀል ዑደት ፈጺሞም ዕጹው ዘተ ከም ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት ሰዓት 16፡00 ኣብ ሮማ ባዚሊካ ቅዱስ መስቀል ዘኢየሩሳሌም ዑደት ኣካይዶም ምስቲ ናይቲ ናይ ሃገረ ስብከት ሮማ ማእከላይ ክፍለ ከተማ ሮማ ምስ ዘገልግሉ ኣስታት ሚእቲ ካህናትን ቆሞሳትን ተራዳእያን ቆሞሳት ካህናትን ከም እተራኸቡን፡ እቲ ምስቶም ካህናት ዘካየድዎ ርክብን ዘተን እውን ዕጽው ምንባር ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ዞባ ማእከላይ ክፍለ ከተማ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ዝነበሩ ኣቡነ ዳኒኤል ሊብኖሪ ናይ ሰብ ውፉይ ህይወት ጉዳይ ናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰመይዎም ቅዱስነቶም የኔታ ፍራንቸስኮ ፔሸ ቆሞስ ቅድስቲ ማርያም ዘኣኽራን ኣተሓባባሪ ጉስነትን ማእከላይ ዞባ ክፍለ ሰበኻ ሮማ ዕለት 6 ሚያዝያ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሮማ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም የዘኻኽር።

ምስ ንጥፈታት ጉስነት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ኣርእስታት ሕቶን መልስን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም 100 ካህናት ዝገበርዎ ዓውደ ዘተ ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ከም ዝነበረን

ጳጳስ ባልዳሳረ ረይና ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሮማ ንቕዱስነቶም ድሕሪ ዘቕረብዎ ሓጺር ቃለ ሰላምታ ስዒቡ መዝሙረ ዳዊት ምስ ተነበ ንጉስነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝትንክፍ ኣርእስታት ቅዱሰንቶም ካብቶም ካህናት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡን እቲ ብሕቶን መልስን ኣገባብ ዝተኻየደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ሓገዝ ንህጻናት - መንሰያትን ንኣረጋውያን፣ ጥበብ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ክድርበዩ ዘይኮነስ ክሕለዉ ከም ዝግቦምን ነዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝግበኦም ሓገዛት ዘተኮረ እውን ከም ዝነበረን ብተወሳኺ ዛዕባ እቶም ናብ ከም መደበር ባቡር ተርሚኒ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ቦታ ዝሰሓቡ ግዳም ሓደርን ኣብ ማእከላይ ክፍለ ከተማ ሮማ ዛዕባ ዝርከቡ ድኻታት ብዛዕባ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ምኽንያት እውን ኣቀባብላ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ናብ ሮማ ዝነግዱን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2024, 16:34