ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሰላም ብሓያላት ጥራይ ዘይኮነስ ብኢድ ኩላትና እያ እትህነጽ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሰላም ብሓያላት ጥራይ ዘይኮነስ ብኢድ ኩላትና እያ እትህነጽ!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሰላም ብሓያላት ጥራይ ዘይኮነስ ብኢድ ኩላትና እያ እትህነጽ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቅድሚ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንንባብ ዝበቐዓት "ፍትሕን ሰላምን ተሰዓዓማ" ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ኩላትና ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ስነ ጥበባውያን ሰላም ክንከውን ከም ዝተጸዋዕና ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰላም ብኢድና ኢና እንሃንጻ፥” ሓያላት "ብምርጫታቶምን ኣህጉራዊ ውዕላቶምን" ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕና'ውን ሰላም ክንሃንጽ ንኽእል ኢና፡ "ኣብ ኣባይትና፡ ኣብ ስድራቤትን፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ፡ ኣብ እንዋፈረሉ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ኣብ እንነብረሉ ከባቢታት!” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መቕድም ናይታ ኣብ መንጎ ፍትሕን ሰላምን ዘሎ ርክብ ጽሑፋትን ኣስተንትኖታትን ኣብ እተቕርብ ሓድሽ መጽሓፍ የዘካኽሩ።

ፍትሕን ሰላምን ተሰዓዓማ " ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ፡ ቅድሚ እቲ “ኣብ ፍትሕን ሰላምን” ዘተኮረ ናብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከተማ ቨሮና ዕለት 18 ግንቦት ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዕለት 15 ግንቦት ብቤት ማሕተም ቫቲካንን ቤት ማሕተም ኣረናን ተሓቲማ ንንባብ ከም ዝበቐዔት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጎ ፍትሕን ሰላምን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር

"ፍትሒ እንተ ጐዲሉ ሰላም ኣብ ሓደጋ  ይወድቕ፣ ብዘይ ሰላም ፍትሒ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣትው" እንክብሉ ዘስተብሃሉ ቅዱስነቶም፥ "ፍትሒ እቲ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ናይ ዘሎና ዕዳ ዋጋ እንህቦ ጽቡቕ ተግባርን ባህርይን እዩ፡’ ፍትሒ ምስታ 'ሻሎም' እትብል እብራይስጢ ቓል ሓቅነቱ እተረጋገጸን ግቡእን ዝዀነ ሰላም ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ሓቂ ኢዩ።" ሰላም "ውግእ ዘይምህላው ኩነት ዘይኰነስ ምሉእ ህይወትን ምዕባለታትናን" እተመልክት ስያመ ኢያ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ርእሰ-ፍትወት ግርጭት ይፈጥር

ልክዕ ከምቲ "ሰላም ንፍትሒ ሕብረተሰብ ቅድመ - ዅነት ዝኾነት" ሰላም እውን ቅድም ኣብ መንጎ እቶም "ግዳያት" ዝዀነ ይኹን ግጭት ፍትሒ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ። ይኹን እምበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ ክልተ ማዕቅፍ ፍጥረት ሰብ፥ "ምስ ጥቕሚ ርእስኻ” ማለት "ነቲ ናተይ ቅድሚ 'ናትና' ዝብል ተግባር ምቃላስ” ዚብል "ዋጋ" ኣለዎ። ኩሉ ርእሰ ፍትወት "ዘይፍትሓዊ እዩ" ከምኡ'ውን "ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ህይወትና ስርዓት ምስ ዝኸውን፡ ንግርጭት ማዕጾ ይኸፍት፡ ምኽንያቱ፡ ንረብሓታትና (ወይ እቶም ከምኡ ኢልና እንገመቶም) ንምክልኻል፡ "ዝኾነ ነገር ክንገብር ድሉዋት ንኸውን፡ ዋላ ነቲ ካብ ጎረቤትና ተጻባኢ ዝኾነ ክነዋርድ፡ ክወድቕን ክስዓርን ጸላኢ ዝኸውን ብጻይና ምርጋጽ ከይተረፈ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ ኣባ ሮማኖ ጓርድኒ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝዓበየ "ኢጣሊያዊ ተወላዲ ከተማ ቨሮና" ኣባ ሮማኖ ጓርድኒ፡ "ናጽነት ውልቃዊ ወይ ፖለቲካዊ ድሌት ምስዓብ ዘይኮነስ፡ ብባህሪ ህላወ ዝጠልቦ እዩ" ዝበሎ ጠቒሶም፥

ትምህርታዊ ስጉምትን ፍልስፍናዊ - መንፈሳዊ ኣስተንትኖታትን ኣባ ጓርዲኒ "ብፍላይ ኣብ ጸልማት እዋን መብራህቲ" እዩ ነይሩ፡ እቲ ኣብ 1930ታትን ኣብ 1940ታትን ዝነበረት ጀርመን "ብዘስካሕክሕ ኣርዑት ስርዓት ናዚ ዝተገዝአት" ዓቢ ትምህርቲ እዩ ነይሩ።

ገለ ኣባላት ናይቲ ኣብ ሙኒክ ንናዝያዊ ስርዓት ዝኹንን ጉጅለ መንእሰያት ጀርመናውያን ብጻዕዳ ጽገሬዳ ዝጽዋዕ ዝነበረ፥ "ብፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ጽሑፋት ጓርዲኒ ከመይ ከምእተዓንገሉ" ዘኪሮም፥ “ገለ ጽሑፋት” ከም ዝሕብሮ፡ ”እቶም ኣብታ ከተማ ዝተዘርግሑ ሕቡእ ወረቓቕቲ፡ ብናይ ሂትለር ምልካዊ ስርዓት ዝተደናገre ሕልና ሰባት ከበራብሩ ዝፈተኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘይጎነጻዊ ተግባር ከም ዝተላዕለን ንምርጫ ሕልናኦምን ናጽነቶምን ድማ ሕይወቶም ከም ዝኸፈሉ የዘኻኽሩ።

ዛንታ ኣባ መርካንተን ዳላሰጋን

እቲ ጸላም ምዕራፍ ታሪኽ ኤውሮጳ ኣብ ኣእምሮ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መስዋእቲ ቨሮናዊ ካህን ኣባ ዶመኒኮ መርካንተ ከምኡ’ውን ሊዮናርዶ ዳላሰጋ ዝተባህለ ተወላዲ ቫል ዲ ኖን ዝኾነ ወተሃደር ቨርማክት ንፍትሕን ሰላምን “ህይወቶም መስዋዕቲ” ከም ዝገበሩ ይዝክሩ።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን፡ ናይ ዳላሰጋ፡ ኣብ ቫል ዲ ኢላሲ፡ ኣብ ኣውራጃ ቨሮናን ኣብ ዶብ ዞባ ትሬንቲኖን ክኣትዉ ከለዉ፡ ናብ ሰሜን ገጾም ዝሃድሙ ምስ ዝነበሩ ጉጅለ ጀርመናውያን ፓራሹት ተሓዊሱን እቶም ወተሃደራት ኣብታ ናይ መወዳእታ ቁሸት ቫል ዲ ኢላሲ ዝኾነት ጂያዛ ምስ በጽሑ፡ ምስ ጣልያናውያን ወገናውያን ድሕሪ ምግጫው፡ ንኣባ ዶመኒኮ መርካንተ ከም ጅሆ ከም ዝወሰዱዎን እቲ ኣብታ ዓዲ ክልተ ዓመት ንዘይመልእ ዘገልገለ ወዲ 46 ዓመት ካህን ሰበኻ፡ ኣብ እዋን ናዚ-ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ንምሕላው ብዝገበሮ ተግባራቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቶም ወተሃደራት ከም ሰብኣዊ ዋልታ ተጠቒሞም ነቲ ኣኽራን ሰጊሮም፡ ኣብ ትሬንቲኖ በጺሖም በዚ ኸኣ ናብ ብሬነር ገጾም ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ ንነብሶም ንምድሓን ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ኣብ ከተማ ሴረ-ሳን ማርቲኖ ምስ በጽሐ፡ ሓደ መኮነን ንዳላሰጋ ነቲ ካህን (ኣባ ዶመኒኮ መርካንተ) ክቐትሎ ኣዘዞ። ግን፡ ብመሰረት ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ዳላሰጋ "ኣነ ካቶሊክ እየ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ ካህን ብጥይት ክቐትል ኣይከኣለንን!” ኣንክብል ከም ዝመለሰሉ ቅዱስነቶም ናይታ ዓለማዊ መእምነን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም ይሕብሩ።

እቲ ክህንን ደላሰጋን ኣብኡ ከም እተቐተሉን ሬሳ ኣባ ዶመኒኮ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ናብ ጂያዛ ከም ዝመጸን። ዳላሰጋ ኣብ ኢዱ ቅዱስ መስቀልን ስእሊ በዓልቲ ቤቱን ሒዙ ከም ዝተረኽበ ቨሮናዊ ካህን ኣባ ሉዊጂ ፍራካሪ ካብ 1943  ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ምስ ወተሃደራዊ እሱራት ጣልያን (IMI)ን ምስ ናይቲ እዋን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ሴዛር ኦርሰኒጎን ዝተዋፈረ ኣብ ዝጸሓፎ ታሪኽ ከም ዘዘንትዎ ይገልጹ።

ምንቲ ካልኦት ህይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምሃብ

ይኹን ኣምበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መቕድም "ክርስትያናዊ መስዋእቲ ዘለዎ ዓሚቝ ትርጕም ማለት ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት መስዋእቲ ምግባር" ዝብል "ዘሕዝን ፍጻመ እውን እንተኾነ ብፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ህያብ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ድማ “ምስጢር ሞትን ትንሳኤን” ክርስቶስ ኣብነት ዝገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

"ምናልባት ከምቲ ሎሚ ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ንብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋትና ዘጋጥሞም ከም ዘሎ እምነትና ንምግላጽ ደም ከነፍስስ ኣይክንግደድን ንኸውን፡ የግዳስ ብዛዕባ ብርታዐ ሰላም መስቀል ክርስቶስን ካብኡ እተወልደ ሓድሽ ህይወትን ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ብነናሽቱ ተግባራት ኣቢልና ክንምስክር ንጽዋዕ  - ነቶም ዘጕሃዩና ይቕረ ምባል ዘይፍትሓዊ ምክፋእ ምጽዋር ንእተገለለ ሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝግለጽ!”

ሓዳስ ዓለም ንምህናጽ ናይ ሰላምን ፍትሕን ምርጫታት

ሰላም ብንኣሽቱ ዕለታዊ ተግባራትን ቃላትን ልምድን ዝህነጽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ብምሕባር፡ እዚ ኸኣ “ኣብ ጐደና ንዝርከብ ነዳይን ከምኡ እውን ንስደተይናታት ብምሕጋዝ፡ ንበይኑን ዘዘራርቦ ሰብ ዘይብሉን ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ብምብጻሕ፡ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ኣብ ልዕሊ ምህዳርን ብዝኣመሰሉ ተግባራት ሰላም ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ብመርዚ ርእሰ-ፍትወትና ኣዝዩ ንዝሳቐ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ዓለም ዝመጽእ ዝተጸንሰ ህጻን ምቕባል፡ እዚ ተግባር እዚ ንቅድስቲ እናቴ ተረዛ ሓቀይና ናይ ሰላም ተግባር እዩ ነይሩ።”

ስለዚ ኣብ ድሕረ ባይታ "ቁንጣሮ" ኲናት ዓለም፡ "ንኣሽቱ ቁንጣሮ ሰላም ኣሎ፡” እዚ ነኣሽቱ ተግባር እዚ ብሓደ ምስ ዝሰምር ድማ ዓቢይ ሰላም ይሓንጽ፡ እዚ ዓይነት ተግባር እዚ ሰላምን ፍትሕን ንምርካብ ዝግበር መዓልታዊ ዀነ ብቐሊሉ ኽብጻሕ ዝከኣል ምርጫታት ከም ዝኾነ እዞም ምርጫታት እዚኣቶም መጀመርታ ሓዳስ ዓለም ክንዘርእ ከም እንኽል ዘረጋገጹን "ሞት ናይ መወዳእታ ቓል ከም ዘይኮነን ህይወትን ንዅሉ ሰብ ዝስስን” ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ” ብዝብል ሓሳብ ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።

16 May 2024, 16:19