ድለ

Ecumenical Patriarch Mr. Bartholomew visits Athens Ecumenical Patriarch Mr. Bartholomew visits Athens  (ANSA)

ፓትርያርክ በርተሎሚው ፦ ምድላው ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ በርተሎሚው ቀዳማዊ በዓል ቍስጥንጥንያ ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ለውቲ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ቃለ መጠይቕ ኣካዪዶም ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይንን ቃዛን ዝቕጽል ዘሎ ውግኣትን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት መግለጺ ሃቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ፓትርያርክ በርተሎሚው ቀዳማዊ ሊቀ-ጳጳሳት ቁስጥንጥንያ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሊዝበን ኣብ መንጐ ሃይማኖታታት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክሳተፉ ይርከቡ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ ውን ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስ ብዛዕባ ዘለዎ "መንፈሳዊ ግዴታ" ዝገልጽ ዘነቓቕሕ መደረ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣቕሪቦም።

ንጽብሒቱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቅ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣስፊሖም ገልጹ ።

ተስፋ ምቝራጽን ቅልውላው ክሊማን

ፓትርያርክ በርተሎሚው ውልቀ-ሰባት ንኣከባቢ ንምሕላው እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኪወስዱ ኸም ዘለዎም ምስተሓቱ።

ንሶም ድማ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ "በቲ ብሓቂ ዜድልየና ደኣ እምበር ብብዙሕ ወይ በዚሑ ብዝተርፍ ኸይንነብር" ተማሕጸኑ።

ቀጺሎም ድማ "ንፍጥረት ከም ውህበት ኣምላኽ ጌርኩም ኣኽብርዎ" በሉ። "ንተፈጠሮ እና ኣብረስናዮ ኸለና ከመይ ጌርና ኢና ንኣምላኽ ከነኽብሮ እንኽእል?"

እዞም ኤቁመናዊ ፓትርያርክ ወሲኾም እዚ ሕጂ ዘሎ ኣከባብያዊ ቕልውላው ንዓለም ከም "እተበላሸወ ነገር" ገይርካ ብምርኣይ ከም ዝመጸን፣ ነዚ ንምቅላስ ከኣ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ተዋሳእትን ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባትን ምትሕብባር ከም ዘድሊ ገለጹ።

ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም በቲ ቕልውላው ኣጸቢቖም እተጸልዉ "ኵሎም እቶም እንርስዕዎም እተገለሉ ድኻታት " ምዃኖም ውን ኣመልከቱ ።

ንመበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ

ፓትርያርክ በርቶለሚው ኣብታ ኣብ ሊዝበን ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ሳኦ ኒኮላ እተገብረ ናይ ካቶሊካዉያን ጋዜጠይናታት ንእሽቶ ኣኼባ ኢዮም ነዚ መግለጺ እዚ ዘቕረቡ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ዕስራ ደቒቕ ዝኸውን ብምግላጽ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎ ርክብ ከኣ "ካብ ሕውነታዊ ንላዕሊ" ምዃኑ ገለጸሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝሓባር ነቲ 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ከብዕሉ ኸም ዝደልዩ ውን ኣመልከቱ፣ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ከኣ ብዛዕባ ዕለታትን ካልእ ዝርዝራትን ንምስምማዕ ሓባራዊ ኮሚሽን ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣብ ኢስታንቡል ክእከብ ምዃኑ ገለጹ።

ዩክረይንን ጋዛን

ፓትርያርክ በርተሎሚው ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛታት ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ክልቲኡ ግጭታት ብኡንብኡ ነቲ ውግእ ደው ኬብሎ ብምሕታት ነቲ ኣብ ዩክረይንን ቃዛን ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ኣመልኪቶም ውን ተዛረቡ ።

ፓትርያርክ በርቶሎሚው ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ካብ ዩክረይን ከም እተጨውዩ እዚ ኸኣ "ኣብዚ ግዜና ዘጋጠመ ዓቢ ዘሕዝን ፍጻመ" ምዃኑ ገለጹ። እቶም ቈልዑ "ብህጹጽ" ክምለሱ ከም ዘለዎም ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ፓትርያርክ በርቶሎሚው ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ምስ ሰምዑ "ኣዝዮም ከም ዝጐሃዩ" እውን ገለጹ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ቱርኪ ኤርዶጋን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ከም ዝጸሓፈሎም እሞ ነቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት "ዘስደምም" ብዝዀነ መገዲ ኸም ዝገለጸሎት ውን ኣመልከቱ።

ፓትርያርክ በርተሎሚው "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰላምን ፍትሕን ኣቢሎ መፍትሒ ንምርካብ ንጽሊ" ብምባል መግለጺኦም ዛዘሙ።

17 May 2024, 12:15